ሕዝቦላህ ጽልዋኡ ከመይ'ዩ? ኣንጻር እስራኤል’ከ ኲናት ክጅምር ተኽእሎ ኣሎ’ዶ?

ሕዝቦላህ ንምርግጋእ እታ ሃገር ሓደጋ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ገለ ሊባኖሳውያን’ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሺዓ ግን ተፈታዊ ጉጅለ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሕዝቦላህ ንምርግጋእ እታ ሃገር ሓደጋ’ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ገለ ሊባኖሳውያን’ኳ እንተሃለዉ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሺዓ ግን ተፈታዊ ጕጅለ እዩ

ብሰንበት እስራኤል ኣብ ትቈጻጸሮ ከባቢ ጎላን ኣብ ዝርከብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ዝዓለበ ሮኬት 12 ህጻናትን መንእሰያትን ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኵሉ መዳያዊ ኲናት ከይለዓል ስክፍታታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

እቶም ቈልዑ ኣብ ዓረብ ድሩዝ ከተማ ማጅዳል ሻምስ ይጻወቱ ነይሮም። ማጅዳል ሻምስ ሓንቲ ካብተን ኣስታት 25,000 ኣባላት ዓረብኛ ዝዛረቡ ሃይማኖታውያን ብሄራውያን ድሩዝ ዝነብሩለን ኣርባዕተ ከተማታት ኣኽራናት ጎላን እያ።

ሕዝቦላህ ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዝርከብ ኣኽራናት ጎላን ብዝወንጨፎ ሮኬት፡ ኩዕሶ ዝጻወቱ ዝነበሩ ቈልዑ ዝርከብዎም 12 ሰባት ከምዝሞቱ ምስተፈለጠ እስራኤል ሕነ ናይ ምፍዳይ ግብረ መልሲ ምሃባ ይዝከር።

እስራኤልን ኣመሪካን፡ ዕጡቕ ጕጅለ ሺዓ ሕዝቦላህ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ይገልጻ፤ ሕዝቦላሕ ግን ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከምዘይብሉ ብምግላጽ እስራኤል መጥቃዕቲ ከይትፍጽም ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እስራኤል ኣብ እዋን ኲናት 1967 ንጎላን ካብ ሶርያ ዝወሰደት ኰይና ኣብ 1981 ድማ ተቘጻጺራቶ።

እቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ፍጻመ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዶብ እስራኤልን ከባቢኣን ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሕዝቦላህን ዳርጋ መዓልታዊ ክካየድ ካብ ዝጸንሐ ምልውዋጥ ተዅሲ እቲ ቀታሊ ምዃኑ ይግለጽ።

ሕዝቦላህ እንታይ እዩ?

ሕዝቦላህ ኣብ ሊባኖስ ዝነጥፍ ብኢራን ዝድገፍ ሺዓ እስላማዊ ፖለቲካዊ ውድብን ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለን እዩ።

ኣብ 1992 ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብሓሰን ነስረላህ ይምራሕ። ስም እቲ ጕጅለ ‘ውድብ ኣምላኽ’ ማለት እዩ።

ሕዝቦላህ ኣብ መጀመርታ 1980ታት እስራኤል ንሊባኖስ ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ካብ ኢራን ብዝረኸቦ ገንዘባውን ወተሃደራውን ሓገዝ እዩ ተቐልቂሉ። ዕላማኡ ነቲ ኣብ ደቡብ ባህላዊ ስልጣኑ ዝሰኣነ ሺዓ ሊባኖስ ምክልኻል ኰይኑ፡ ሱር ስነ-ሓሳቡ ኣብቲ ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እስላማዊ ትንሳኤ ሺዓ ዝተመርኰሰ እዩ።

እስራኤል ኣብ 2000 ካብቲ ከባቢ ድሕሪ ምስሓባ፡ ሕዝቦላህ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ዘጋጠሞ ጸቕጢ ተጻዊሩ፡ እስላማዊ ተቓውሞ ብዝብል ዝጽዋዕ ወተሃደራዊ ክንፉ ኣሓይሉ ቀጺሉ።

በብቕሩብ ድማ ብሰልፊ ብሎክ ተቓውሞ ብዘለዎ ተኣማንነት ኣቢሉ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ሊባኖስ ቁልፊ ደላይ ስልጣን ክኸውን ክኢሉ። ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ድማ ብውጽኢታዊ መንገዲ ቀውፊ ናይ ምፍጻም ስልጣን (ሓደ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕል ናይ ምግባር መሰል) ረኺቡ።

ሕዝቦላህ ንብዙሕ ዓመታት ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት እስራኤልን ኣመሪካን ተኸታታሊ ቦምባታትን ውዲታትን ብምፍጻሙ ክኽሰስ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብምዕራባውያን ሃገራት፡ እስራኤል፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሊግ ዓረብን "ሽበራዊ" ትካል ተባሂሉ ተሰምዩ’ዩ።

ብቀዳም ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐተሉ 12 ህጻናት እቶም 11

ምንጪ ስእሊ, Israeli Foreign Ministry

መግለጺ ስእሊ, ብቐዳም ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካብ ዝተቐተሉ 12 ህጻናት እቶም 11
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጽኑዕ መሻርኽቲ ፕረዚደንት ሶርያ በሽር ኣል ኣሳድ ዝዀነ ሕዝቦላህ፡ እቲ ኣብ 2011 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ንፕረዚደንት ኣሳድ ዝሕግዙ ኣሽሓት ዕጡቓት ሰዲዱ ነይሩ።

ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ሓይልታት፡ ብፍላይ ኣብ ኣኽራናዊ ዶብ ሊባኖስ ዕጡቓት ዝተቘጻጸርዎ መሬት ንኽመልሱ ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ’ዩ።

እስራኤል ኣብ ሶርያ ኣብ ልዕሊ ምስ ዕጡቓት ኢራንን ሕዝቦላህን ዝተኣሳሰሩ ዒላማታት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ’ኳ እንተፈጸመት፡ ነቲ ጕጅለ ግን ሳሕቲ ጥራይ እያ ኣፍልጦ ትህቦ።

ሕዝቦላህ ኣብ ሶርያ ኢድ ምእታዉ ግና ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ጕጅለኣዊ ወጥሪ ክብርኽ ገይሩ ኣሎ።

ንሺዓ ዓላዊት ፕረዚደንት ሶርያ ዝሃቦ ደገፍን ምስ ኢራን ዘለዎ ጽኑዕ ርክብን እውን ካብተን ብቐንዲ ዞባዊ መወዳድርቲ ኢራን ዝዀት ስዑዲ ዓረብ ዝምራሓ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ጽልኢ ከምዘትረፈሉ ይፍለጥ።

ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ ብውሑዱ 1200 ሰባት ዝቐተለ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ሕዝቦላህን እስራኤልን ስግረ-ዶባዊ ተዅሲ ተለዋዊጦም እዮም።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኣየር ብምክያድ ኣሽሓት ሰባት ኣብ ዝቐተለትሉ እዋን፡ ሕዝቦላህ ኣብቲ ግጭት ኣንጻር እስራኤል ኣበርክቶ ክገብር "ምሉእ ብምሉእ ድልው" ምዃኑ ገሊጹ’ዩ።

ወተሃደራዊ፡ ጸጥታውን ፖለቲካውን ጽልዋ ሕዝቦላህ ከምኡ’ውን ዝህቦ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ግዝኣት ከም መንግስቲ ዝናኡ ብምምስራት፡ ምስ መንግስታዊ ትካላት ክወዳደር ዝኸኣለ ኰይኑ፡ ካብ መወዳድርቱ ድማ ሓያል ነቐፌታ እናሰሓበ ይርከብ።

ብገለ መንገዲ ሕጂ ዓቕሙ ካብቲ ኣብ ኲናት 2006 ኣንጻር እስራኤል ዝተሰለፈ ዘይነዓቕ ሓይሊ ሰራዊት ሊባኖስ ንላዕሊ ኰይኑ ኣሎ።

ገለ ሊባኖሳውያን፡ ሕዝቦላህ ንምርግጋእ እታ ሃገር ሓደጋ ከምዝዀነ’ኳ እንተኣመኑ፡ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ሺዓ ግን ዘልዓለማዊ ተፈታዊ ጕጅለ እዩ።

ጸረ እስራኤል

ቀንዲ መበገሲ ሕዝቦላህ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እዩ። እንተዀነ እስራኤል ኣብ 1982 ብዕጡቓት ፍልስጤማውያን ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ሊባኖስ ዘካየደቶ ወራር ስዒቦም እዮም ተቐልቂሎም።

እቲ እስላማዊ ኣማል ብዝብል ዝጽዋዕ ሓድሽ ትካል፡ ካብ ኣብ ጎልጎል በካዓ ዝመደበሩ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ብዝረኸቦ ርኡይ ወተሃደራውን ውደባውን ደገፍ፡ ካብቶም ድሒሮም ንሕዝቦላህ ዘቘሙ ምልሻታት ሺዓ እቲ ዝያዳ ፍሉጥን ኣድማዕን ኰይኑ ተቐልቂሉ።

እቶም ጕጅለታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እስራኤልን መሻርኽቱን ሰራዊት ደቡብ ሊባኖስን ከምኡ’ውን ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሓይልታት መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ኣብቲ ኣብ 1983 ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካን ድፋዕ ማሪን ኣመሪካን ዝተፈጸመ ቦምባታት፡ ኢድ ከምዘለዎም ይንገር። ኣብዞም መጥቃዕትታት ብድምሩ 258 ኣመሪካውያንን 58 ፈረንሳውያንን ክሞቱ እንከለዉ ሓይልታት ዓቃብ ሰላም ምዕራባውያን ካብቲ ከባቢ ክስሕብ እውን ደሪኾም እዮም።

ሕዝቦላህ ኣብ 1985 ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ቀንዲ ጸላእቲ እስልምና ምዃነን ዝገልጽን ከምኡ’ውን ንመሬታት ኣስላም ሒዛቶ ኣላ ዝበላ እስራኤል "ክትድምሰስ" ዝጽውዕን "ቅሉዕ ደብዳበ" ብምሕታም ብወግዒ ከምዝተመስረተ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ "እስላማዊ ስርዓት ብሓይሊ ምጽዓን ዘይኰነስ ብናጻን ቀጥታውን ምርጫ ህዝቢ" ቅቡል ክኸውን’ውን ጸዊዑ።

እቲ ኣብ 1989 ንኲናት ሓድሕድ ሊባኖስ ዘብቅዐን ምፍታሕ ኣጽዋር ምልሻታት ዝጽውዕን ስምምዕ ታይፍ፡ ሕዝቦላህ ንወተሃደራዊ ክንፉ ዳግማይ ክስይም ደሪኽዎ።

ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ክንፊ ንመግዛእቲ እስራኤል ንምውጋድ ዝተወፈየ ሓይሊ "እስላማዊ ተቓውሞ" ዝብል መጸውዒ ብምሃብ ኣጽዋራቱ ክዕቅብ ክኢሉ።

መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ኣብ በይሩት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብቪድዮ መደረ ኣስሚዑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መራሒ ሕዝቦላህ ሓሰን ነስረላህ ኣብ በይሩት ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብቪድዮ መደረ ኣስሚዑ

ሰራዊት ሶርያ ኣብ 1990 ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ሰላም ክሰፍን ድሕሪ ምግባሩ፡ ሕዝቦላህ ኣብ ደቡብ ሊባኖስ ዘካይዶ ኲናት ደባይ ቀጺሉ። ኣብ ፖለቲካ ሊባኖስ እውን ንጡፍ ተራ ክጻወት ጀሚሩ። ኣብ 1992 ንፈለማ እዋን ኣብ ሃገራዊ መረጻ ተሳቲፋ።

ኣብ መወዳእታ ሓይልታት እስራኤል ኣብ 2000 ምስ ሰሓቡ፡ ንኽወጹ ዝደፍኦም ሕዝቦላህ ከምዝዀነ ተገሊጹ። እቲ ጕጅለ፡ ኣብ ሕርሻታት ሸባን ካልእ ኣካታዒ ከባቢታትን ቀጻሊ ህላወ እስራኤል ከም መመኽነይታ ብምግባር፡ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ዘጋጠሞ ጸቕጢ ተጻዊሩ፤ ወተሃደራዊ ህላወኡ እውን ኣብ ደቡብ እታ ሃገር ክዕቅብ ክኢሉ።

ኣብ 2006 ዕጡቓት ሕዝቦላህ ሸሞንተ ወተሃደራት እስራኤል ዝተቐተሉሉን ካልኦት ክልተ ድማ ዝተጨወዩሉን ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም፤ እዚ ከኣ ብወገን እስራኤል ሰፊሕ ምላሽ ኣበጊሱ።

ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ደቡብን ኣብ ደቡባዊ ከባቢታት በይሩትን ንዝርከቡ ዕርድታት ሕዝቦላህ ብቦምባታት ደብዲበን።

ሕዝቦላህ ድማ ኣስታት 4 ሽሕ ሮኬታት ናብ እስራኤል ተኲሱ። ኣብቲ ን34 መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት መብዛሕትኦም ሲቪላት ዝዀኑ ልዕሊ 1,125 ሊባኖሳውያንን ከምኡ’ውን ብወገን እስራኤል 119 ወተሃደራትን 45 ሲቪላትን ሞይቶም።

ሕዝቦላህ ካብቲ ኲናት ድሒኑ ብትብዓት ተቐልቂሉ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዕጥቁ ወሲኹን ኣስፊሑን ብዙሓት ሓደስቲ ተጋደልቲ እኳ እንተመልመለ፡ ኣብቲ ሕጂ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ሰራዊት ሊባኖስን ዝቈጻጸርዎ ዘለዉ ከባቢ ዶብ ግን ዓቢ ምልዕዓል ኣይተራእየን።

ጽልዋ

ኣብ 2008 ብምዕራባውያን ዝድገፍ መንግስቲ ሊባኖስ ንውልቃዊ መርበብ ቴሌኮሙኒኬሽን ሕዝቦላህ ንምዕጻውን ምስቲ ጕጅለ ብዝነበሮ ርክብ ድማ ንሓላፊ ጸጥታ መዓርፎ ነፈርቲ ቤሩት ንምእላይን ስጕምቲ ምስ ወሰደ፡ ሕዝቦላህ ምስ ተቐናቐንቲ ጕጅለታት ሱኒ ብምቅላስን ንመብዛሕትኡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ብምቍጽጻርን ምላሽ ሂቡ።

ነቲ 81 ሰባት ዝሞትሉን ንሊባኖስ ናብ ኲናት ሓድሕድ ዘብጽሐን ጕጅለኣዊ ግጭታት ንምውጋድ፡ መንግስቲ ክስሕብ ተገዲዱ። ስምምዕ ስልጣን ምክፍፋል ድማ ሕዝቦላህን መሻርኽቱን ኣብ ዝዀነ ይዅን ውሳነ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ቀውፊ ናይ ምፍጻም ስልጣን (ሓደ ውሳነ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕል ናይ ምግባር መሰል) ክረኽቡ ኣኽኢልዎም።

ኣብ 2009 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ 10 መናብር ባይቶ ብምዕዋት ኣብ ጥምረት መንግስቲ ክጸንሕ ክኢሉ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት፡ ዋና ጸሓፊ ሕዝቦላህ ሸኽ ሓሰን ነስረላህ፡ "ፖለቲካዊ ራእይ" ናይቲ ጕጅለ ንምጕላሕ ዝዓለመ ሓድሽ ፖለቲካዊ ማኒፌስቶ ዘርጊሑ።

ንሱ፡ ነታ ኣብቲ ናይ 1985 ማኒፌስቶ ዝተጠቐሰት እስላማዊት ሪፓብሊክ ተወኪሱ፡ እንተዀነ ግን ኣንጻር እስራኤልን ኣመሪካን ተሪር መስመር ብምሓዝ፡ ሕዝቦላህ ኣጽዋሩ ክሕሉ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ሂዝቦላህ ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ናብ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሮኬታት ተኲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሕዝቦላህ ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ናብ እስራኤል ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሮኬታት ተኲሱ

ኣብ 2011 እቲ ጕጅለን መሻርኽቱን ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ብዝድገፍ ሱኒ ዝምራሕ ጥምረት መንግስቲ ክወድቕ ገይሮም። ሕዝቦላህ ድማ ኣርባዕተ ኣባላቱ ኣብ 2005 ኣብ ዝተፈጸመ ቅትለት ራፊቕ ዝተበሃለ ኣቦ ሓሪሪ ኢድ ኣለዎም ተባሂሎም ስለዝተኸሰሱ ደው ኢሉ ከምዘይርእይ ኣጠንቂቑ።

ኣብ ታሕሳስ 2020 ኣባል ሕዝቦላህ ሳሊም ኣያሽ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ስለ ዝነበሮ ንሱ ኣብ ዘይተረኸበሉ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ሊባኖስ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ፈሪድዎ።

ሕዝቦላህ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ዝተዓጠቑን መንግስታዊ ዘይኰኑን ወተሃደራዊ ሓይልታት እዩ። መራሒ እቲ ጕጅለ ሸኽ ሓሰን ነስረላህ 100 ሽሕ ተቓለስቲ ከምዘለዉዎ ይገልጽ። ናጻ ግምታት ግን ካብ 20 ክሳብ 50 ሽሕ ዝግመት ሓይሊ ከምዘለዎ የመልክቱ።

ካብ 120,000-200,000 ዝግመቱ ሮኬታትን ሚሳይላትን ከምዘለዎ እውን ክኢላታት ማእከል ስትራተጂያውን ዓለምለኻውን መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ጸረ-ነፈርትን ጸረ-መራኽብን ሚሳይላት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ እስራኤል ክፍንጀሩ ዝኽእሉ ሚሳይላት ከምዘለዎ’ውን ይሕሰብ።

እዚ ኵሉ ድማ ካብቲ ኣብ ምድረበዳ ቓዛ ዝርከብ ሓማስ ዘለዎ ኣጽዋር ኣዝዩ ዝረቐቐ እዩ።

ሕዝቦላን መሻርኽቱን ኣካል ናይቶም ስዒቦም ዝመጹ መንግስታት ኰይኖም ይቐጽሉን ርኡይ ጽልዋ የሕድሩን ኣለዉ።

ሕዝቦላህ ምስ እስራኤል ናብ ኲናት ክኣቱ ይኽእል ድዩ?

ሓማስ ብ 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ 8 ጥቅምቲ ሕዝቦላህ ምስ ፍልስጤማውያን ብምትሕብባር ናብ እስራኤል ተዅሲ ምስ ጀመረ እቲ ውጥሪ እናተጋደደ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ናብ ሰሜናዊ እስራኤልን እታ ሃገር ናብ ትርከበሎም ከባቢታት ጎላንን ሮኬት፡ ጸረ ታንኪ ሚሳይላት ካልኦትን ብምትኳስ፡ ንወተሃደራዊ ዒላማታት ብተፈንጀርቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣጥቂዑ።

እስራኤል ኣንጻር ሕዝቦላህ ዘካየደቶም መጥቃዕትታት ስዒቡ መንበሪ ኣባይቶም ከምዝዓነዉ ሊባኖሳውያን ይገልጹ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ መደበራት ሕዝቦላህ ብኣየርን ብታንኪን ዝተሓገዙ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ምላሽ ሂቡ።

ብሰንኪ’ዚ መጥቃዕቲ ኣብ ሊባኖስ ልዕሊ 90 ሽሕ ሰባት ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን ኣስታት 100 ሲቪላትን 366 ተዋጋእቲ ሕዝቦላህን ከምዝተቐትሉን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ እስራኤል ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ 60 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ካብ ገዛኦም ክሃድሙ እንከለዉ 10 ሲቪላት ዝርከብዎም 33 ሰባት ድማ ከምዝሞቱን ሰበስልጣን ይሕብሩ።

ዋላ'ኳ እቲ ግጭት እንተሃለወ፡ ክሳዕ ሕጂ ግን ክልቲኦም ወገናት መስመር ሰጊሮም ናብ ምሉእ ኲናት ንኸይኣትዉ ይጥንቀቑ ከምዘለዉ እዮም ተዓዘብቲ ዝዛረቡ።

ይዅን’ምበር ብፍላይ ከምቲ ብቀዳም ዘጋጠመ ዓይነት ቀታሊ ፍጻመ፡ እቲ ኵነታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ንክኸውን ክድርኽ ይኽእል’ዩ ዝብል ዓቢ ስግኣት ሕጂ’ውን ኣሎ።