ኲናት የመን፡ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዕጡቓት ሑቲ ንምዝርራብ ሰንዓ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጕጅለ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዕጡቓት ሑቲ ብቐዋምነት ጐንጺ ደው ንምባል ዘኽእል ስምምዕ ንምግባር ዘኽእል ዘተ ንምስላጥ ናብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ኣትዩ።
ኣሸማጋሊ ጕጅለ ኦማን እውን ኣብታ ከተማ ተረኺቦም ኣለዉ።
እቶም ብኢራን ከም ዝድገፉ ዝነገረሎም ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ 2015 ንመንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዘባርርዎ ንደሓር፡ እታ ከተማ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም እያ ትርከብ።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ'ዩ ኣብ መንጐ እቶም ዕጡቓትን ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንትን ኲናት ዝተወለዐ።
ብሰንኪ እቲ ዝቐጸለ ጐንጺ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ የመናውያን ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት 80 ሚእታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ተጸባዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ።
ዋላ’ኳ ብወገን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝተወሃበ ወግዓዊ መግለጺ እንተዘይሃለወ፡ መራኸቢ ማዕከናት እቶም ዕጡቓት ግና ልኡኻት ስዑዲ ዓረብን ኦማንን ሰንዓ ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢረን።
ሓደ ሰሊኹ ዝወጸ ስእሊ መራሒ ሑቲ መሓመድ ዓሊ ኣል-ሑቲ ምስ ሓደ ገጹ ብንጹር ዘይረአ ስዑዳዊ በዓል መዚ ሰላም ክበሃሃል የርኢ።
እቲ ስጕምቲ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ተበግሶ ክልቲኦም ወገናት ምህላዉ ዘመላኽት ከምዝዀነ እዩ ዝውሰድ።
ዋላ’ኳ ዛጊት መረጋገጺ ዝሃበ በዓል መዚ እንተዘይሃለወ፡ ቅድሚ መወዳእታ እዚ ወርሒ ስምምዕ ክፍረም ከምዝኽእል ብዙሓት ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዝርዝር እቲ ስምምዕ እውን ዕላዊ ኣይተገበረን፤ እንተዀነ ምኽፋል መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ምኽፋት ወደባትን መዕርፎ ነፈርትን ብዝዓበየ ድማ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር፡ ምውጻእ ሓይልታት ወጻእን ፖለቲካዊ ስግግርን ከጠቓልል ከምዝኽእል ይግለጽ። እዞም ነጥቢታት ቀንዲ ምኽንያት ዘይምርድዳእ ኮይኖም ጸኒሖም እዮም።
እዚ ተጻብኦ ደው ናይ ምባል ተበግሶ፡ ጐኒ ጐኒ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረን ግዝያዊ ምቍራጽ ተጻብኦ ዘውረደን ምንቅስቓስ ሕቡራት ሃገራት እዩ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ ግዝያዊ ምቍራጽ ተኹሲ፡ ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ምትእምማን ክዓቢ፡ ኣብ ንግዲ ኣታዊ ዝነበረ ክልከላታት ክልሕልሕን ልውውጥ ምሩኻት ክግበርን ሓጊዙ እዩ።
ኲናት የመን ዝተሓላለኸ ብምዃኑ፡ ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍትን ዕጡቓት ሑቲን ዝፍረም ቀዋሚ ደው ምባል ጐንጺ፡ ንዅሎም ሽግራት እታ ሃገር ዘይክፈትሖም ይኽእል እዩ።
ከም ኣልቃዒዳ ዝበሉ ጕጅለታት ሕጂ'ውን ኣብታ ሃገር ናይ ባዕሎም ኲናት የካይዱ እዮም ዘለዉ።
ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዲፕሎማስያዊ ርክባተን ንምዕራይ ዘርእያኦ ዘለዋ ተወፋይነት ግን ነቲ ኣብ የመን ብውክልና ከካይደኦ ዝጸንሓ ኲናት ደው ከብለኦ ከምዝኽእላ ዘመላኽት እዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ሰንዓ ዝካየድ ዘተ ዕዉት ክኸውን ከምዝኽእል ተስፋ ሂቡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







