ቢቢሲ ሃርድ-ቶክ - ምስ ኣኽባሪ ሕጊ ኢትዮጵያ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ

ምንጪ ስእሊ, PMO/BBC
ትማሊ ዓርቢ ቢቢሲ ሃርድ ቶክ ንኣኽባር ሕጊ ጊደዎን ጢሞቴዎስ ብህሉው ኩነታት ኣዘራሪቡዎ ነይሩ - እቲ ትሕዝቶ ከምዘለዎ እነሆ።

ሃርድ ቶክ፡ኣነ ስቲቭን ሳክር እየ። ናይ ሎሚ ጋሻይ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ይበሃል። ጊደዎን ነቲ ሓድሽ ምሕደራ ኣቢይ ኣሕመድ ብ2018 ኢዩ ተሓዊሱዎ።ሽመት ስለ ዝተወሰኾ ሕጂ ኣኽባሪ-ሕጊ ኢትዮጵያ ኰይኑ ኣሎ። ፖለቲካ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ይርከብ።
እንሆ ኸኣ ሕጂ ወተሃደራት መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሓይሊ 'ናይ መጠረስታ መድረኽ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈንዩ ይርከብ።
ድሮ'ኳ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ክሞቱን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኸኣ ንስደት ኣምሪሖምን ኣሎዉ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣርብዓ ሽሕ ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ።
ኣህጕራውያን ተዓዘብቲ ገበናት-ዉግእ ከም ዝተፈጸሙ ይዛረቡ ኣሎዉ። እታ ሃገር ዜንጸላልዋ ዘሎ ጥሜትን መዓትን ይዝረበሎም ኣሎ። ምስኡ'ውን እቲ ኲናት ናብተን ጎረባብቲ ክልሕም ከም ዝኽእል ይንገር ኣሎ።
እዚ ዅሉ ጸገም ሓደ ዓመት ድሕሪ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ሰላም ኖቤል-ሽልማት ዝተቐበልሉ እዋን'ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ስለምንታይ'ዩ እቲ ኵነታት ብሓንሳብ ክሳብ ክንድዚ ክበላሾ ዝኸኣለ? እምበኣር ጊደዎን ጢሞቴዎስ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መደብና ቀሪቡ እንሆ።

ምንጪ ስእሊ, PMO

ስቲቭን ሳክር፡ ጊዴዎን እንቋዕ ብድሓን ኣብ መደብ ሃርድ-ቶክ መጻእካ።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ደስ እናበለኒ።
ስቲቭን ሳክር፡ በዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወሰዶ ስጕምቲ - ማለት ኣብ መቐለ ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ ፍታሕ ንምምጻእ ዝግበር ወፍሪ - ክቱር ሰብኣዊ ጥፍኣት ክመጽእ'ዩ'ዶ ትብል?
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ብመጀመርያ ክንርድኦ ዘሎና ጕዳይ፡ እዚ ነገር ኣብ ልዕሊ እዚ ዘሎ ምምሕዳርን ቀዳማይ ሚኒስተርናን ከም እተፈጸመ ምፍላጥ የድሊ። ዕላማ መራሕቲ ህወሓት፡ ነቲ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ወትሃደራዊ እዚ ወሪሮም፡ ኣጽዋር መንዚዖም ብምውሳድ መንግስቲ ንምግልባጥ'ዩ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ ጕዳይ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ ንምግጣም እንተዘይኮይኑ ካልእ ምርጫ ከም ዘይህልዎ'ዩ እዩ ተገይሩ።
እዚ መንግስቲ ዕላምኡ ብዘሎዎ ዓቕሚ ሲቪላውያን ጕድኣት ንከይረኽቦም ምክልኻል'ዩ። በዚ ዉግእ ዝስዕቡ ብድሆታት ድማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኣውሪድና ንምእላይ'ዩ።
ስቲቭን ሳክር፡ ኣብኡ ደው ከብለካ ... እዚ ንዓይ ብሩህ ኣይኰነን። ኣርባዕተ መዓልቲ ይገብር ብሓደ ኣፈኛ ወተሃደራዊ ሓላፊ ዝተባህለ ክጠቕሰልካ ... "ንመቐለ ምስ ከበብናያ ኣይከነናሕስን ኢና ምሕረት የለን" ኢሉ'ዩ ተዛሪቡ።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ብመጀመርታ ነቲ ዘረባ ዝተዛረበ ሰብ ሓደ ኮሎኔል'ዩ፣ ኣፈኛ ሓይልታትና ዀነ መንግስቲ፡ ዝበልዎ ኣይኰነን።
ስቲቭን ሳክር፡ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ'ሞ ዝገደደ ስክፍታ'ዩ ዜሕድር፣ እዚ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ፡ ኣብቲ ዉግእ ዝርከብ ሰብ ወተሃደራቱ ሒዙ ናብ መቐለ ዜምርሕ ዘሎ ሰብ እኮ'ዩ!
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ናይ ሓይልታትና ኮማንደር ኣሎ። ናይ ሓይልታትና ኣፈኛ'ውን ኣሎ። ንሳቶም'ዮም ናይ መንግስቲ ዕላማን ፖሊሲን ቃል ዘቐብሉ። እቲ ኮሎኔል ክዛረብ ከሎ ነቶም ናይ ህወሓት ሚሊሽያ እናጠቐሰ'ዩ ዝዛረብ ነይሩ።
ኢዶም ምእንቲ ንክህቡ'ዩ ከምኡ ዝበለ። ከምኡ'ውን መንግስቲ ዀነ እቲ ኮሎኔል፡ ኣብታ ቪድዮ ከም ዝተራእየ፡ ነቶም ብረት ዝዓጠቑ ዕጥቆም ንከውርዱ፡ ካብ ዒላማታት ወትሃደራትና ከኣ ንክርሕቁ ...
ስቲቭን ሳክር፡ ንስኻ ኣኽባሪ ሕጊ ኢኻ፣ ከም በዓል ሚሸል ባቸለ - ናይ ሕቡራት ሃገራት ላዕለይቲ ኮሚሽነር ጕዳያት ሰብኣዊ መሰላት - ንሳ ብእተልዕሎም ዛዕባታት የገድሰካ'ዩ ኢለ እኣምን። እቲ ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ ኣዝዩ የሻቕላ ከም ዘሎ።
ምስኡ ኸኣ ንመቐለ ንምቁጽጻር ተኣኪቡ ዘሎ ኣጽዋር ብምጥቃስ፡ 'ብዘይ ምሕረት ክንሃርሞም ኢና'' እናተባህለ ይዝረብ ስለ ዘሎ፡ እንድሕሪ ኣብኡ ተበጺሑ ኸኣ ናብ ገበናት-ኲናት ከም ዘኣግሂዳ'ያ ትዛረብ። ንስኻ ኣኽባሪ-ሕጊ ኢኻ፣ ብዛዕብኡ እንታይ ኢኻ ክትገብር?
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ መራሕቲ ፈደራል መንግስትን መራሕቲ ህወሓት ማዕረ-ማዕረ ጌርካ ምርኣይ ጌጋ'ዩ ምዃኑ ክሕብር እደሊ። ብሞራላዊ ሸነኹ ይኹን ሕጋዊ። መንግስቲ ሕጊ ከኽብርን ወተሃደራቱ ኣብ ትግራይ ከኽትትን ምሉእ ሓላፍነት ኣሎዎ።
ብኣንጻሩ ኸኣ መንግስቲ ክልል ትግራይ ወትሃደራት ኣሰልጢኑ ንሰሜን እዚ ንከጥቅዕ መሰል የብሉን። እቲ መጥቃዕትን ቅድሚኡ ዝተኻየዱ ምትዅታዅን ንመንግስቲ ፈደራል ትዕግስቱ ከም ዝጽንቀቑ ስለ ዝገበሩ ሕግን ስርዓትን ንከነምጽእ ተገዲድና።
እቲ መንግስቲ-ፈደራል ብዙሕ'ዩ ተሸጊሩ እቲ ኵነታት ኣብዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ንከይበጽሕ። ንኽልተ ዓመት ኢና ንሓለፍቲ ህወሓት ክንልምንን ክንምጕትን - ንዑ ጸገማትና ብሰላማዊ ኣገባብ ንፍትሓዮም ክንብል ጸኒሕና።
ዓበይቲ ሰባትን ካብ ኵሎም ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ሽማግሌታት ናብ መቐለ ልኢኽና ንላዘብ ኢልናዮም ክነስና ኣይሰምዑናን። ጻውዒታትና ተነጺጎም፡ ዝወሰድናዮም ናይ ሰላም ስጕምትታት 'ውን መላገጺ ዀይኖም ተሪፎም።
ስቲቭን ሳክር፡ ኣነ ከም ዝመስለኒ መንግስቲ ኣመራጺታት ኣሎዎ። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ኵነታት'ውን ክትርእዮ ይግባእ። ብሰንኪ እዚ ዉግእ ኣብ ዉሽጢ 2-3 ሰሙን ብዙሕ ሰብ ሞይቱ ኣሎ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ተፈናቒሎም።
ማዕረ 40 ሺሕ ድማ ዓዶም ገዲፎም ተሰዲዶም ኣሎዉ። ስለዚ እዚ ዉግእ ኣብ ሲቪላውያን ዘተኣታትዎ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣዝዩ ዓቢ'ዩ።
እቲ ምርጫ ቀሊል'ዩ። ደጊም ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምድፋእ፡ ምስኡ ኸኣ ዝኸፍአ ቅልውላዋት ምፍጣር፡ ወይስ እቲ ዉግኣ ደው ብምባል ሓደ ዓይነት ብልዝብ ዝመጽእ ዕርቂ ምእላሽ? ነታ ካልአይቲ ሓሳብ ክትቅበልዋ'ዶ ኣይምሓሸን?
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ኣብ ዝዀነ ሃገር ኣብ ልዕሊ መዓስከር-ወተሃደራት መጥቃዕቲ እንተድኣ ተፈጺሙ፡ እቲ ዘጥቅዐ ድማ ነቲ ዞባ ክሕዞን ክቈጻጸሮ እንተድኣ ፈቲኑ፡ ነቲ ኣጽዋር እንድሕሪ ዘሪፎም፡ ምስቲ ሰልፊ ፖለቲካ፡ እሞ ኸኣ ናብ ብዙሕ ሰብ ዝነብረሉ ቦታ ሮኬት ብምትኳስ ንህዝቢ ዘነዓዕብ፣ ንሃገራዊ መንግስቲ ዘፈራርሕ ኮፍ ክትብል ኣይከኣልን።
ሲቪላት ተጠቒዖም፣ መዓስከርና ድማ ስለ ዝተወረረ ቀይሕ ሕንጻጽ ተጣሒሱ። ምስ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፋሉላት ኮፍ እንድሕሪ ኢልና ነቶም ካልኦት ሰልፍታት ጌጋ መልእኽቲ ነመሓላልፍ ኣሎና ማለት'ዩ። ከምኡ ምግባር ጐነጽ ምትብባዕን ነቶም ብዓመጽ ዝሰርሑ ድማ ብዓመጾም ኣይክሕተቱን'ዮም ከም ማለት'ዩ።
ስቲቭን ሳክር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ክቱር ሰብኣዊ ቅልውላዋት ተፈጢሩ ኣሎ - እቲ ህጹጽ ጕዳይ ንሱ'ዩ። ሕቡራት ሃገራት ይብሎ ከም ዘሎ ብዙሕ ሕጽረታት ተፈጢሮም ኣብ ኣስጋኢ ደረጃ በጺሖም ኣሎዉ።
ሽድሽተ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ መጻብቦ ይርከብ ኣሎ፣ ነዳዲ ይውዳኣ ኣሎ፣ ጥረ ገንዘብ ይጽንቀቕ ኣሎ፣ ንመግዝኢ ምግቢ ዝኸውን ገንዘብ'ውን የለን። ሽድሽተ ሚእቲ ሺሕ ዝኣኽሉ ሰባት ናይ ወርሓዊ ሓገዝ እጃሞም ኣይረኸቡን።
ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብ ዓዘቕቲ ወዲቖም ክትርኢ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባትከ ክሞቱ ክትርኢ ኢኻ እትደሊ ቅድሚ ነዚ ወትሃደራዊ ፍታሕ / ስትራተጂ ምልዋጡ?
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ 'ሃገራዊ ቅሩብነት ንህጽጹነት' ኰነ 'ኮሚሽን ኣስተጋብኦን' ዝበሃሉ መንግስታውያን ትካላት ንዘድልዩ ነገራት መምየን ስርሐን ፈጺመን'የ፤፣ ብሓጺሩ እዚ መደብ መንግስቲ ዝተዳለወሉ ጕዳይ'ዩ። ዝኣኽሉ መጽናዕትታት ተኻዪዶም፡ ንሓገዝ ምቕራብ ዘኽእሉ ትካላት ኣብ ስራሕ ተዋፊረናሉ ኣሎዋ። ስለዚ ሓገዝ ንዘድልዮ ሰብ ብጊዜኡ ሓገዝ ክበጽሖ'ዩ።
ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ እቲ ናይ መጠረስታ ደረጃ ወትሃደራዊ ጐስጓስና በጺሕና ኢና። ንመብዝሕትኡ ትግራይ ተቖጻጺርናዮ ኣሎና።
ኰይኑ ድማ እቲ መንግስቲ ፈደራል ወጢኑዎ ዘሎ ዕደላ ሓገዝ ከነካይድ ዝኽልክለና ነገር የለን። እታ ሓንቲ ተሪፋትና ዘላ ቦታ ሓንቲ ከተማ ጥራይ'ያ። ኣብ 'ቲ ዝተረፈ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ሓገዝ ናይ ምርካብ ዕድል ኣሎዎም።
ስቲቭን ሳክር፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝበሎ፡ ኣንጻር ትግራዎት ዝካየድ ዘሎ ምጽጻይ ዓሌት - ማእሰርትን ቀይድታትን፡ ኣድልዎን ጠቐነን፡ - ሓበሬታ ይመጸና ኣሎ ይብል። እዚ ዓሌትነት ክፋል ናይቲ ዉግእ ምዃኑ'ዶ ትቕበሎ?
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ህወሓት ኣብ ዓሌት ትግራይ ዝተሞርኰሰ ሰልፊ ኢዩ። መራሕቶም ኰነ ኣባላቶም ካብ ሓደ ዓሌት ኢዮም። ኣብ ስርሓቶም ዝነጣጠፉ፡ እቶም ዝደጋገፍዎም ሰባት፡ ኵሎም ኣባላቶም ትግራዎት ኢዮም።
ስለዚ ህወሓት ኣብ ዓመጻዊ ስራሕ ምስ ዝዋፈር እቲ ሳዕቤኑ ክንርእዮ ንኽእል። እቲ ዉጽኢት ከምኡ ዝኣመሰለ ኣሰር ክህልዎ ይኽእል። እዚ ማለት ግን መግስቲ ፈደራል ኮነ ኢሉ ዝሰኣሎ ኣግባብ ኣይኰነን።
ስቲቭን ሳክር፡ ከምዚ ዝበልካዮ እንድሕሪ ኰይኑ - ማለት እቲ ሰለሎ ገለ ናይ ዓሌት ኣሰር ኣሎዎ ክትብል ከሎኻ - ኣህጕራዊ ሕብረተሰባት ሻቕሎት ከሕድር ይኽእል'ዩ።
ሓደ ትዊት ጀይክ ሶሊቫን ዝተባህለ ሰብ (ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ተመራጺ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ዝኾነ) ክጠቕሰልካ እፈቱ።
"ኣብ ዉሽጥን ከባቢ መቐለን ዝርከቡ ሰባት ዝወርዶም ሓደጋን ክፍጸሙ ዝኽእሉ ገበናት-ዉግእ የሻቕሉኒ" ኢሉ።
ከምኡ'ውን ጆሰፕ ቦረል፡ ናይ ማሕበር ሓድነት ኤውሮጳ ሓላፊ ወጻኢ ጕዳያት፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ዓሌት ኣትኵሩ ዝስዕብ ግፍዒ ኣልዒሉ ብዙሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝጠሓሱ ኣህጕራዊ ሰብኣዊ ሕግታት ይርኣዩዎ ከም ዘሎዉ ይጠቅስ።
ኣህጕራዊ ሕብረተሰብ 'ውን እንተዀነ ገበናት-ዉግእ ብግዙፍ ከይፍጸሙ ስግኣት ኣሎዎም።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ስክፍታታት ኣህጕራዊ ሕብረተሰብ ይርድኣና'ዩ። መንግስቲ-ፈደራል ደጋጊሙ ከም ዝበሎን ዘውጽኦ መምርሒታትን ንሲቪላውያት ክከላኸለሎም ምዃኑ'ዩ።
ብተወሳኺ መሰላት ሲቪል ብሓይልታት መንግስቲ ንከይግሃስ ብተደጋጋሚ ተሓቢሩ'ዩ። ህወሓት ኣብ ዓሌት ዝተሞርኰሰ ሰልፊ ኢዩ። ኣንጻር'ዚ ውድብ ዝውሰዱ ስጕምትታት ናይ ዓሌት መኣዝን ዘሎዎ ይመስል ይኸውን።
ግናኸ መንግስቲ ፈደራል ኣይውዕሎን'ዩ። ደጊመ ዝብሎ፡ መግስቲ፡ ሲቪላት ንከይህሰዩ ዝከኣሎ ይገብር ኣሎ። ኣብነት ክህበካ፣ ሓይልታትና ጥቓ መቐለ በጺሖም ክነሶም ኣብ ከተማ ክንዲ ምእታው ናይ ሰለስተ መዓልታት ዕድል ሂቦም'ዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ህዝቢ ዝወርድ ጕድኣት ንምንካይ ዝዓለመ'ዩ።
ስቲቭን ሳክር፡ ትግራዎት ከም ዝብሉዎ እዚ ጕዳይ'ዚ ኣካል ናይ ዝዓበየ ዛንታ ምዃኑ'ዩ። እዚ ኸኣ ኣቢዪ ኣሕመድ ካብ'ቶም ዝሃቦም መብጽዓታት - ኣብ ፈለማይ እዋን ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ ወርሓት - ምድሕርሓር ምዃኑ ይዛረቡ።
ሃገር ንምሕባር ሓድሽ ዘመን ከም ዝተኣታተወ ዝሃቦ መብጽዓ ዝዝከር ኰይኑ ትግራዎት ከም ዝበልዎ ግን እቲ ዘስተብሃልሉ ጕዳይ ጥበብ ዝመልኦ ምምንዛዕ ስልጣንን ጭቆናን ምዃኑ'ዩ።
መሰላት ርእሰ-ምሕደራ ክብሕጐጕ፡ ብዝሓለፈ መስከረም ዝተኻየደ ምርጫ ክብርጀን፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ መራሕቲ ወትሃደራት ክእለዩ ... ትግራዎት ብምዃኖም ... ኣብ ኣካይዳ ኣብዪ ሓደ ገሃሲ ኵትሞ ዘሎዎ ኣካይዳ ከም ዘሎ ይዛረቡ። ብሓጺሩ ትግራዎት ርእሰ-ምሕደራኦም ዝቋመት መንግስቲ ከም ዝተኣታተወ'ዮም ዝዛረቡ ዘሎዉ።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ትግራዎትን ህወሓትን ፈላልየ ክርእዮም ኣለኒ። እቲ ንስኻ ትሃንጾ ዘሎኻ ሓተታ ካብ ሓደ'ዮም ዝብል እምነት'ዩ ዝነቅል። ሽግር መንግስቲ ፈደራል ምስ ኣባላት ህወሓት ዘይኮነስ ምስቲ ጕጅለ መራሕቲ'ዩ።
ንሳቶም ሽቶኦም ንምውቃዕ ኣብ ጐነጽ ዝኣምኑ ሰባት'ዮም። ጽገናታት ብዘርእዩ ጕዳያት ድማ፡ ህወሓት ካብ ፈለማ ጀሚሩ እዚ መንግስቲ-ፈደራል ከተኣታትዎም ንዝተበገሰሎም ለውጥታት ከሰናኽል'ዩ ጸኒሑ።
እቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ክተሃላለኽን ክጻባእን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ጐነጻት ከተኣታቱን'ዩ ጸኒሑ፣ እምበኣርከስ እዚ'ዩ ጸገምና። ህወሓት እቲ ዝነበሮ ዓብላሊተራ ንምምላስ'ዩ ድልየቱ።
እቲ ዝነበሮ ቍጠባውን ፖለቲካውን ስልጣን፡ ከምኡ'ውን እቲ ዝነበሮ ሓለፋታት ንምምላስ'ዩ ድልየቱ። ንሕና ኸኣ እዚ ክኸውን ኣይክእልን ኢና ንብል ዘሎና።
ስቲቭን ሳክር፡ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ቅሬታ ትግራዎት - ንስኻ ቅሬታ ህወሓት ኢልካ ኢኻ ትጽውዖ ዘሎኻ። ዋላ'ኳ ዝበዝሑ ትግራዎት ዘሎዎም ስምዒት ይዅን - ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ካልኦት ክልላት ዘሎ ሽግር'ዶ ኣይኰነን?
ብዙሓት ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ርእዮም ነታ ሃገር የሕብራ ከም ዘየሎ'ዮም ቅሬታኦም ዝገልጹ ዘሎዉ። ዝተፈላለዩ ማሕበራውያን ጕጅለታት ኣብይ ኣሕመድ ይደቍስን ይጭቍንን ከም ዘሎ'ዮም ዝዛረቡ።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ኣቶ ሳክር፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ክትርኢ ይግባእ። ተቓወምቲ፣ ከም እኒ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝበሉ ኣብ ግዳም ዝነበሩ ተቓወምቲ ዉድባት ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝምለሱ ተገይሩ'ዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኢትዮጵያ ካብ ቀደም ዝሓሸ፡ ዝዋዕውዐ ፖለቲካዊ መልክዐ-መሬት ሒዛ ትርከብ። ዝሓሸ ብዙሕነት ኣሎና፡ ፍልልያት ሓቚፍና ኸኣ ንጐዓዝ ኣለና። ከምኡውን ...
ስቲቭን ሳክር፡ ይቕሬታ ግበረለይ ክኾልፈካ'የ። እዚ ትብሎ ዘሎኻ ሽድሽተ ወርሒ ድሕሪ ኣቢዪ ኣብ ስልጣን ምምጽኡ ስለ ዝነበረ፡ ሽዑ ምኾነ መጐተኻ ክእመን ምተኻእለ ነይሩ።
እቲ ሎሚ ኣብ ባይታ ሰፊኑ ዘሎ ክዉንነት'ሞ ርአ ... ብዙሓት ኣብ ምድረ-ኦሮም ዘሎዉ ሰባት በቲ ዝዕዘብዎ ዘሎዉ ስልቲ-ደቘሳ-መንግስቲ ቅጭ መጺኡዎም ከም ዘሎ፣ ዓሚ ኣምነስቲ-ኢንተርናሽናል ዘውጽኦ ጸብጻብ ምስ እተንብብ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ምድረ-ኦሮማ ዝፈጸሞም ግፍዕታት፣ ማእሰርቲ፣ ስቅያት፣ ቅትለት፣ ምቕያድ፣ ብሓይሊ ምስጓጕ ... ወዘተ ክሰምየልካ እኽእል።
ንስኻ ኣኽባሪ ሕጊ ኢኻ፤ ንግዝኣተ-ሕጊ ደው ኢልካ ክትምክተሉ'ዩ ዝግባእ፣ ንማእለያ ዜብሎም ዜጋታትካ ትጠልሞም ኣሎኻ።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ንሕና ነቲ ዝሰመኻዮ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል መልሲ ሂብናሉ ኢና። እቶም ኣብኡ ዝሰፈሩ ጌጋታት ጠቊምና ኣውጺእናዮም ኢና። እዚ ቤት-ጽሕፈተይ ወይ ከኣ መንግስቲ ንሕቶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዕቱብ ኢና እንሕዞ።
ነቶም ኮነ ኢሎም ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝወዓሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከነምጽኦም ፈቲንና ኢና። ብእኡ ምኽንያት ከኣ ኢና ምስ ህወሓት ዝተጋጨና። ህወሓት ነቶም ዘቕረብናዮም ትእዛዛት ፖሊስ ስጕምቲ ንኽወስዱ ነጺጎሞ።
እቲ ናይ ጸጥታን ስለያን ሓላፊ ዝነበረ ብዝፈጸሞም ገበናት ብሽፋን ህወሓት ኣቢሉ ካብ መቕጻዕቲ ኣምሊጡ ይርከብ። ኰይኑ ድማ ከምዚኦም ዘቕረብካዮም ክስታት ንምቕባል ኣሸጋሪ'ዩ።
ስቲቭን ሳክር፡ ንስኻ ናይ ቅዋማዊ ሕጊ ምሁር ምዃንካ ኣይስሕቶን'የ። ኣብዚ ዘሎኻዮ ስልጣን ኮፍ ብምባልካ ንህዝብኻ ናይ ተስፋ ፋና ንኽትከውን'ዩ ነይሩ - ማለት ኵነታት ንጽቡቕ ክልወጡ ምዃኖም።
ሕጂ ግን ተመልከት፡ እቶም ብክኢላታት ሰብ-ሞያ ዝቐርቡ ዘሎዉ መደምደምታ ... ከም ናይ ብዓል ኬጂት ትሮንቮል ዝተባህለ ኖርወጅያዊ - ብኢትዮጵያ ዓቢ ፍልጠት ዘሎዎ ተመራማሪ - ኣብዪ ኣሕመድ ከተኣታትዎ ዝተበገሰሎም ለውጥታት ከም ዘይተገብሩን መንግስቲ ኣብዪ ናብ ምልኪ ከም ዝተለወጠ ይትንትን።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ኣነ ምስቲ ንሱ ዘቕረቦ ትንታኔ ይዅን መደምደምታ ኣይስማማዓን'የ። ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን እንድሕሪ ሓቲትካ ንኢትዮጵያ ኣብ ዕግርግር ዜእቱ ዘሎ ህወሓት ምዃኑ'ዩ። ኣብ ስልጣን ንክምለሱ ዘካይድዎ ዘሎዉ ጻዕርታት፣ ነቲ ሃገር ፋሕብትን ከብልዎ'ዩ ድልየቶም።
ጌታቸው ረዳ ዝተባህለ ሓደ ካብ ኣፈኛታት ህወሓት ብግሁድ ከም ዝበሎ፡ ህወሓት ምስ ማእከል ኢትዮጵያ እትደልዮ ርክብ ልክዕ ከምቲ ሶማሊላንድ ምስ ሞቓድሾ ዘለዋ ርክብ'ዩ ክብል ተዛሪቡ። ከምኡ ንክኸውን'ዩ ድልየቶም - ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ንምልዋጥ። እወ፡ ዜግነት-ኣልቦ ኽትከውን ...
ስቲቭን ሳክር፡ ብኣኻ እንታይ ከም ዝበሃል ክነግረካ ኣፍቅደለይ። እቲ ፈለማ ምስ ተቘጸርካ ኣዋዲ-ዘይብሉ ቴክኖክራት (ክኢላ) ይብሉኻ ነይሮም። ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመት ግን መሳርሒ ዓፈናን ምጽቃጥን ኴንካ ተሪፍካ።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ሰባት ዝደለይዎ ክብሉ ይኽእሉ'ዮም። ኣብ ኣገልግሎት ህዝቢ ስለ ዘሎኹ ክንቀፍ እኽእል'የ። ኣነ ኣገልጋሊ ህዝቢ'የ።
እፈልጥ'የ፤ ኣብ የማናይ ሸነኽ ናይ ታሪኽ ኢና ዘሎና። እቲ ናይ መጨረስታ ምዕራፍ ምስ ተጻሕፈ መን እንታይ ይገብር ከም ዝነበረ፡ መን'ዩ ኣብ ጸግዒ ፍትሕን ግዝኣተ-ሕጊ ደው ዝበለ፣ ህወሓት ካብ መቕጻዕቲ ከምልጡ፡ ገደብ ዘይብሉ ስልጣን ክህልዎም ከም ዝደልዩ፡ ንሃገርና ኣበዓዒዶም ክገዝኡ ...
ስቲቭን ሳክር፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሽግራት ጸብጺብካ ንህወሓት ዝደለኻዮ ክስታት ክትጽዕኖም ትኽእል ኢኻ። እቶም ብመንግስቲ ሕጉሳት ዘይኰኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት እናእተኹ ትማል-ትማል፡ ሓደ ዓመት ይገብር ኣብዪ ኣሕመድ ብልጫ-ኖቤል ክቕበል፡ ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ከም ዝተለወጠ ንምርኣርይ "ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ" - ሓደ ዝንኣድ ኣህጕራዊ ተንታኒ ጕጅለ - ዘውጽኦ ሓተታ ኢትዮጵያ ክትፈናጨል ከም እትኽእል ይድምድም። ትሰማማዓሉ'ዶ?
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ፡ እንድሕሪ ሓደ መዓስከር ... ንበል ኣብ ስኮትላንድ ወይ ከኣ ዌልስ እንተ ድኣ ተፈጺሙ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ወይ ከኣ መራሕ መንግስቲ ግብራዊ መልሲ ክህበሉ ይግደድ'ዩ።
እቲ መራሒ መንግስቲ ብልጫ-ኖቤል እንተድኣ ተዋሂቡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ምዃኑ ኣይተርፎን'ዩ። ንሃገሩ ንምክልኻል ቅዋማዊ ግዴታ ኣሎዎ። እቲ ፖለቲካውን ግዝኣታውን መትከላውነት ሃገር ክዕቅብ ኣሎዎ። ድሕነት ወተሃደራቱ ክሕሎ ከም ዘሎዎ ...
ስቲቭን ሳክር፡ ሕቶይ፡ ኣኽባሪ ሕጊ፡ ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይ ሰላም ብልጫ-ኖቤል ምስ ተቐበለ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣብ ውግእ-ሓድሕድ ንክትኣቱ ኣብ ሓደጋ ኣሳጢሑዋ ይርከብ ኣሎ።
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርና ድንጕይ እንተ ዝብል ነይሩ ህወሓት ኣብ ካልእ ምበጽሑ። በቲ ንሳቶም ዝወሰድዎ ስጕምቲ - ንናይ ሰሜን መዓስከርና ብምውራር፡ ከበድቲ መሳርያታት ብምዝራፍ - ድንጕይ ኢልና ኔርና እንተንኸውን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዉግእ-ሓድሕድ ምተሸመመት ነይራ።
ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምውሳድና ግን ንሃገርና ኣድሒንናያ ማለት እኮ'ዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ንግጭት ብሰላም ክፈትሕ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ምስ ህወሓት ዘሎዎ ሽግር ክፈትሖ ዝከኣሎ ገይሩ'ዩ።
ክልተ መዓልቲ ንመዓስከርና ቅድሚ ምውራሮም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ኣቦ-መንበር ህወሓት፡ ይዘራረብ ነይሩ'ዩ። ቅድሚኡ'ውን ብወግዓውን ዘይወግኣውን መገድታት ህወሓት ኣብ ጠረጴዛ-ሰላም ንክመጹኡ ፈተነታት ይካየዱ ነይሮም'ዮም።
ስቲቭን ሳክር፡ ዉግእ ሓድሕድ ንክመጽእ ዘሎ ተኽእሎታት ከመይ ይመስል?
ጊዴዎን ጢሞቴዎስ፡ ኣቐዲመ ከም ዝበልኩዎ ነዚ ስርሒት ኣብ ምዝዛም ኢና ንርከብ። ኣብ ሓጺር እዋን ወፍርና ክውዳእ'ዩ። ንትግራይ ዳግም ክንሃንጻ ክንክእል ኢና። እቶም ዝተመዛበሉ ሰባት ዳግም ከነጣይሶም ኢና። እቲ ቍስሊ ድማ ከነሕውዮ ኢና።
ስቲቭን ሳክር፡ ጊደዎን ጢሞቴዎስ፡ የቐንየለይ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







