ኢራን መራሒ ሓማስ ኣብ ሃገራ ድሕሪ ምቕታሉ ሕነ ክትፈዲ ተሓንያ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢራን ኣብ ልዕሊ ነታ ትማሊ ረቡዕ ንመራሒ ሓማስ ንምቕታል ተሓታቲት እያ ዝበለታ እስራኤል “ተሪር መቕጻዕቲ” ከምእትወስድ ተሓንያ።
እስራኤል ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ኣብ ቴህራን ዝተቐተለ እስማዒል ሃኒየ ብቐጥታ ርእይቶ ኣይሃበትን።
ይዅን’ምበር ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ሃገሩ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጸላእታ ክትቀጽዕ ምዃና ገሊጹ ነይሩ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ቴህራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰዓታት ኣቐዲሙ ኣብ ሊባኖስ ዝተቐተለ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሕዝቦላህን ዘጠቓልል እዩ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ልዑል ግጭት ከይፍጠር ዘሎ ስግኣት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንእስራኤላውያን “በዳሂ መዓልታት ይጽበዮም ኣሎ” ክብል ኣጠንቂቑ።
"ካብቲ ኣብ በይሩት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ካብ ኵሉ ኣንፈት ስግኣታት ኣሎ" ክብል ኣብ ተሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ መደረ ገሊጹ’ዩ።
"ንዝዀነ ይዅን ተርእዮ ድሉዋት ኢና፡ ኣንጻር ዝዀነ ስግኣት ድማ ብሓባርን ቆራጽነትና ክነርኢ ኢና።"
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብቲ ዞባ "ሓደገኛ ምብራኽ" ተጻብኦታት ይርአ ከምዘሎ ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ንምዝታይ ብረቡዕ ምሸት ክእከብ ነይርዎ።
ዕጡቕ ክንፊ ሓማስ፡ ሞት ናይቲ ብሰፊሑ ከም ሓፈሻዊ መራሒ ናይቲ ጕጅለ ዝርአ ዝነበረ ሃኒያ፡ "ነቲ ውግእ ናብ ሓድሽ ደረጃ ክወስዶ'ዩ" ከምኡ'ውን ዓቢ ሳዕቤን ክህልዎ'ዩ ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ ኣሎ።
ኣብ ቓዛ ብዛዕባ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ዓቢይ ተራ ዝተጻወተ ሃኒያ፡ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል ቃለ-መሓላ ፕረዚደንት ኢራን መስዑድ ፔዘሽክያን ድሕሪ ምክፋሉ እዩ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ተቐቲሉ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቅትለት ሃኒያ ቅድሚ ሕጂ ናብ ኢራን ኣብ ዝገበሮ ዑደት ኣብ ዝሓደረሉ ህንጻ ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።
ሰለስተ መራሕቲ ሓማስን ብርክት ዝበሉ ሓለውትን ኣብ ሓደ ህንጻ ምስኡ ከምዝነበሩ እውን ጠቒሱ።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ኸሊል ኣል-ሃያ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምስኡ ዝነበሩ መሰኻኽር ብምጥቃስ፡ ሓደ ሚሳይል ንሃኒያ "ብቐጥታ" ከምዝሃረሞ ገሊጹ።
ቅድሚ’ቲ ንሃኒየ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ኣብ በይሩት ንላዕለዋይ ወተሃደራውዊ ኣዛዚ ሕዝቦላህ ፉኣድ ሸኩር ከምዝቐተለቶ ገሊጻ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, WAEL HAMZEH/EPA-EFE/REX/Shutterstock
እስራኤል፡ ብሰንበት ኣብቲ እስራኤል እትቆጻጸሮ ኣኽራናት ጐላን 12 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሮኬት ብሕዝቦላህ ከምዝተፈጸመ’ያ ትኣምን፤ ሕዝቦላህ ግን ኢድ ከምዘይብሉ ይገልጽ።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ፡ ሬሳ ሸኩር ኣብ መንጐ ፍርስራስ ናይቲ ዝተሃርመ መንበሪ ህንጻ ከምዝተረኽበ ኣረጋጊጹ። ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት እውን ከምዝተቐተሉ ሓቢሩ።
ሕዝቦላህ ምላሽ ከምዝህብ ዳርጋ ርግጽ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ እቲ ብብዝሒ ዕጡቓት ዘለዎን ብኢራን ዝድገፍን ጕጅለ፡ ናብ እስራኤል ብርቱዕ ሮኬታት ብምትኳስ ንቕትለት ላዕለዎት ኣባላቱ ምላሽ ሂቡ’ዩ።
ኣመሪካ ንዜጋታት ዝሃበቶ መምርሒ ጕዕዞ ኣሐዲሳ፡ ብሰንኪ "ዝውስኽ ወጥሪ" ናብ ሊባኖስ ከይገሹ ምዒዳ’ላ። ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ ዜጋታት ካብታ ሃገር ክወጹ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ሓያሎ መንገዲ ኣየራት ናብ በይሩት ዝገብራኦ በረራታት ክስርዛ እንከለዋ፡ ዩናይትድ፡ ደልታን ብሪቲሽ ኤርወይስን ድማ ናብ ተልኣቪቭ ዝገብራኦ በረራታት ከቋርጻ ከም ዝኽእላ ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







