ካብ የመን 'ናብ እስራኤል' ዝተተኰሰ ሚሳይላት ብሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተዀሊፉ

ነቶም ሚሳይላት ዝሃረመት ዩ-ኤስ-ኤስ ካርኒ ብመትረብ ስዊዝ እናሓለፈት

ምንጪ ስእሊ, US Navy

መግለጺ ስእሊ, ነቶም ሚሳይላት ዝሃረመት ዩ-ኤስ-ኤስ ካርኒ ብመትረብ ስዊዝ እናሓለፈት

ሓንቲ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ካብ የመን ንዝተተኰሰ ሚሳይላት ሃሪማ ከም ዘውደቐት ሰበስልጣን ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣፈኛ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፐንታጎን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል እቲ ብዕጡቓት ሑቲ ከም ዝተተኰሰ ዝተገልጸ ሚሳይላት "ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ዒላማታት ንምህራም ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ሓያለ ሰብኣልቦ-ነፈርቲ (ድሮናት) እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ከም ዝበርዓነ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ንርእሰ ከተማ ሰንዓን ሰፊሕ ከባቢታት ሰሜን የመንን ተቖጻጺሮም ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ብኢራን ከም ዝድገፉ ይግለጽ።

'ዩ-ኤስ-ኤስ ካርነይ' (USS Carney) ዝተባህለት ተመራሒ ጸረ-ሚሳይላት ኣጽዋር ዝዓጠቐት 'ዲስትሮየር' ብሓሙስ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቀይሕ ባሕሪ ኣብ እትንቀሳቐሰሉ ዝነበረት እዋን'ዩ እቲ ሚሳይላት ተወንጪፉ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ፐንታጎን ገሊጹ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ትወስዶ ዘላ ጸረ-መጥቃዕቲ ኣብ ዝሕይለሉ ዘሎ እዋን፡ ዋሽንግተን ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ከም ብዓል ሕዝቦላህ ዝርከቦም ጉጅለታት ክመጽእ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ነቒሓ ትከታተል ምህላዋ ይፍለጥ።

ኣፈኛ ፐንታጎን፡ ብ/ጀነራል ፓትሪክ ራይደር ከም ዝበሎ፡ ሰለስተ ካብ ምድሪ ዝተተኰሰ ተመራሒ 'ክሩዝ' ሚሳይላትን ሓያለ ድሮናትን በታ መርከብ ተሃሪሙ ወዲቑ'ሎ።

ኣብቲ ኩነታት ዘጋጠመ ጉድኣት ከም ዘየለን፡ እታ መርከብ ዒላማ ከም ዘይነበረትን እቲ ጀነራል ኣመልኪቱ።

"እዞም ሚሳይላትን ደሮናትን እንታይ ዒላማ ከምዝነበሮም ብርግጽ ክንዛረብ ኣይንኽእልን፡ ግና ካብ የመን ተወንጪፎም መስመር ቀይሕ ባሕሪ ተኸቲሎም ናብ ሰሜን ዘምርሑ ዝነበሩ'ዮም። ምናልባት ንዒላማታት እስራኤል ንምህራም ይኸውን" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኩነታት ናይቲ መጥቃዕቲ ይምርመር ምህላዉን "ቀጻሊ" ክኸውን ከምዝኽእልን ብርጋዴር ራይደር ኣሚቱ'ሎ።

"እቲ ዝወሰድናዮ ናይ ምክልኻል ግብረመልሲ፡ ንዝዀነ ኣብቲ ዞባ ኣንጻር ረብሓታት ኣባላትናን መሻርኽትናን ክመጽእ ዝኽእል ስግኣት እንህቦ እዩ"።

ኣብ ዒራቕ'ውን፡ ድሮናትን ሚሳይላትን ንሓያለ ሓይልታት ኣመሪካን ዓለምለኻውያን መሻርኽቶምን ዝርከብዎም መዓስከራት ዒላማ ከም ዝገበሩ ፐንታጎን ሓቢሩ።

ሓደ ካብቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት "ሒደት ወተሃደራት" ከም ዘቑሰለ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዒራቕ፡ ኣመሪካ ነቲ እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ተካይዶ ዘላ ጸረ-መጥቃዕቲ ከይትድግፍ ከጠንቅቑ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ ሶርያ'ውን ብረቡዕ ሓንቲ ሰብኣልቦ-ነፋሪት (ድሮን) ንሓይልታት ኣመሪካ ብምድብዳብ ቀሊል መጉዳእቲ ኣውሪዳ ነይራ። ካልእ ድሮን ድማ ተሃሪማ ወዲቓ።

"ዋላ'ኳ እንታይ ግብረመልሲ ከም ዝወሃብ ሕጂ ክግምት እንተዘይክኣልኩ፡ ንኣመሪካን ሓይልታት ኪዳንን ንምክልኻል ዘድሊ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና" ክብል ብርጋዴር ራይደር ኣጠንቂ'ሎ።

ኣመሪካ፡ መራኽብ ኲናት፡ ወተሃደራትን ነፈርትን ዝሓዘ ዝተፈላለየ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ክልተ ጭፍራታት ዓርሞሸሽ ተሰከምቲ ነፈርቲ መራኽብ ምስ ኣስታት 2000 ሓውሰማያውያን (ማሪን) ወተሃደራት ምውፋራ ይዝከር።

እንተዀነ ዛጊት ኣብ ግጭት ክኣትዉ "መደብን ይኹን ሃቐነ" ከምዘየለ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ዋይት ሃውስ፡ ገሊጹ'ሎ።

ኣድላዪ ኰይኑ እንተተረኺቡ ግን፡ እቲ ቐሪቡን ተቐሪቡን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንረብሓታት ኣመሪካ ክሕሉ ተዳልዩ ኣሎ።

እቶም ነቲ ሚሳይላትን ድሮናትን ወንጪፎም ዝተባህሉ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ብኢራን ዝድገፉ'ዮም ተባሂሎም ብጎረባብቲ ሃገራት ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ኢማራት ዓረብን ክኽሰሱ ዝጸንሑ'ዮም።

ካብ 2014 ጀሚሩ ድማ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኲናት-ሓድሕድ የመን ኮይኖም፡ ኣንጻር እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ክዋግኡ ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዕጡቓት ሑቲ ብቐዋምነት ጐንጺ ደው ዝብለሉ ስምምዕ ንምግባር ዘኽእል ዘተ ንምስላጥ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ርእሰከተማ ሰንዓ ሰዲዳ ምንባራ ይዝከር።

ጀነራል ራይደር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ቀንዲ ኣድህቦና ሰፊሕ ዞባዊ ግጭት ከይውላዕ ምርግጋጽ'ዩ" ብምባል እቲ ሚሳይላት ምስ መጥቃዕቲ ሓማስ ብተሓሓዝ ምዃኑ ዘረጋግጽ ንጹር ሓበሬታ ከምዘይተረኽበ ተዛሪቡ።