ዘይተነገሩ ውሽጣውን ግዳማውን ሚስጥራት ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ

ቢቢሲ ስእሊ

ኣብ ጥሪ 2015 ወዲ 90 ዓመት ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ዓብደላ ኣብ ሆስፒታል ሞቱ ይጽበ ነይሩ። ብሓደ ወገን [ብኣቦ ጥራይ] ሓዉ ዝዀነ ሳልማን ንጉስ ክኸውን ትጽቢት ነይርዎ - ሳልማን ዝፈትዎ ወዱ መሓመድ ቢን ሳልማን ድማ ንስልጣን ይሸባሸብ ነይሩ።

እቲ ብቐዳሞት ፊደላቱ ኤምቢኤስ (MBS) ዝፍለጥ - መሓመድ ቢን ሳልማን - ወዲ 29 ዓመት ዝነበረን መስፍን፡ ንመንግስቱ ዓበይቲ መደባት ነይርዎ፤ ኣብ ውሽጢ ንጉሳዊ ስድራቤት ስዑዲ ዓረብ ዝነበሩ ውዲተኛታት ግን ኣብ መወዳእታ ኣንጻሩ ከይንቀሳቐሱ ሰጊኡ። ስለዚ፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ፡ ፍርቂ ለይቲ፡ ተኣማንነቱ ክረክብ ቈሪጹ ንሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸጥታ ናብ ቤተ መንግስቲ ጸውዖ።

እቲ ሰዓድ ኣል ጃብሪ ዝተባህለ በዓል ስልጣን፡ ሞባይሉ ኣብ ደገ ክገድፎ ተነጊርዎ። መሓመድ ቢንሳልማን እውን ከምኡ ገይሩ። እቶም ክልተ ሰባት በይኖም ምስ ኰኑ እቲ መንእሰይ ልኡል ንሰለይቲ ቤተ መንግስቲ ኣዝዩ ስለ ዝፈርሐ፡ ነታ እንኮ መስመር ቴለፎን ሶኬታ ኣውጺእዎ።

ብመሰረት ጃብሪ፡ ድሕሪኡ ኤምቢኤስ ንመንግስቱ ካብ ዓሚቝ ድቃስ ከመይ ገይሩ ከም ዘበራብሮን፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ግቡእ ቦታኡ ክትሕዝ ከምዘኽእሎን ተዛሪቡ። ኣብቲ ኣብ ዓለምና ዝበዝሐ መኽሰብ ዘለዎ ኩባንያ መንግስታዊ ኣፍራዪ ነዳዲ ኣራምኮ ብጽሒት ብምሻጥ፡ ቍጠባኡ ካብቲ ኣብ ነዳዲ ዘለዎ ጽግዕተኛነት ከቋርጾ ከምዝጅምር ገሊጹም።

ንሱ፡ ኣብ ትካል ታክሲ ኡበር ሓዊሱ ኣብ ሲሊኮን ቫሊ ቴክ ስታርትኣፕስ ቢልዮናት ወፍሪ ከምዝገብር እውን ነጊርዎ። ድሕሪኡ፡ ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሓይሊ ስራሕ ክጽንበራ ናጽነት ብምሃብ፡ ሽዱሽተ ሚልዮን ሓደስቲ ስራሕ ክፈጥር ቃል ኣትዩ።

ጃብሪ ተገሪሙ ነቲ መስፍን ብዛዕባ ስፍሓት ትምኒቱ ሓቲትዎ። “ብዛዕባ ኣሌክሳንደር ዓቢ ሰሚዕካ ትፈልጥ'ዶ?” ዝብል ቀሊል መልሲ ሂብዎ።

ኤምቢኤስ ነቲ ዕላል ኣብኡ ዛዘሞ። ንፍርቂ ሰዓት ክጸንሕ ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ፍርቂ ለይቲ ኣኼባ ንሰለስተ ሰዓት ቀጺሉ። ጃብሪ ካብቲ ክፍሊ ወጺኡ፡ ኣብ ሞባይሉ ነዊሕ እዋን ብምጥፋኡ ካብ ዝተጨነቑ መሳርሕቱ መንግስቲ ሓያሎ ዘይተለዓሉ ጻውዒታት ረኺቡ።

እዚ ናይቲ ስዑዲ ዓረብ ዘመሓድርን ኣብ ነዳዲ ዝገብሮ ምቍጽጻር ንዅሉ ዝጸሉን ሰብኣይ፡ ካብቲ ንኣማኢት መወዳድርቱ በሊጹ ልኡል ዘውዲ ዝዀነሉ ክሳብ ብዘይተለምደ መንገዲ ናብ ስልጣን ዝደየበሉ ዘሎ ዛንታ እዩ።

ንዝሓለፈ ዓመት፡ ጕጅለ ሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ ምስ ስዑዳውያን ፈተውትን ተቓወምትን ኤምቢኤስ፡ ከምኡ’ውን ምስ ላዕለዎት ሰለይቲ ምዕራባውያንን ዲፕሎማሰኛታትን ክትዛረብ ጸኒሓ'ያ። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፊልምታት ቢቢሲን ኣብዚ ጽሑፍን ንዝቐረበ ኣበሃህላ መልሲ ክህብ ዕድል ተዋሂብዎም'ኳ እንተነበረ፡ ከምኡ ክገብሩ ግን ኣይመረጹን።

ሰዓድ ኣልጃብሪ ኣብ ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ኣዝዩ ልዑል ጽፍሒ ስለዘለዎ ምስ ሓለፍቲ ሲኣይኤን ኤምኣይ6ን ዕርክነት ነይርዎ። መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ንጃብሪ ስሙ ዝጸለመ በዓል ስልጣን ነበር'ኳ እንተገለ፡ ንሱ ግን እቲ ዝበለጸ ሓበሬታ ዘለዎ ተቓዋሚ ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ’ቲ ልኡል ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ብኸመይ ከም ዝገዝኣ ክዛረብ ዝደፈረ ሰብ’ዩ – ዝርዝር ናይቲ ሳሕቲ ዝሃበና ቃለ መሕትት ድማ ዘገርም’ዩ።

ኣቦኡ እናደኸመ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ወዲ 38 ዓመት ኤምቢኤስ፡ ሕጂ ብጭቡጥ መራሒ እታ መበቈል እስልምናን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰደድ ነዳዲ እትገብርን ሃገር ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ካብቲ ንሰዓድ ኣልጃብሪ ዝገለጾ መሰረት ዝሰበረ ውጥናት እውን ከካይድ ጀሚሩ’ሎ – ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ ኰይኑ፡ ገለ ካብዚኦም ብናጻ ሓሳብ ምግላጽ ምክልኻል፡ ብሰፊሑ መቕጻዕቲ ሞት ምጥቃምን ማእሰርቲ ተጣበቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮን ይርከብዎም።

ዘይምቹእ ኣጀማምራ

ቀዳማይ ንጉስ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣቦሓጐ መሓመድ ሳልማን ብውሑዱ ኣቦ 42 ኣወዳት እዩ። እቲ ዘውዲ ብባህሊ ናብ ኣብ መንጎ እዞም ደቂ እዩ ዝመሓላለፍ። ኣብ 2011ን 2012ን ክልተ ካብኣቶም ሃንደበት ምስ ሞቱ እዩ ሳልማን ቀጻሊ ብዓል ተራ ኰይኑ።

ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ነዚ ተራ ምጽናዕ ወይ መን ቀጻሊ ንጉስ ከምዝኸውን ምፍላጥ ዝምልከቶም ጉዳይ እዩ። ኣብዚ ደረጃ’ዚ፡ መሓመድ ኣዝዩ ንእሽቶን ዘይፍለጥን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ትዅረቶም እውን ኣይኣተወን ነይሩ።

“ብተዛማዲ ከይተፈልጠ’ዩ ዓብዩ” ይብል ክሳብ 2014 ሓላፊ ኤምኣይ6 ሰር ጆን ሳወርስ። “ናብ ስልጣን ክድይብ ኣይተሓሰበን።”

መሓመድ ቢን ሳልማን ኵሉ ግዜ ኣብ መንጎ ብጾቱ ንጉሳውያን ስዑዲ ዓረብ ንነብሱ ከረጋግጽ ከምዘለዎ ይስምዖ ከምዝነበረ ሓደ በዓል ስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መሓመድ ቢን ሳልማን ኵሉ ግዜ ኣብ መንጐ ብጾቱ ንጉሳውያን ስዑዲ ዓረብ ንነብሱ ከረጋግጽ ከምዘለዎ ይስምዖ ከምዝነበረ ሓደ በዓል ስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ይገልጽ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ልኡል ወራሲ ዘውዲ፡ ሕማቕ ባህርያት ኣብ ዘይቅጽዓሉ ቤተ መንግስቲ እዩ ዓብዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ድሮ ውሳነታቱ ክሳብ ዝፍጽም ብዛዕባ ሳዕቤን ውሳነኡ ኣይሓስብን ዝብል ዕሉል ልምዱ ዝገልጽ ክኸውን ይኽእል።

ኤምቢኤስ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሪያድ ኣብ መወዳእታ ዕድመ ንእስነቱ ዕሉልነት ዝረኸበ ኰይኑ፡ ናብ ሓደ ኣብ ንብረት ክርክር ንዝሰረዞ ዳኛ ኣብ ፖስታ ጥይት ሰዲዱ ምስ ተበሃለ “ኣቡ ራሳሳ” ወይ “ኣቦ ጥይት” ዝብል ሳጓ ከምዝተወሃቦ ይግለጽ።

ካብቶም ኣዝዮም ቅቡላት ዝዀኑ ለውጥታት፡ ስዑዲ ዓረብ ንእስላማዊ ጅሃድነት መዕበዪ ቦታታት ዝዀኑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ መሳጊድን ሃይማኖታዊ ኣብያተ ትምህርትን ዝህቦ ዝነበረ ምወላ ምቑራጹ ከምዝነበረ እቲ ሓላፊ ኤምኣይ6 ነበር ይገልጽ። እዚ ድማ ንድሕነት ምዕራባውያን ዓቢ ረብሓ ነይርዎ ይብል።

ኣደ መሓመድ - ፋህዳ፡ ካብ ቀቢላ በደዊን ኰይና፡ ካብተን ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣቦኡ ከም ፍቱውቲ እያ ትረአ። ምዕራባውያን ዲፕሎማሰኛታት፡ እቲ ንጉስ ንነዊሕ ዓመታት ቐስ ብቐስ ዝጅምር ዓይነት ‘ቫስኩላር ዲመንሽያ’ ከምዝተሳቐየ ይኣምኑ፤ ኤምቢኤስ ድማ እቲ ሓገዝ ዝሓተተ ወዳ’ዩ።

ሓያሎ ዲፕሎማሰኛታት ምስ ኤምቢኤስን ኣቦኡን ዝገበርዎ ርክብ ነጊሮሙና እዮም። እቲ ልኡል ኣብ ኣይፓድ መዘከርታ ይጽሕፍ፤ ድሕሪኡ ናብ ኣይፓድ ኣቦኡ ይሰዶ ነይሩ፤ እዚ ድማ ቀጺሉ እንታይ ከም ዝብል ንምልዕዓል ዝሕግዝ መንገዲ’ዩ ነይሩ።

እቲ ልኡል፡ ኣቦኡ ንጉስ ንኽገብሮ ዓቕሉ ጸቢብዎ ስለዝነበረ፡ ኣብ 2014፡ ነቲ ናይ ሽዑ ንጉስ ኣኮኡ ዓብደላ ብዝተመረዘ ቀለቤት፡ ካብ ሩስያ ክቐትሎ ሓሳብ ከምዘቕረበ ይግለጽ።

ኣብቲ ፍጻመ እቲ ንጉስ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ስለዝሞተ ሓዉ ሳልማን ኣብ 2015 ዝፋን ክሕዝ ኣኽኢልዎ። ኤምቢኤስ ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ተመዚዙ ናብ ኲናት ንምእታው ድማ ግዜ ኣይወሰደን።

ኲናት የመን

ድሕሪ ክልተ ወርሒ፡ እቲ ልኡል ንልፍንታዊ ሓይሊ ወሽመጥ ዓረብ መሪሑ ኣንጻር’ቲ ንመብዛሕትኡ ምዕራባዊ የመን ተቘጻጺሩ ዝነበረን ከም ወኪል ናይታ ዞባዊ መወዳድርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝዀነት ኢራን ዝረኣዮን ምንቅስቓስ ሑቲ፡ ናብ ኲናት ኣእትዩ። እዚ ድማ ብዙሕ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣስዒቡ፡ ሚልዮናት ድማ ንሓደጋታት ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ተቓሊዖም።

“ውሕሉል ውሳነ ኣይነበረን” ይብል እቲ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣምባሳደር እንግሊዝ ዝነበረ ሰር ጆን ጀንኪንስ። “ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ እቲ ወፍሪ ናይ 12 ሰዓታት ምልክታ ከምዝተዋህቦም ነጊሩኒ፡ እዚ ድማ ዘይተሰምዐ እዩ።”

እቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ንሓደ ብዙሕ ዘይፍለጥ ዝነበረ መስፍን ናብ ሃገራዊ ጅግና ስዑዲ ዓረብ ንምቕያር ሓጊዙ። ይዅን እምበር፡ ኣዕሩኽቱ ከይተረፉ ሓያሎ ዓበይቲ ጌጋታት እዮም ኢሎም ካብ ዝኣምኑሎም እታ ቀዳመይቲ እያ ነይራ።

እቲ ልኡል፡ ሓደስቲ ባህርያት ክቕልቀል፤ ነቲ ብዝሕቱል ውሳነታት ዝፍለጥ ዝነበረ ስርዓት ስዑዲ ዓረብ፡ ብዘይተገመተ መገዲ ክቕይሮ ጀሚሩ። ንኣሜሪካ ዘይምድናቕ፡ ከም ድሑር ሃገር ክትርአ ዘይምድላይ ዝኣመሰሉ ባህሪያት ከንጸባርቕ ጀሚሩ።

ጃብሪ ካብዚ ሓሊፉ ንመሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ጉዳያት ሓይሊ ምድሪ ዝፍጽም ንጉሳዊ ኣዋጅ ፌርማ ኣቦኡ ኣመሳሲሉ ከምዝፈረመ ይኸስስ።

ጃብሪ፡ ኲናት የመን ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዋይት ሃውስ ከምዝተዘራረበ ይጠቅስ። ከምኡ’ውን ኣማኻሪት ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ኦባማ ሱዛን ራይስ፡ ኣመሪካ ንወፍሪ ኣየር ጥራይ ከም እትድግፍ ኣጠንቂቓቶ ከምዝነበረት ይሕብር።

ይዅን እምበር ጃብሪ፡ ኤምቢኤስ ኣብ የመን ክዕወት ኣዝዩ ቆሪጹ ስለዝነበረ፡ ንኣመሪካውያን ሸለል ከምዝበሎም ወሲኹ ይዛረብ።

ጃብሪ፡ ሓላፊ መደበር ሲኣይኤ ኣብ ሪያድ፡ ኤምቢኤስ ንኣመሪካውያን ሸለል ኢሉዎም ብምባል ክሳብ ክንደይ ከምዝተቘጥዐን ወራር የመን ክፍጽም ከምዘይነበሮም ክነግሮ እንከሎ ይዝክር።

ሓላፊ ኤምኣይ6 ነበር ሰር ጆን ሳወርስ፡ ኤምቢኤስ ነቶም ሰነዳት ኣምሲሉ ከምዝፈረመ እኳ እንተዘይፈለጠ፡ “እዚ ውሳነ ኤምቢኤስ ኣብ የመን ወተሃደራዊ ጣልቃ ንምእታው ከምዝነበረ ንጹር’ዩ፤ ውሳነ ኣቦኡ ኣይነበረን።”

ኤምቢኤስ ካብ መጀመርታ ንነብሱ ከም ናይ ደገ ሰብ ይርእያ ከም ዝነበረ ረኺብናዮ ኣለና - ብዙሕ ከረጋግጾ ዘለዎን ብዘይካ ናቱ ሕጊ ናይ ዝኾነ ሰብ ምእዛዝ ዝኣበየን መንእሰይ።

ኣብ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘገልገለት ኪርስተን ፎንተንሮዝ፡ ነቲ ሲኣይኤ ዝሃበቶ ውሽጣዊ ስነ-ኣእምሮኣዊ ፕሮፋይል ናይቲ ልኡል ምስ ኣንበበት፡ ነቲ ቁምነገር ዝሰሓተ ኮይኑ ከምዝተሰምዓ ትዛረብ።

"ንዕኡ መሰረት ዝገበረ ፕሮቶታይፕ ኣይነበረን" ትብል፤ “ደረት ዘይብሉ ጸጋታት ነይርዎ። ‘ኣይፋልን’ ተባሂሉ ኣይፈልጥን። ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ መብዛሕትና ኣብ መንግስቲ ዘለና ክንርድኦ ዘይንኽእል ወለዶ ዘንጸባርቕ ናይ መጀመርታ መንእሰይ መራሒ እዩ።”

ናትካ ሕግታት ምውጻእ

ኤምቢኤስ ኣብ 2017 ሓደ ፍሉጥ ቅብኣ ምዕዳጉ፡ ብዛዕባ ኣተሓሳስብኡን ካብቲ ዘመሓድሮ ሃይማኖታዊ ዓቃባዊ ሕብረተሰብ ወጻኢ ስጕምቲ ክወስድ ዘይፈርሕን ንሓደጋ ዘለዎ ድልውነትን ዘርኢ እዩ።

ልዕሊ ኵሉ ድማ ንምዕራባውያን ሓይሉ ከርኢ ከም ዝደሊ ዘርኣየሉ ኣጋጣሚታት ተገይሩ ዝውሰደሎም ኣጋጣሚታት ነይሮም እዮም።

ኣብ 2017፡ ሓደ ንኤምቢኤስ ዝዋሳእ ዝነበረ ልኡል ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ሳልቫተር ሙንዲ 450 ሚልዮን ዶላር (350 ሚልዮን ፓውንድ) ከም ዘውጽአ ይንገር፤ እዚ ሳልቫተር ሙንዲ ክሳብ ሕጂ ዝተሸጠ ዝኸበረ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዓለም ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ብሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ ከም ዝተሳእለ ዝግለጽ ስእሊ፡ ንእየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ መድሓኒ ዓለም ዝገልጽ እዩ። ዳርጋ ንሸውዓተ ዓመት፡ ካብቲ ጨረታ ጀሚሩ፡ ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ።

ቅብኣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዓርኪ እቲ ልኡል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስተን ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ቀረባ ምብራቕን ዝዀነ በርናርድ ሃይከል፡ ዋላ’ኳ እቲ ቅብኣ ኣብ ጃልባ ወይ ቤተ መንግስቲ ናይቲ ልኡል ተሰቒሉ ከምዘሎ ወረታት እንተሃለወ፡ ብሓቂ ግን ኣብ ጀነቫ ኣብ መኽዘን ከምዘሎን ኤምቢኤስ ኣብ ሓደ ኣብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ ገና ዝህነጽ ቤተ መዘክር ክሰቕሎ ከምዝሓስብን ይዛረብ።

ብተመሳሳሊ ንስፖርት ዝሓንጸጾ መደባት፡ ኣዝዩ ዓቢ ድሌት ዘለዎን ነቲ ዘሎ ክውንነትን ኣተሓሳስባን ንምቕያር ዘይፈርሕን ሰብ ምዃኑን ዘንጸባርቑ እዮም።

ስዑዲ ዓረብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎ ስፖርት እትገብሮ ዘላ ንምእማኑ ዘጸግም ወጻኢታት እዩ። ኣብ 2034 ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከተአንግድ እንኮ ተጫራቲት ኰይና፡ ውድድራት ቴኒስን ጎልፍን ኣብ ምክያድ ድማ ብሚልዮናት ወፍሪ ዝገበረት እያ።

"ኤምቢኤስ ከም መራሒ ናይ ገዛእ ርእሱ ስልጣን ንምህናጽ ተገዳስነት ኣለዎ" ይብል ምስኡ ዝተራኸበ ሓላፊ ኤምኣይ6 ነበር ሰር ጆን ሳወርስ። “እዚ ክገብሮ ዝኽእል እንኮ መገዲ ድማ ሓያልነት ሃገሩ ብምህናጽ’ዩ፤ ንሱ’ዩ ዝድርኾ ዘሎ፡” ይውስኽ።

ጃብሪ ከም በዓል ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኰይኑ ን40 ዓመታት ምግልጋሉ፡ ካብ ምድልዳል ስልጣን ኤምቢኤስ ኣይደሓነን። ሓላፊ ስታፍ ልኡል ዘውዲ ነበር መሓመድ ቢን ናየፍ፡ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኽእል ብናይ ወጻኢ ኣገልግሎት ስለያ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኤምቢኤስ ስልጣን ኣብ ዝሕዝሉ ዝነበረ እዋን ካብቲ ንግስነት ሃዲሙ።

ጃብሪ ግን ኤምቢኤስ ብሃንደበት፡ ንናይ ቀደም ስርሑን ስልጣኑን ከምዝምለሰሉ ዝገልጽ መልእኽቲ ከምዝለኣኸሉ ይዛረብ።

ጃብሪ ግን እንተተመሊሱ ከምዝሳቐ፡ ከምዝእሰር ወይ ከምዝቕተል እዩ ዝኣምን። መንእሰያት ደቁ ዑመርን ሳራን ተኣሲሮም፡ ደሓር ድማ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ክሃድሙ ብምፍታንን ተኸሲሶም፤ ንሳቶም ግን ነዚ ክሲ ይኽሕዱ።

ጉጅለ ስራሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ እውን ክፍትሑ ጸዊዑ እዩ።

"ንቕትለተይ መደብ ኣውጺኡ ነይሩ" ይብል ጃብሪ። “ክሳዕ ሞይተ ዝርእየኒ ኣይዓርፍን፤ ብዛዕባ እዚ ኣይጠራጠርን እየ።”

ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፡ ጃብሪ ካናዳ ኣሕሊፉ ንክትህቦ ንኢንተርፖል ሓቲቶም’ኳ እንተነበሩ፡ ግን ኣይተዓወቱን። ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብቢልዮናት ዶላራት ዘጠቓለለ ብልሽውና ከምዝድለ ይገልጹ። እንተዀነ ግን ናይ ሜጀር ጀነራል መዓርግ ዝተወሃቦን ንሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣልቃዒዳ ኣብ ምክልኻል ንሲኣይኤን ኤምኣይ6ን ብምሕጋዝ ሞሳ ዝረኸበን ሰብ እዩ።

ቅትለት ካሾጊ

ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ቅትለት ጀማል ካሾጊ፡ ንምንጻግ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ብዝኾነ መንገዲ ንኤምቢኤስ ዘሳትፍ እዩ።

እታ 15 ዝኣባላታ ‘ሂት ስኳድ’ ብዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት ትጓዓዝ ዝነበረት ኰይና፡ ሓያሎ ሓለውቲ ኤምቢኤስ ዘጠቓለለት’ያ ነይራ። ሬሳ ካሾጊ ኣይተረኸበን፡ ብጐዞሞ ከም ዝተቘራረጸ’ውን ይእመን።

ፕሮፌሰር ሃይከል ድሕሪ እቲ ቅትለት ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ኤምቢኤስ ናይ ዋትስኣፕ መልእኽቲ ተለዋዊጡ ነይሩ።

ሃይከል፡ “‘እዚ ብኸመይ ክኸውን ይኽእል?’ ኢለ እየ ሓቲተዮ” ይብል። “ኣብ ዓሚቝ ስንባደ እዩ ነይሩ ይመስለኒ። ክሳብ ክንድኡ ኣዘራራቢ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ዝነበሮ ኣይመስለንን።”

ድሕሪ ቅሩብ ደኒስ ሮስ ምስ ኤምቢኤስ ተራኺቡ ነይሩ፤ “ከምዘይገበሮን ዓቢ ጌጋ ከምዝዀነን ተዛሪቡ” ይብል ሮስ። “ብርግጽ ክኣምኖ ደልየ ነይረ፣ ምኽንያቱ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገር ክፍጸም ፍቓድ ክህብ ይኽእል’ዩ ኢለ ክኣምን ኣይከኣልኩን።”

ኤምቢኤስ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ኣፍልጦ ከምዘይብሉ እዩ ዝገልጽ። እንተዀነ ኣብ 2019 ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ቅትለት ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ስለዝተፈጸመ፡ "ሓላፍነት ክወስድ እየ" ዝበሎ ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንፖሊሲታት ኤምቢኤስ ነቒፉ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንፖሊሲታት ኤምቢኤስ ነቒፉ ነይሩ

ኣብ ለካቲት 2021 ዝተዘርግሐ ምስጢራዊ ጸብጻብ ስለያ ኣመሪካ፡ ኣብ ቅትለት ካሾጊ ኢድ ከምዝነበሮ ኣረጋጊጹ እዩ።

ኤምቢኤስ ብውልቂ ዝፈልጥዎ ሰባት ካብ ጌጋታቱ ተማሂሩ ድዩ ወይስ ካብ ጉዳይ ካሾጊ ድሒኑ ድዩ ኣይደሓነን፡ ወይስ ብሓቂ ኣበርቲዕዎ እዩ ዝብሉ ሕቶ ኣቕሪብናሎም።

“ብመከራ'ውን እንተዀነ ተማሂሩ’ዩ” ይብል ፕሮፌሰር ሃይከል። ኤምቢኤስ እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊኡን ሃገሩን ከም ጸለመ ምዃኑ ከምዘቘጥዖ፡ እንተዀነ ግን ከም ናይ ካሾጊ ዝኣመሰለ ቅትለት ዳግማይ ከምዘይፍጸም ይዛረብ።

ሰር ጆን ሳወርስ እቲ ቅትለት ነጥበ መቐይሮ ምንባሩ ብጥንቃቐ ይሰማማዕ። “ገለ ትምህርቲ ዝተማህረ ይመስለኒ። እቲ ስብእና ግና ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ።”

ኣቦኡ ንጉስ ሳልማን ሕጂ ወዲ 88 ዓመት ኰይኑ ኣሎ፤ ምስ ሞተ ኤምቢኤስ ንዝቕጽሉ 50 ዓመታት ስዑዲ ዓረብ ክገዝእ ይኽእል እዩ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ዝምድና ስዑዲ ዓረብን እስራኤልን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገበሮ ፈተነታት ግዳይ ክቕተል ከይከውን ከምዝሰግእ ይገልጽ።

ፕሮፌሰር ሃይከል፡ “ክቐትልዎ ዝደልዩ ብዙሓት ሰባት ዘለዉ ይመስለኒ፡ ንሱ ድማ ይፈልጦ እዩ” ይብል።

ዘለኣለማዊ ንቕሓት እዩ ንኸም በዓል ኤምቢኤስ ዝኣመሰለ ሰብ ውሑስ ዝገብሮመረ። ሰዓድ ኣልጃብሪ ኣብ መጀመርታ ናብ ስልጣን ምድያቡ ኣብ ቤተ መንግስቱ ቅድሚ ምዝርራቡ ሶኬት ቴሌፎን ኣብ ዘውጽኣሉ እዋን ዝተዓዘቦ ነገር እዩ።

ኤምቢኤስ ክሳዕ ሕጂ ሃገሩ ዘመናዊት ንምግባር ኣብ ተልእኾ ዘሎ ሰብ እዩ፤ እዚ ድማ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሰባት ክፍጽምዎ ብዘይ ደፍሩሉ መንገዲ እዩ። ግን ኣብ ከባቢኡ ዝዀነ ሰብ ተወሳኺ ጌጋታት ከይፍጽም ክኽልክሎ ዘይደፍር ሰብ ዘይብሉ ክሳብ ክንድ’ዚ ጨካን ናይ ምዃን ሓደጋ ዘጋጥሞ ናይ መጀመርታ ምልካዊ ስርዓት’ውን ኣይኰነን።