ቅልውላው ትግራይ፡ ሻቕሎት ኣብ ሃገራት ወጻእ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, NHCR/Will Swanson

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ኣብ ኵናት ካብ ዝጽመዱ ድሮ ወርሒ ገይሮም ኣለው።

እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ክሳብ ሕጂ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ስለ ዝተቛረፀ ኣብ ትግራይ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ብዙሕ ዝፍለጥ ነገር የለን።

በዚ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ደሃይ ስድርኦምን ኩነታት ከባቢኦምን ክፈልጡ ስለ ዘይከኣሉ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊፆም።

Short presentational grey line

ሳሚ ብ ጀርመን ዝነብር

ስድራይ ካብ ዝረክብ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ኮይኑኒ ኣሎ። ብህይወት ይሃልው ኣይሃልዉ ዝፈልጦ ነገር የብለይ።

ከም ዝፍለጥ ኩሉ ነገር ተቖራሪፁ እዩ። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝበሃል ነገር የለን፤ ቴሌፎን፣ መብራህቲ ተዓፅዩ፣ ቀረባት ኣይኣቱን ዘሎ።

ቤተሰበይ ብጥምየት ድዮም ክሞቱ፣ ብጥይት ዝፈልጦ ነገር የብለይን። እዚ ኩናት ምስጀመረ ብሰንኪ ጭንቀት ናብ ስራሕ ኣይኸድኩን፤ ኣብ ገዛ እየ ከፍ ኢለ ዘለኹ።

እዚ ናተይ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት ተጋሩ ጸገም እዩ። ከይሃረስካ ኢኻ ትሓድር። ታይ ከምዝፍጠር ኣይትፈልጦን፤ ብጣዕሚ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ እዩ።

ብፍላይ ኣብ ደገ ኮይንካ ምስቲ ዘሎ ናይ ሚድያ ኩነታት ክትርእዮ እንከለኻ፡ እቲ ሚድያ ዘቕርቦ ዘሎ ኩነታት ሓቂ ድዩ ሓሶት ትፈልጦ ነገር የለን። እዚ ባዕሉ ዝፈጥረልካ ጸቕጢ ኣሎ።

ቅድሚ ሕዚ ኲናት የድሊ'ዶ ኣየድልን ኣብ ዝብል፡ ብኲናት ዝፍታሕ ጸገም ስለ ዘየለ እዚ ኲናት ንክተርፍ ብዓቕምና ብዙሕ እናፀሓፍና ነይርና። ኾይኑ ግን ናብዚ ኣቲና ኣለና።

ኸምዚ ዝብልዎ ዘለዉ እንተኾይኑ፡ ህይወት ብዙሓት ንፁሃት ዜጋታት ክሃልቕ እዩ፣ ህፃናት ኣደታትን ድማ ክሞቱ'ዮም።

Short presentational grey line

ለምለም ካብ ስዑዲ ዓረብ፤ ሪያድ

ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ፤ ኣብዚ ኩነታት እዚ ክንኣቱ ኢና ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ስድራይ ካብ ዘይረክብ ከባቢ 20 መዓልቲ ጌረ ኣለኹ፤ ኣመና ተሻቒልና።

ኣሕዋትና ገንዘብ ንሰደሎም ነይርና፤ ሕዚ ግና ባንኪ እውን ተዓፅዩ እዩ። ብዙሕ ሰብ ይሞት ከም ዘሎ ስለንሰምዕ ድማ፡ ረጊእና ክንሰርሕ ኣይክኣልናን። ልብና ጠጠው ኢላ እያ ዘላ።

እቲ ኵናት ደው ክብል እየ ዝደሊ። ካብ ዓዲ ርሒቐና ብምህላይና እቲ ኩነታት ሚሒር ረቢሹና ኣሎ።

ብሎሚ ጽባሕ እቲ ኲናት ደው ክብል እዩ እናበልና፡ መዓልታት ተቖጺሮም፤ መሕዘኒ እዩ።

Short presentational grey line

ኣግኣዚ ካብ ሽወደን

ናብ ስዊድን ከተማ ቤኮ ንትምህርቲ እየ መጺአ፤ ኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ገይረ ኣለኹ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት መምህር ኮምፒዩተር ሳይንስ'የ ነይረ።

ኣብ ዓድና ኲናት ካብ ዝለዓል ጀሚሩ፡ ብልሙድ ክንሓስብን ክንድቅስን ኮነ ትምህርቲ ብኣግባቡ ክንመሃር ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ምስ ቤተሰብ፣ ምስ ኣሕዋትናን መሓዙትናን ዘራኽበና ዝነበረ ቴሌፎን፣ ኢንትርኔትን ካልእ መገድን ተቛሪጹ እዩ ዘሎ።

ከምዚ ኢልና 24 መዓልታት ኮይኑና ኣሎ። መጓዓዝያ የለን፣ ባንኪ የለን ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ ኣብ ኣእምሮኻ ዝፍጠር ጭንቀት ንምግማቱ ቀሊል እዩ።

በዚ ምኽንያት ስድራይ ኣገልግሎት ሕክምና፣ መድሓኒት፣ ነዳድን ካልኦት ዘድልዩ ነገራትን ኣይረኽቡን ዘለዉ ኢልካ ክትሓስብ ከለኻ፡ ብተወሳኺ ከኣ ኣብ ማእኸል ናይ ኲናት ከባቢ ብምህላዮም ዝፈጥረልካ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኮነን።

ካብ ዝግምቶ ንላዕሊ ኣብ ወጥሪ ኣቲና ኣለና።

ብወገነይ ኣነ፡ ሕማም እውን ፈጢሩለይ ኣብ ሕክምና ኣትየ ነይረ፤ ቅድሚ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ እየ ብመድሓኒት ካብ ሕክምና ወጺአ፤ ሕዚ'ውን መድሃኒት ይወስድ ኣለኹ።

ድሕሪ ናይ 72 ሰዓታት ግዜ ገደብ፡ ከተማታት ክድብደባ ይኽእላ'የን ዝብል ክትሰምዕ ከለኻ፡ ክትጭነቕ ዝገብሩ እዮም።

ብፍላይ ኣብ ስድራኻ፣ ኣብ ሕብረተሰብካ፣ ኣብ ትፈትዎም መተዓበይትካ ክበፅሕ ዝኽእል ነገር ክትግምቶም ወይ ከመይ ይኾኑ ኢልካ ክትሓስቦ ከለኻ፡ ብጣዕሚ ከቢድ ስለዝኾነ ኣብ ጭንቀት ኢና ዘለና።