ሊባኖስ ዝመደበሩ ጸረ-እስራኤል ምንቅስቓስ ሕዝቡላህ እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሕዝቡላህ፡ ብኢራን ዝድገፍ፡ ሺዓ እስልምና ዝእምነቱ ፖለቲካዊ ውድብን ጉጅለ ኣባላት ፓርላማ ሊባኖስን ኮይኑ ካብ 1992 ጀሚሩ ብሓሰን ነስረላሕ ዝምራሕ እዩ።
እቲ ስሙ ንባዕሉ ኣምላኻዊ ውድብ ማለት እዩ።
ፍልስፍናዊ መሰረታት ሕዝቡላህ ክሳዕ እቲ ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ኣብ ሊባኖስ ዝተርኣየ ምንቅቓሕ ሺዓ እስልምና ዝዝርጋሕ እኳ እንተኾነ፡ እስራኤል ንሊባኖስ ተቖጻጺራ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣብ ፈለማ 1980ታት፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝተዳኸመ ሺዓ ዝከላኸል ሓይሊ ኮይኑ እዩ ብፋይናንሳውን ወተሃደራውን ደገፍ ኢራን ተቐልቒሉ።
እስራኤል ኣብ 2000 ምስ ኣንሰሓበት፡ ሕዝቡላህ ዕጥቂ ከውርድ ንዝቐርበሉ ዝነበረ ጸቕጢ ብምንጻግ ነቲ ‘እስላማዊ ተቓውሞ’ ዝተሰመየ ወተሃደራዊ ክንፉ ምሕያል ቀጺሉ።
ምስ ግዜ፡ እቲ ጉጅለ ወሳኒ ሓይሊ ፖለቲካዊ ስርዓት ሊባኖስ ክኸውን እንከሎ ኣብ ካቢነ እታ ሃገር ናይ ቀውፊ ስልጣን ኣለዎ።
ሕዝቡላህ ብቐንዱ ናብ እስራኤልን ኣሜሪካን ዝዓለመ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ቦምባ ከምዝፈጸመ ክኽሰስ ጸኒሑ ኣሎ።
ብሃገራት ምዕራብ፡ እስራኤል፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ማሕበር ዓረብን “ግብረ-ሽበራዊ” ተባሂሉ ተሰዪሙ እዩ።
እሙን ሓጋዚ ፕረዚደንት ሶርያ በሽር ኣል-ኣሳድ ዝኾነ ሕዝቡላህ፡ ኣብቲ ኣብ 2011 ዝተወልዐ ውግእ ሓድሕድ ሶርያ ኣብ ጎድኒ ፕረዚደንት ኣል-ኣሳድ ብምዃን ኣሽሓት ዕጡቓቱ ልኢኹ። ነቶም ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ምሕጋዝ ከኣ ዕዙዝ ተራ ተጻዊቱ።
እስራኤል ኣብ ሶርያ ንዝርከብ ምስ ኢራንን ዕጡቓት ሕዝቡላህን ምትእስሳር ዘለዎ ዕላማታት ብተደጋጋሚ እያ እትድብድብ፤ ግና ሳሕቲ እያ ነቲ ተግባር ከምዝወዓለቶ እትእመን።
ሕዝቡላህ ኣብ ኢራን ምስላፉ ግና ኣብ ሊባኖስ ንዝጸንሐ ወገናዊ ወጥሪ ኣጋዲድዎ እዩ።
ተቐናቓኒት ኢራን ብዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝምርሓ ሃገራት ወሽመጥ’ውን ጽልኢ ተጋዲዱ።
ፍልስጤማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብውሕዱ 1400 ሰባት ዝቐተለ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ እስራኤል ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ሕዝቡላህን ሓይልታት እስራኤልን ዶብ ሰገር ናይ ተኵሲ ልውውጥ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው።
እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ናይ ኣየር መጥቃቲ ብምፍናው ኣሽሓት ክትቐትል እንከላ፡ እቲ ጉጅለ ኣንጻር እስራኤል ንምውጋእ “ብምልኣት ድልው” ምህላው ገሊጹ ነይሩ።
ወተሃደራዊ፡ ጸጥታዊን ፖለቲካውን ጽልዋ ዝህቦ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን፡ ንመንግስታዊ ትካላት ብምጽራር፡ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ዝዓይነቱ ተቐባልነት ክፈጥረሉ እንከሎ፡ ካብ ተጻረርቲ ከቢድ ኵነኔ ኣስዒቡሉ እዩ። ኣብዚ እዋን ዓቕሙ፡ ብገለ መዳያት፡ ካብ ሰራዊት ሊባኖስ ዝሓየለ እዩ።
ገለ ሊባኖሳውያን፡ ሕዝቡላህ ንርግኣት ሊባኖስ ስግኣት ጌሮም ክርእይዎ እንከለው፡ ኣብ ማሕበረሰብ ሺዓ ግና ተቐባልነቱ ኣዝዩ ልዑል እዩ።
ጸረ እስራኤል
ብልክዕ መበቈል ሕዝቡላህ ንምምልካት ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ኣንፈታቱ ግና እስራኤል ዕጡቓት ፍልስጤም መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም ኣብ 1982 ንደቡባዊ ሊባኖስ ምስ ወረረት እዩ ክርአ ጀሚሩ። ሽዑ ዕጥቃዊ ግብረመልሲ ዝጠልቡ መራሕቲ ሺዓ ካብ ምንቅስቓስ ዓማል ዝተፈንጨሉሉ እዋን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ሓድሽ ዝቖመ ትካል፡ እስላማዊ ዓማል፡ ኣብ ስንጭሮ ባካ ካብ ዝነበሩ ሓለውቲ ሰውራ ኢራን ብዙሕ ወተሃደራውን ትካላውን ሓገዝ ረኺቡ። ሽዑ ምርኡይን ውጽኢታውን ምልሻ ሺዓ ኮይኑ ክቕልቀል እንከሎ ድሒሩ ሕዝቡላህ ኮነ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ሰራዊት እስራኤልን መሻርኽታ ሰራዊት ደቡብ ሊባኖስን ከምኡ’ውን ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ሓይልታት ወጻኢ መጥቃዕቲ ከፊቱ።
ኣብ 1983 ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካን መደበር ሰራዊት ኣሜሪካን ንዝተፈጸመን ብጠቕላላ 258 ኣሜሪካውያንን 58 ፈረንሳውያንን ዝቐተለ መጥቃዕቲ ሕዝቡላህ ከምዝፈጸሞ ይግለጽ። ነቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዓቀብቲ ሰላም ምዕራብ ካብታ ሃገር ክወጹ ተገዲዶም።
ሕዝቡላህ ኣብ 1985 ቅሉዕ ደብዳበ ብምዝርጋሕ ብወግዒ ምምስራቱ ክእውጅ እንከሎ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ሶቭየትን ቀንዲ ጸላእቲ እስልምና ምዃነንን እስራኤል ናይ ኣስላም መሬት ወሪራ ምህላዋ ብምግላጽ “ፍጹም ክትድምሰስ” ከምዘለዋ ጸዊዑ።
ኣብ 1989 ስምምዕ ጣይፍ ንኲናት ሓድሕድ ሊባኖስ መኸተምታ ጌሩ፡ ኩሎም ምልሻታት ዕጥቆም ክፈትሑ ምጥላቡ፡ ንወተሃደራዊ ክንፉ “እስላማዊ ተቓውሞ” ዝብል ስም ብምሃብ ኣንጻር ወረራ እስራኤል ዝዓለመ ገበሮ፤ እዚ ከኣ ምስ ዕጥቁ ክቕጽል ኣኽኣሎ።
ሰራዊት ሶርያ ኣብ 1990 ኣብ ሊባኖስ ሰላም ምስ ኣስፈነ’ውን፡ ሕዝቡላህ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ውግእ ደባይ ቀጺሉ፤ ኣብ ፖለቲካ ሊባኖስ ግና ተራኡ ክዓዝዝ ጀሚሩ። ኣብ 1992 ንፈለማ እዋን ኣብ ሃገራዊ መረጻ ብዓወት ተሳቲፉ።
ኣብ 2000 ሓይልታት እስራኤል ከንሳሕቡ እንከለው፡ ሕዝቡላህ ከምዝደፍኦም እዩ ተቖጺሩ።
እቲ ጉጅለ ዕጥቁ ክፈትሕ ንዝቐረበሉ ጸቕጢ ብምቅዋም ኣብ ደቡብ ህላወኡ ቀጺሉ። እስራኤል ኣብ ሕርሻታት ሸባን ካልእ ኣካታዒ ቦታታትን ምህላዋ ከኣ ከም ምኽንያት የቕርቦ ኔሩ።
ኣብ 2006 ሕዝቡላህ ዶብ-ሰገር መጥቃዕቲ ብምፍናው ሸሞንተ ወተሃደራት እስራኤል ቀቲሉ ክልተ ጨውዩ፤ እዚ ከኣ ብወገን እስራኤል ገዚፍ ግብረመልሲ ኣስዒቡ።
ነፈርቲ ውግእ እስራኤል ኣብ ደቡብን ከባቢታት በይሩትን ንዝርከብ ዕርድታት ሕዝቡላህ ደብዲበን፤ ሕዝቡላሕ ብወገኑ ከባቢ 4000 ሮኬታት ናብ እስራኤል ወንጪፉ።
ኣብቲ ን34 መዓልትታት ዝቐጸለ ግጭት፡ ልዕሊ 1125 ሊባኖሳውያን (መብዛሕትኦም ሲቪል)፡ 119 ወተሃደራት እስራኤልን 45 ሲቪልን ሞይቶም።
ሕዝቡላህ ካብቲ ኵናት ሓዪሉ እዩ ወጺኡ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዕጥቁ ኣዕብዩን ብዙሓት ሓደስቲ ተቓለስቲ ኣሰሊፉን እዩ፤ ኣብቲ ብዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ወተሃደራት ሊባኖስን ዝሕሎ ከባቢ ዶባት ግና በዙሕ ግጭት ኣይተኸሰተን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጸላዊ
ኣብ 2008 ብምዕራባውያን ዝድገፍ መንግስቲ ሊባኖስ ንብሕታዊ መርበብ ቴለፎን ሕዝቡላህ ንምዕጻውን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ በይሩት ዝነበሩ ሓለፍቲ ጸጥታ ምስቲ ጉጅለ ብዝነበሮም ምትእስሳር ንምእላዮም ምስተንቀሳቐሰ፡ ሕዝቡላህ ንዝበዝሐ ክፋል እታ ከተማ ብምቁጽጻርን ኣንጻር እቶም ካብ ሱኒ ምስ ዝኾኑ ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ውግእ ብምኽፋትን እዩ ምላሽ ሂቡ።
ነቲ ንሊባኖስ ናብ ገምገም ኲናት ሓድሕድ ዘብጽሐን 81 ሰባት ዝሞቱሉን ወገናዊ ግጭት ንምውጋድ፡ መንግስቲ መደቡ ዳግመ ግምት ክገብረሉን ስልጣን ናይ ምምቕራሕ ስምምዕ ክኽተምን ተጌሩ። እዚ ከኣ ንሕዝቡላህን መሻርኽቱን ኣብ ካቢነ ናይ ቀውፊ (ድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር) መሰል ኣውሃቦ።
ኣብ መረጻ 2009፡ ኣብ ፓርላማ 10 መናብር ክረክብ እንከሎ ኣብ መንግስቲ ጥምረት ከኣ ቀጺሉ።
ድሒሩ ኣብቲ ዓመት ዋና ጸሓፊ ሕዝቡላህ፡ ሸኽ ሓሰን ነስረላ፡ “ፖለቲካዊ ራእይ” እቲ ጉጅለ ዘንጸባርቕ ሓድሽ ማኒፌስቶ ኣውጺኡ።
ኣብቲ ናይ 1985 ማኒፌስቶ ዝነበረ፡ እስላማዊት ሪፓብሊክ ምምስራት ዝብል ሓሳብ እኳ እንተኣለዮ፡ ኣንጻር እስራኤልን ኣሜሪካን ተሪር መርገጺኡ ብምንጽብራቕ ዕጥቁ ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣብ 2011፡ ሕዝቡላህ ኣብቲ ኣብ 2005 ዝተፈጸመ ቅትለት ኣቦ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃሪሪ ኣርባዕተ ኣባላቱ ኢድ ከምዝነበሮም ክስታት ምስቀረበሉ፡ ምስቲ መንግስቲ ጥምረት ከምዘይሰርሕ ብምግላጽ እቲ ብስዑዲ ዝድገፍ ብሳዓድ ሃሪሪ ዝምራሕ መንግስቲ ጥምረት ከምዝፈርስ ጌሩ።
ኣብ ታሕሳስ 2020፡ ኣባል ሕዝቡላህ ሳሊም ኣያሽ ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ፡ ብሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተደገፈ ፍሉይ ቤትፍርዲ ሊባኖስ፡ ኣብ ዘይተረኽበሉ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
ሕዝቡላህን መሻርኽቱን ኣካል ናይ ዝሰዓቡ መንግስታት ክኾኑ እንከለው፡ ጽልዋኦም ዕዙዝ እዩ ኔሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







