ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘካየድዎ መጥቃዕትን እቲ ዞባ ተሸሚምዎ ዝርከብ ወጥርን

ኣብ መጥቃዕቲ ዝወዓለ ድሮን ኣብ ኣቡዳቢ ንምርኢት ቀሪቡ (ዝጸንሐ ስእሊ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ የመን ብዝተበገሳ ድሮን መጥቃዕቲ ተፈጺምዋ

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኲናት የመን ዘተርኣየ ምንህሃር እቲ ኲናት ናበይ ገጹ ከምዘምርሕን ነቲ ዞባ ብሓፈሻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ ዝብሉን ሕቶታት ክለዓሉ ገይሩ ኣሎ።

ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ የመን ከቢድ መጥቃዕቲ ኣየር ክተካይድ እንከላ፤ በቲ ኣብ ልዕሊ ዋና ዕርዲ ኣብ ዝኾነት ከተማ ሳዓዳ ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ማዕከል ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉ ትካላት ረድኤት ገሊጾም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣባል እቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ኣንጻር ሑቲ ዝዋጋእ ዘሎ ልፍንቲ ብምዃና፡ እቲ መጥቃዕትታት ከም ግብረመልሲ ናይቲ ሑቲ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝፈጸሞ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕትታት ከም ዝኾነ እዩ ዝግለጽ።

እቲ መጥቃዕቲ ቀጥታዊ ግብረመልሲ ከለዓዕል ምዃኑ ጥርጣረታት እንተኔሩ፡ እቲ ናይ ስዑዲ መጥቃዕቲ ኣየር እንታይ ከምዝስዕብ መርኣያ ኮይኑ ኣሎ።

ቅድሚ እቲ ናይ ስዑዲ መጥቃዕቲ ኣየር'ውን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተፈጸመ ናይ ነዊሕ ርሕቐት መጥቃዕቲ፡ እቲ ኩነታታ ኣብቲ ዞባ ፈጢርዎ ንዘሎ ሓድሽ ምዕባለታትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንኢራን'ውን ዝሓወሰ ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ መገዲ ንምሓዝ ትገብሮ ዘላ ጻዕርን ዘአንፍት እዩ ነይሩ።

እቲ ብስዑዲ ዝተወስደ ግብረመልሲ ናይቲ መጥቃዕትታት ከኣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥን እስራኤልን ዘሎ ዝምድና ይሕይል ምህላው ዘንጸባርቕ እዩ።

እቲ ብ 17 ጥሪ ዝተኻየደ መጥቃዕትታት ኣብ ከባቢ ኣቡዳቢ ንዝርከብ ኢንዱስትርያዊ ስፍራ እዩ ሃሪሙ፤ ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ክቃጸላ እንከለዋ፡ ሰለስተ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ተቐቲሎም። ብዘይካ'ዚ ኣብ ከባቢ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ'ውን ሃሪሞም እዮም።

ዕጡቓት ሑቲ ቅድሚ ሕጂ'ውን ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ዝገልጹ እኳ እንተኾኑ፡ ሰበስልጣን ኢማራት ዓረብ ንፈለማ እዋን እዮም ከምዚ ዝዓይነቱ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ዝእመኑ ዘለው። ሰባት ክቕተሉ'ውን ንፈለዋ እዋን እዩ።

ሑቲ፡ ኢማራት ዓረብ ነቶም ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ንዘለዎ መንግስቲ የመን ዝሕግዙ ምልሻታት ካብ ምድጋፍ ክትቑጠብ ይደሊ።

እቶም ብ'ኣማሌቃ ብርጌድን' ዝፍለጡ ሚሊሻ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ኣብ ግንባራት ዓወታት የመዝግቡ ኣለው። ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንዕጡቓት ሑቲ ካብ ቀንዲ ከባቢታት ክደፍእዎም እንከለው፡ ኣብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ከባቢታት ማሪብ (ሰሜናዊ የመን) መጥቃዕትታቶም የሐይሉ ኣለው።

ዕጡቓት ሑቲ ሓላፍነት ናይቲ ብ 17 ጥሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ወሲዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ሓላፍነት ናይቲ ብ 17 ጥሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ወሲዶም

ኣብዚ ግብረ መልሲ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወሳኒ እዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ቀንዲ ደጋፊት መንግስተ የመን ኮይና እያ ጸኒሓ። ኣብ ጎድኒ ሓይልታት ስዑዲ ብምዃን ሰራዊታ ናብታ ሃገር ልኢኻ።

ስዑዲ ኣብ 2015 ናይ ኣዕራብ ሃገራት ልፍንቲ ፈጢራ ነቲ ብዕጡቓት ሑቲ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ መንግስቲ ንምምላስ ወፍሪ ጀሚራ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ 2019 ሰራዊታ እኳ እነተሰሓበት፡ ነቶም ኣንጻል ሑቲ ዝዓጠቑ ሚሊሻታት ክተሰልጥንን ክተዕጥቕም እያ ጀሚራ።

እዚ ኲናት ንየመን ንምቁጽጻር ዝግበር ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ኣብ መንጎ ስዑድን መሻርኽታን በቲ ሓደ ኢራንን ካልኦት ቴህራን እትሕግዞም ጉጅለታትን በቲ ካልእ ዝግበር ናይ ውክልና ኲናት ተጌሩ እዩ ዝውሰድ።

የመን ሓንቲ ዓውደ ኲናት እያ። ኣብ ነሓሰ 2020 ኣብ መንጎ ኢማራት ዓረብን እስራኤልን ስምምዕ ኣብርሃም ምስ ተኸተመ (ድሒረን ባህሬን፡ ሞሮኮን ስዑድን ተጸንቢረንኦ እየን)፡ እስራኤል ፍልጥቲ ኣካል እቲ ኣንጻር ኢራን ዝቖመ ልፍንቲ ኮነት።

እዚ ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ንዓመታት ዝጸንሐ ኩነታት ዝነበረ ዘረጋግጽ ነበረ።

መዋጥር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ

እምበር ኢማራት ዓረብ ነቲ ጉዳይ ብኸመይ ክትሕዞ የድልያ? ርግኣት ንሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ወላ ሳሕቲ'ውን እንተኾነ መጥቃዕትታት ዝፍጸመላ ሃገር ኮይና ክትጥቀስ ኣይትደልን'ያ።

ወላ'ኳ ሰራዊታ እንተሰሓበት ኣብ ኲናት የመን እጃማ ተበርክት ኣላ። ሓደ ክትገብሮ እትኽእል ነገር፡ ነቶም ምልሻታት እትገብሮ ሓገዝ ምሕያል እዩ።

እንተኾነ ግና ካብዚ ብዘይሓምቕ መገዲ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ዝተሓላለኸ ምቅይያራት ጌራ እያ።

ምስ እስራኤል ወግዓዊ ዝምድና፡ ምስ ቀጠር ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድና ንምምሕያሽ ጻዕርታት ተኻዪዱ፡ ምስ ቱርኪ ዝምድናኣ ምድልዳል፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ ቴህራን ዝሓሸ ዝምድና ንምፍጣር ፈቲና እያ።

እሞ ምምሕያሽ ዝምድናታት ኢማራት ዓረብን ኢራንን ግዳይ መጥቃዕቲ ሑቲ ክኸውን ዶ ይኽእል? ኢራን ዋና ደጋፊት ዕጡቓት ሑቲ ብምዃና (ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት'ውን ካብ ኢራን ብዝተረኽበ መሳርሒ እዩ ክኸውን ዝኽእል) እቲ ዝምድና ዝተሓላለኸ ክኸውን ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ሑቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ስትራተጂካዊ ውሳነታት እዮም ዝውስኑ፤ ኢራን ነዞም መጥቃዕትታት ክሳዕ ክንደይ ብእወታ ከም እትርእዮ ንጹር ኣይኮነን።

እቲ መጥቃዕትታት ንመሻርኽቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ'ውን መዋጥርን ዕድልን ፈጢሩ ኣሎ። ምምሕዳር ባይደን በቲ ኢማራት ዓረብን ስዑድን ኣብ የመን ዝገብርኦ ዘለዋ ሕጉስ እኳ እንተዘይኮነ፡ ኣሜሪካ ንጸጥታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ "ዘይልወጥ" ድጋፋ ኣስሚራትሉ ኣላ።

ኢማራት ናይ ኣሜሪካ ጸረ ሚሳይል የድልያ ዶ ይኸውን? ምምሕዳር ባይደን ከ እንታይ ምላሽ ይህበሉ ይኸውን?

ሻቕሎት እስራኤል

ዝያዳ ግብራዊ ናይ ዝኾነ ደገፍ ምንጪ ክትኸውን እትኽእል እስራኤል እያ። ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ኣቡዳቢ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ናፍታሊ ባነት እስራኤል ጸጥታውን ናይ ስለያውን ሓገዛት ንምግባር ድልውቲ ምህላዋ ንወራሲ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ሓቢርዎ ኣሎ።

ኢማራት ዓረብ ኣብ ናይ እስራኤል ስርዓተ ምክልኻል ጸረ ሚሳይል (ከም ኣይረን ዶም ዝኣመሰሉ) ተገዳስነት ኣርእያ ከምዘላ ጸብጻባት ይሕብሩ። እስራኤል ግና ኣብዚ እዋን ነቲ ተኣፋፊ ቴክኖሎጂ ንምሻጥ ድልውቲ እንተላ ዝፍለጥ የሎን።

እስራኤል'ውን ከም ኢማራት ዓረብ ብዛዕባ እቲ ናይ ነዊሕ ርሕቐት ናይ ምጥቃዕ ኣቕምታት ሑቲ ዝያዳ ንምፍላጥ ድልየት ኣለዋ።

ብዘይካ'ዚ ኣሜሪካ ካብ ቻይና ክመጻ ንዝኽእል ስግኣት ንምብዳህ ወተሃደራዊ ጻዕርታታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣተኩሮኣ ክተሕይል ምዃና ከይተጠቕሰ ዝሕለፍ ኣይኮነን።