ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተባረሩ ኣሸሓት ተጋሩ ኣብ ኢትዮጵያ 'ይእሰሩን ይጋፍዑን' - ሂዩማን ራይትስ ዎች

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተባረሩ ስደተኛታት ተጋሩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣሲሮም የሳቕዩዎም ከምዘለዉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ብረቡዕ 5 ጥሪ 2022 ዝወጽአ ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘይሕጋዊ ተባሂሎም ተኣሲሮም ክሳቐዩ ዝጸሑን ዝተጠረዙን ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተዉ ካብ ካልኦት ተፈልዮም ብጃምላ ከምዝእሰሩን ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝተጸበዮምን ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ኲናት ምስ ተወለዐ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብመንነቶም ብሓይልታት ጸጥታ ክእሰሩን ክንገላትዑን ከምዝጸንሑ ቢቢሲ ንግዳያት ኣዛሪቡ ምጽብጻቡ ይዝከር።
እቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ብሓይሊ ዝተጠረዙ ተወለድቲ ትግራይ ተኣሲሮም፣ ተንገላቲዖምን ተወሰዊሮምን ምህላዎም ብምዝኽኻር፡ ኣባላት ስድርኦም ኣበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይፈልጡ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን እቲ ጸብጻብ፡ "ስተሰንዐ" ክብል ነጺግዎ ኣሎ።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ "ሁዩማን ራይትስ ዎች ብዛዕባ ኢትዮጵያ ሓያሎ ልቢወለዳት'ዩ ዘለዎ" ክብል ነቒፉ።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ እቲ ሕሱም ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ናብ ኢትዮጵያ ምስጓግን ጠጠው ከብል እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቲቱ።
መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ዝፈላለየ እዋናት ተገዲዶም ናብ ኢትዮጵያ ዝባረሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ተቐቢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ መጽንሒ ከምዘእትዎምን ገሊኦም ድማ ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብኡ ተታሒዞም ከጸንሑ ከምዝግበር እቲ ጸብጻብ የመልክት።
ወሲኹ ድማ፡ ካብ መንጎ እቶም ተመለስቲ ናብ ዓዶም ከይጓዓዙ ከምዝኽልከሉን ናብ ትግራይ ንምኻድ ኣብ መገዲ እንከለው፡ ኣብ ክልል ዓፋር ተታሒዞም ኣብኡ ወይ'ውን ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ መጽንሒ ቦታታት ብምውሳድ ኣሲሮም ይገርፍዎምን ናይ ጉልበት ስራሕ የስርሕዎምን ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ተመራማሪት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናዲያ ሐርድማን፡ "ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ስዑዲ ዓረብ ተጠሪዞም ንዝመጽኡ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብዘይሕጊ ብምሓዝን ብምስዋርን ይቐጽዕዎም ኣለዉ" ኢላ፡
"ነቶም ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ስዑዲ ዓረብ ክትከላኸለሎም ዘለዋ እንትኸውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያም ካብ ሕጊ ወጻኢ ኣብ ቤት ማእሰረቲ ዝዳጎኖም ክፈትሕ ኣለዎ" ክትብል ወሲኻ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣዝዩ መጻብብን ማእሰርትን ዝነበሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ንዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፡ መንግስቲ ናብ ሃገሮም ክመልስ ምጅማሩ ይዝከር።
እቲ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝብሎ፡ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሰነ 2021 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ካብቶም 40 ሽሕ ካብ ስደት ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን እቶም 40 ሚኢታዊ ተጋሩ እዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብሰንኪ ድኽነትን ስራሕ ምስኣንን ግህሰት ሰብኣዊ መሰትን፡ ብኣማኢቲ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ሓደገኛ ዝኾነ መገዲ ባሕርን በረኻን ተጠቒሞም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግሩ ጸኒሖም እዮም።
ብዙሓት ድማ፡ በቲ ሓደገኛ መገዲ እንትጓዓዙ ህይወቶም ከምዝስእኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ መንጎ ተመለስቲ ስዑዲ ዓረብ ዝኾኑን ግፍዒ ዝበጽሖምን ተወለድቲ ትግራይ ነቶም 23 ዘዘራረበ ኾይኑ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ አባበ፣ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ: ሾኔ፤ ኣብ ክልል ኦሮምያ: ጂማ ኣብ ዝርከቡ መጽንሒ ማእከላት ዳጒንዎም ከምዝርከብ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ።
እቶም ተዳጒኖም ዝርከቡ መግረፍትን ስቅያትን ከምዝበጽሖም ካብቶም እቲ ትካል ዘዘራረቦም ገሊጾም።
ሂዩማን ራይተስ ዎች፡ ነቲ ዛዕባ ኣመልኪቱ ንኮሚሽን ስራሕቲ ሓደጋ፣ ንፖሊስ ፌዴራል ከምኡ'ውን ኣብ ዋሺንግነትን ንዝርከብ ኢምባሲ ስዑዲ ዓረብ ዝሓተተ እንተኾነ'ኳ፡ ምላሽ ከምዘይረኸበ ኣብ ሪፖርቱ ኣካቲቱ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝውጽኦ ጸብጻብ እቶም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሓፊሶም ዝተኣስሩ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ከምዝርከቡን ሰብኣዊ መሰለቶም ከምዝተግሃሰን ሓቢሮም ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ 2021 ኣመሪካን ካልኦት መሓዙት ሃገራትን ኣብ ዘውጽእዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ሕዳር ዝተኣወጀ ህጹጽ እዋን ከም ሽፋን ተጠቒሙ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ መንነቶም መሰረት ዝገበረ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ጠጠው ከብል ሓቲቶም ነይሮም።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







