የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ናብ እስራኤል ሚሳይላት ከምዝተኮሱ ኣፍሊጦም

ምንጪ ስእሊ, Telegram/Yahya Saree
ንሰሜናዊ ክፋል የመን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ጉጅለ ሒቲ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ደብዳብ ሚሳይላት ከምዘካየዱ ኣፍሊጦም።
"ሓያለ ቁጽሪ" ዘለዎ ሚሳይላትን ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ዒላማታት ከምዝሃረመ እቶም ዕጡቓት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ጠቒሶም።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ እስራኤል ነታ መስሕብ ቱሪዝም ዝኾነት ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ኢላት ዒላማ ዝገበረ "ተጻባኢ ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት" ከምዘውደቐት ሰብመዚ ገሊጾም ነይሮም። እቲ ኩነታት ኣብታ ከተማ ደወል መጠንቀቕታ ክቃላሕ ኣገዲዱ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኣፈኛ ናይቶም ጉጅለ ሑቲ ያሕያ ሳሪዕ ብመንገዲ ተለቪዢን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ ሎሚ ምትኳስ ሚሳይላትን ድሮናትን ንሳልሳይ እዋን ዝተኻየ ስርሒታት ምዃኑ ሓቢሩ። ክቕጽል ምዃኑ'ውን ኣጠንቂቑ'ሎ።
"ክሳብ ወራር እስራኤል [ኣብ ቓዛ] ዘብቅዕ ፍሉይ ስርሒታትና ክቕጽል" ምዃኑ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።
ንርእሰከተማ ሰንዓ ሓዊሱ ሰፊሕ ከባቢታት የመን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ በታ ምዕቡላት ሰብ-ኣልቦ ድሮናት ብምፍራይ እትፍለጥ ኢራን ከምዝድገፉ ይግለጽ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሓንቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ የመን ንዝተተኰሰ ሚሳይላት ሃሪማ ከም ዘውደቐት ሰበስልጣን ኣመሪካ ሓቢሮም ነይሮም።
ኣፈኛ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፐንታጎን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ብዕጡቓት ሑቲ ከም ዝተተኰሰ ዝተገልጸ ሚሳይላት "ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ዒላማታት ንምህራም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ሓያለ ሰብኣልቦ-ነፈርቲ (ድሮናት) እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝበርዓነ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
"እዞም ሚሳይላትን ደሮናትን እንታይ ዒላማ ከምዝነበሮም ብርግጽ ክንዛረብ ኣይንኽእልን፡ ግና ካብ የመን ተወንጪፎም መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተኸቲሎም ናብ ሰሜን ዘምርሑ ዝነበሩ'ዮም። ምናልባት ንዒላማታት እስራኤል ንምህራም ይኸውን" ኣፈኛ ፐንታጎን ብ/ጀነራል ፓትሪክ ራይደር ገሊጹ ነይሩ።
ገለ ካብቶም ዝተወንጨፉ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ክልተ ናኣሽቱ ከተማታት ግብጺ ነትጒ ኣስዒቦም ምንባሮም ይግለጽ።
"ዋላ'ኳ እንታይ ግብረመልሲ ከም ዝወሃብ ሕጂ ክግምት እንተዘይክኣልኩ፡ ንኣመሪካን ሓይልታት ኪዳንን ንምክልኻል ዘድሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ክብል ብርጋዴር ራይደር ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, US NAVY
ኣመሪካ ትርከበን ሓያለ ሃገራት ምዕራብ፡ እቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ናብ ዞባዊ ግጭት ከይዓብን ከይሰፍሕን ስግኣት ፈጢሩለን ይርከብ።
እተን ንእስራኤል ዘለወን ነቕ ዘይብል ደገፍ ክገልጻ ዝቐነያ ሓያለን ሃገራት ዓበይቲ መራኽብ ውግእ ናብቲ ዞባ ኣንቀሳቒሰን ኣለዋ።
ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ ንግዳዊ መስመር ነዳዲን ካልእ ንብረትን ብምዃኑ፡ እቲ ኩነታት ብዓለም ደረጃ ስክፍታ ከይፈጠረ ኣይተርፍን'ዩ።
ብስዑዲ ዓረብን ኢመራት ዓረብን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ንዕጡቓት ሑቲ ንምድምሳስ ንዓመታት ዝገበሮ ፈተነ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ኣይተዓወተን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







