ግጭት እስራኤልን-ሓማስን፡ መራሒ ጉጅለ ሕዝቦላህ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, EBC
መራሒ እስላማዊ ጉጅለ ሕዝቦላህ እቲ ብዙሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ መገለጺኡ ሎሚ ዓርቢ ሂቡ'ሎ።
ሓሰን ናስርላህ ብማንዛ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣሞጒሱ።
ኣብቲ ካብ ዘይተፈልጠ ምስጢራዊ ቦታ ኮይኑ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ሓማስ ኣንጻር እስራኤል ዘካይዶ ዘሎ ውግእን ተቓውሞን፡ "ሚእቲ ካብ ሚእቲ ናይ ፍልስጤም" ምዃኑ ተዛሪቡ።
እቲ ንሱ ዝመርሖ ዕጡቕ ሊባኖሳዊ ጉጅለ ኣንጻር እስራኤል ብደቡብ ሓድሽ ግንባር ከይፈጥር ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ምህላዉን፡ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዘለዉ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ልዑል ኩነታት ተጠንቀቕ ኮይኖም ይከታተሉ ከምዘለዉን ጸብጻባት ይሕብሩ ኣለዉ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብቲ ዶባት ሓሓሊፉ ኣብ ዝተኻየደ ረጽሚታት ብኽልቲኡ ወገናት ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።
ሰብመዚ እስራኤል፡ ጉጅለ ሕዝቦላህን መሻርኽቱ ዝኾነት ኢራንን ካብ ዝኾነ ቶኽታዂ ስጉምቲ ክሕየቡ ብምጥንቃቕ፡ ኲናት እንተ ተወሊዑሎም ግን ተሪር ግብረመልሲ ከምዝህቡ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።
ናስርኣላህ ካልእከ እንታይ በለ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ መራሒ ጉጅለ ሕዝቦላህ ነቲ ትጽቢት ክግበረሉ ዝቐነየ መግለጺ ኣብ ርእሰከተማ በይሩት (ሊባኖስ) ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ብምእካብ ተኸታቲሎሞን ደገፎም ገሊጾምሉን።
ነቲ ኣብ እስራኤል 1400 ሰባት ዝቐተለን ልዕሊ 220 ካልኦት ጅሆ ዝሓዘን መጥቃዕቲ ሓማስ "ቅኑዕ፡ ለባምን ፍትሓዊን" ክብል ገሊጽዎ።
ምዕራባውያን ሃገራት ንግዳያት ደብዳብ እስራኤል ዝኾኑ ህጻናትን ነበርቲን ቓዛ ብማዕረ ዓይኒ ኣይርዩን'ዮም ክብል'ውን ነቒፉ።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝርከብአን ሃገራት ምዕራብ ንሕዝቦላህ ከም "ኣሸባሪ" ጉጅለ መዝጊበንኦ ይርከባ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝርከቦም መራሕቲ ምዕራባውያን ሃገራት ሕዝቦላህን ኢራንን ዝርከብዎም ጸላእቲ እስራኤል ኣብቲ ኣንጻር ሓማስ ዝካየድ ዘሎ ወግእ ኢዶም ከየእትዉ ከጠንቅቑ ጸኒሖም'ዮም።
ናስርኣላህ ነቶም ብኢራን ዝድገፉ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲን ኣብ ዒራቕ ዝርከቡ ሺዓ ሚሊሻን ዘለዎ ናእዳ'ውን ገሊጹ'ሎ።
ጉጅለ ሑቲ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ናብ ደቡባዊ እስራኤል ክውንጭፉ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ሚሊሻታት ሺዓ ዒራቕ ብወገኖም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብታ ሃገርን ሶርያን ዝከቡ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን መሻርኽታን መጥቃዕቲታት ፈጺሞም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ሃማኖታዊ መራሒ ሺዓ እስላም ዝኾነ ሓሰን ናስርኣላህ ካብ 1992 ጀሚሩ ነቲ ጉጅለ ዝመርሕ ዘሎ'ዩ።
እቲ ምስ ኢራንን ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ኣያቶላህ ካመነይን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ዝፍለጥ መራሒ፡ ካብ መጥቃዕቲ ተጻባእቲ ዝበሎም ወገናት ንምኽዋል ብኣካል ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ካብ ዘይቀርብ ዓመታት ሓሊፉ'ሎ።
እቲ ኣብ ሊባኖስን እቲ ዞባን ሓያል ደገፍ ዘለዎ ናስርኣላህ፡ ሰሙናዊ መግለጺ ብምሃብ'ዩ ምስ ደገፍቱ ዘለዎ ዝምድና ዓቂብዎ ክኸይድ ጸኒሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







