ቅልውላው ትግራይ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ስደተኛታት ካብ ዶብ ሱዳን ይመልሱ ኣለው

ኣብ ዶብ ሱዳን ዝዓስከሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዶብ ሱዳን ዝዓስከሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ሱዳን ስለ ዝዓስከሩ፡ ቁጽሪ እቶም ናብ ሱዳን ዝሰግሩ ኢትዮጵያን ስደተኛታት ከምዝጎደለ ተፈሊጡ።

እቶም ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት መንግስታት ፌደራልን ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ እዮም ናብ ሱዳን ዝሃድሙ ዘለው።

ቢቢሲ፡ ብሮቡዕ ኣብ ዶብ ሓምዳይት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝርኣየ ኮይኑ፡ ብርክት ዝበሉ ናብ ሱዳን ክኣትው ዝኽኣሉ ስደተኛታት'ውን ኣባላት ስድርኦምን መቕርባቶምን ወተሃደራት ጠጠው ከም ዘበሉዎም ተዛሪቦም።

"ትማሊ ንጉሆ እየ መጺአ፤ ስድራይ ናብዚ ንከምጽኦም ግን ክኸይድ ደልየ ነይረ" ይብል ሓደ መንነቱ ክቃላዕ ዘይደለየ ስደተኛ።

እዚ ኣብ ሩባ ሰቲት ኮይኑ ዘውግዐና ስደተኛ፡ ኣብ ትግራይ ገዲፉዎም ንዝመጽአ ስድርኡ ከምጽእ ተመሊሱ ክኸይድ ከም ዘይኽኣለ ክገልጽ እንከሎ፡ "እቶም ወተሃደራት ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ኣለው፤ ቅድመይ ዝኸዱ ድማ ከይምለሱ ተነጊሩዎ'ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ንክህብ ተሓቲቱ፤ ግን ድማ ኣይሰመረን።

ኣብ ጥቓ እቲ ዶብ ዝርከብ ሩባ፡ ኣብ በሪኽ ቦታ ዝዓስከሩ ናብ ሸነኽ ትግራይ ዘመዓድዉ ብርክት ዝበሉ ወተሃደራት ኣለው። ብዙሓት ስደተኛታት ዘስግራ ዝነበራ ጀላቡ ድማ ጠጠው ኢለን ይረኣያ።

ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ድማ ነቶም ኣብቲ ዶብ ዝዓስከሩ ወተሃደራት ክርእዩ ይእከቡ።

ካልኦት ሱዳናውያንን ኢትዮጵያውያን ስደተኛታትን ድማ ክዳን ንክሓጽቡን ማይ ንከምጽኡን ናብቲ ሩባ ይወርዱ።

ብርክት ዝበሉ ህጻናት ድማ ኣብቲ ሩባ እናሓንበሱን እናተጻወቱን ትዕዘብ። ግን ድማ፡ ኣብ ስግር እዚ ሩባ ኣብ ዘላ መሬት ዘሎ ኩነታት ሚስጢር'ዩ።

ኣብ ትግራይ፡ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት መራኸቢ ስለ ዘየሎ ብሰንኪ እዚ ጎንጺ ዝተበታተኑ ስድራቤታት ክራኸቡ ኣይክኣሉን።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀረባ ናብ ሱዳን ዝኣተው ስደተኛታት ጸሪሑ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ፡ ካብቲ ዶብ 20 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ሑመራ፡ ወተሃደራት ነቶም ናብ ሱዳን ዝመጽኡ ዝነበሩ ስደተኛታት ጠጠው ኣቢሎሞም።

እዚ ድማ፡ "ቑጽሪ ናብ ሱዳን ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣዐርዩ ክጎድል ገይሩ'ዩ" ኢሉ።

ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመላኽቶ፡ ብ10 ሕዳር 2020 መዓልታዊ 6800 ስደተኛታት ናብ ሱዳን ይኣትው ነይሮም። ብማእከላይ ገምጋም ናብ ሱዳን ዝኣተው ዝነበሩ ስደተኛታት ግን 3000 ከምዝነበረ ሰብመዚ ንቢሲሲ ሓቢሮም።

ይኹን'ምበር፡ ወተሃደራት ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝዕስክሩ ንነጀው እቲ ቑጽሪ ናብ 700 ክጎድል ክኢሉ።

ምንቅስቓስ እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ምግዳቡ ዝመጽአት ጓል 11 ዓመት ቖልዓ ኣላ። ቶክሲ ምስ ሰምዐት ካብ ቤት ዓባያ ወጺኣ ንብሕታ ሃዲማ ዝመጽአት እያ።

"ለይቲ ኣብ በረኻ የሕልፎ ነይረ፤ እናፈራሕኹ። ክዳን ይኹን ገንዘብ ኣይነበረንን። ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ትራክተር ዝዝውር ሰብ ርእየ ናብ ጥቓ እቲ ዶብ ኣብጽሓኒ ኢለ ተማሕጺነዮ" ትብል።

ልዕሊ 43 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ኣትዮም

ሩባ ሰቲት ምስ ሰገረት፡ ናይ ወላዲ ኣቡኣ ቑጽሪ ቴሌፎን ሂባ ሰባት ንክድውሉላ ሓቲታ። ብሮቡዕ ድማ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኡም ራቑባ ምስ ዝነበረ ወላዲኣ ተራኺባ። ንሱ'ውን፡ ሰባት ክቕተሉ ከም ዝርኣየ ይዛረብ።

ኣብ ሱዳን፡ ተወሳኺ መዕቆቢ ማእከላት ይስርሑ ኣለው። ኣብ ሰለስተ ሰሙን ጥራሕ ልዕሊ 43 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ኣትዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክመልሶምን ዝስደዱ'ውን ጠጠው ከብሎምን ምዃኑ ገሊጹ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ትማሊ ዓርቢ ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተዘራረበ ኮይኑ፡ መንግስቲ "እቶም ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ንምቕባል፣ ንምሕዳስን ዳግም ንምጥያስን ድልዊ'ዩ" ኢሉ።

"ዳግም ምጥያስ" ክብል እንከሎ ግን እንታይ ማለት ምዃኑ ግልጺ ኣይኮነን።

ኣብ ሱዳን ግን ብዙሓት ዝሻቐሉ ስደተኛታት ኣለው።

ገሊኦም ምስ ስድርኦም ንክራኸቡ ተስፋ ገይሮም ኣብ ዶብ ሓምዳይት ዝጽበዩ ኣለው። ካብዚ ብገለ መጓዓዝያ ኣቢሎም ናብ መዕቖቢ ስደተኛታት ክኣትው ኣብ ትጽቢት ዘለው ኣለው።

ኣብቶም ማእከላት ግን ከቢድ ቅልውላው ከጋጥም ከም ዝኽእል'ዩ ዝስጋእ።