ቅልውላው ትግራይ - ኢትዮጵያ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መን'ዩ?

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ ኣብ ዝጀመረ 6ይ ዘመን ስራሕ ሓድሽ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ [24 መስከረም 204 ዓ.ም] ሰልፊ ብልጽግና ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ንክመርሕ ሕጹይ ገይሩ ዘቕረቦ ኣብዪ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ተሸይሙ።

በዚ መሰረት ኣብዪ ኣሕመድ መራሒ እታ ሃገር፣ ኣካቢ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራትን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻልን ኮይኑ ክቕጽል'ዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ እዋን ምጅማር እቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ትግራይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መን'ዩ? ዝብል ዛንታ ኣዳልዩ ነይሩ።

Short presentational grey line

መንግስቲ ትግራይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ነቲ ብውሳነ መንግስቲ ፌደራል ዝተወሰነ ምንዋሕ ሃገራዊ መረጻ ንጎኒ ገዲፉ፡ ክልላዊ መረጻ ንክካየድ ወሲኑ'ዩ።

እቲ መረጻ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክናዋሕ ክኢሉ።

ኣብቲ ሽዑ ግዜ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ "ኣነ ኢትዮጵያ ኲናት የድልያ'ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ምስቶም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ዝደልዩ ሰባት ክጽምበር ኣይደልን። ናብ ትግራይ ዓረር ዘይኮነ፡ ኮሮናቫይረስ ዝከላኸል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን'የ ክልእኽ ዝደሊ" ኢሉ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ጎንጺ ከም ዘይደሊ ክገልጽ እንከሎ፡ ሕጂ ድማ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ብላዕለዋይነት ይመርሕ ኣሎ።

እዚ ምኽንያት ሞት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝኾነ'ውን ይግመት።

ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ከም ዝተዘናበሉ ክገልጹ እንከለው፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋጥም ስግኣቱ ይገልጽ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2018 ዓ.ም እዩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኑ።

ህዝቢ ኦሮሞ ዘካየዶ ናዕቢ ድማ እቲ ቀደማይ ሚኒስትር ናብ ስልጣን ክመጽእ ምኽንያት ኮይኑዎ።

ሽዑ፡ እታ ሃገር ኣብ ገምገም ኲናት ሓድሕድ'ያ ነይራ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ድማ ገሊኦም ክትሓስቦም ዘይትኽእል ታሪኻዊ ጽገናታት ክገብር ጀሚሩ።

ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብናጽነት ናይ ምዝራብ መሰላት ብምዕፋን፣ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ብምእሳርን ተቓውሞታት ብምዕፋንን ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክነቕፉዎ ጸኒሖም።

ብተወሳኺ፡ ምስ ጎረቤት ሃገር ኤርትራ ንክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝዘለቐ ኩነተ ኲናት ንምእላይ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኣብ ምትግባር ዓንቂጹ ጸኒሑ።

ኣብዪ ኣሕመድ ምስ መጽአ ግን ኩሎም ተቐይሮም። ነቲ ውሳነ ተቐቢሉ ምስ ኤርትራ ውዕል ሰላም ከቲሙ።

እዚ፡ ታሪኻዊ ውሳነ መሪሕነቱ ኮይኑ ብ2019 ዓ.ም ተሸላሚ ሽልማት ኖቤል ሰላም ክኸውን በቒዑ።

ኢሳይያስ

ምንጪ ስእሊ, PMOEthiopia

ምስ ኩሎም 'ጸላእቲ' እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ድማ ሰላም ክፈጥርን ናብ ሃገር ከእትዎምን ተራእዩ።

ንሱ ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ኮነ ድሕሪ ሓደ ዓመት ዝሞቱ ኣቡኡ ኣሕመድ ዓሊ፡ "ምስ ኩሉ ተመሓዛዪ'ዩ" ክብሉ ብሓምለ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮም ጻንሒት ገሊጾምዎ'ዮም።

Short presentational grey line

ኣብዪ ኣሕመድ መን'ዩ?

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ዝርእዩዎ ሰባት ስለ ዘለው ድሕረ ባይትኡ ምርኣይ ኣገዳሲ'ዩ።

ንሱ፡ ካብቲ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ዘካይድ ዝነበረ ሰፊሕ ብሄር ኦሮሞ ዝወጽአ ፈላሚ መራሒ እዩ።

ኣብቲ ተቓውሞ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ብዘጋጥም ዝነበረ ጎነጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም'ዮም።

እቶም ተቓወምቲ ካብ ዘልዕሉዎ ዝነበረ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ንዓመታት ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ባህላውን ኣድልዎ ይበጽሐና ኣሎ'ዩ ዝብል እዩ።

ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ድማ ኩሉ ክቕየር ጀሚሩ።

ንሱ፡ ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ግንባር ህዝቢ ኦሮሞ (ኦፒዲኦ) ዝነበረ እዩ። እዚ ሰልፊ ድማ ካብቶም ንኢህወደግ ብልፍንቲ ዝመስረቱ ሓደ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ነዚ ንኣስታት 30 ዓመታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብሒቱ ዝጸንሐ ልፍንቲ ብምፍራስ፡ ብልጽግና ዝተባህለ ሓደ ውሁድ ሰልፊ መስሪቱ።

መስራቲ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ግን ነቲ ውህደት ነጺጉ።

ወዲ 44 ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣጋሮ ኣብ ዝበሃል ከተማ ክውለድ እንከሎ፡ ወለዱ እስላምን ክርስቲያንን'ዮም።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኣብ 1980ታት'ዩ ኣባል ኦፒዲኦ ኮይኑ።

ቅድሚ መስራትን ዳይሬክተርን እቲ መንግስቲ ኣብ ኢንተርነት ጥቡቕ ክትትል ዝገብረሉ ዝነበረ ኤጀንሲ ድሕነትን ሓበሬታን እታ ሃገር ምዃኑ፡ ኣብ ውትህድርና ክሳብ መዓርግ ሌተናል ኮነሬል በጺሑ'ዩ።

ቀጺሉ ከኣ ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኮይኑ። መራሒ ሃገር ምስ ኮነ ድማ፡ እቲ መንግስቲ ዘመሓድሮ ዓወዲ ቴሌኮም እታ ሃገር ናብ ብሕቲ ክሰጋገር ከም ዝገብር ተመጻቢዑ።

Presentational white space

ኣገደስቲ ሓቅታት ኣብይ ኣሕመድ

  • 15 ነሓሰ 1976፡ ካብ ኦሮሞ ሙስሊም ኣቦን ካብ ኣምሓረይቲ ክሪስትያን ኣዶን ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጋሮ ተወሊዱ
  • ኣብዪ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብሰላምን ጉዳያት ፀጥታን (peace and security issues) ዶክትሬት ዲግሪ ብትራንስፎርሜሽናል ሊደርሽፕ ድማ ካብ ዩኒቨርሲቲ ግሪንዊች ለንደን ማስተርስ ዲግሪ ኣለዎ።
  • ቋንቋታት ኣፋን ኦሮሞ፣ ኣምሓርኛ፣ ትግርኛን ኢንግሊዘኛን ይዛረብ
  • ብ1995፡ ኣብ ሩዋንዳ ልኡኽ ሰላም ኮይኑ ኣገልጊሉ
  • ብ2007 ኣብ ኤጀንሲ ሓበሬታን ድሕንነት መረብን ኢትዮጵያ፣ ኣባል ቦርድ ኢትዮ ቴሌኮምን ቴሌቬዥን ኢትዮጵያን ኮይኑ ኣገልጊሉ
  • ብ2010: ተራ ኣባል ውድብ ኦህዴድ (ኦፕዲኦ) ብምዃን ናብ ፖለቲካ ኣትዩ፡ ኣብ 2015 ድማ ናብ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ውድብ ተፀምቢሩ
  • ብ2016: ንሓፂር ግዘ ሚኒስትር ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኮይኑ ኣገልጊሉ
  • ኣብ 2018 ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ኣምጺኡ
  • 2019: ንግምባር ኢህወደግ ኣፍሪሱ ውሁድ ሰልፊ ብልጽግና መስሪቱ
  • 2019: ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኮይኑ
  • 2020: ኣንፃር ህወሓት መጥቃዕቲ ኣዊጁ
Presentational white space

ሽልማት ኖቤል

ኣብዪ፡ ነቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 (ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ) ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየ ዶባዊ ኵናት ን20 ዓመታት ዝዘለቐ ኩነተ ኲናት ከብቅዕ ገይሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ መበል 100 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ኮይኑ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ ኦስሎ ነቲ ሽልማት ተቐቢሉ።

እቲ ሽልማት ክወስድ ከሎ ድማ፡ "ኵናት ንምጅማር ውሑድ እዩ ዝወስድ፤ ሰላም ንምህናፅ ግና ቁሸትን ሃገርን የድሊ። ንዓይ ሰላም ምህናጽ ማለት ልክዕ ተኽሊ ማይ ኣስቲኻ ከም ምዕባይ እየ ዝሪኦ። ተኽሊ ማይን ጽቡቕ ሓመድን ክደሊ እንከሎ፡ ሰላም ድማ ትዕግስትን ቆራጽነትን ይደሊ" ኢሉ ነይሩ።

ኖቤል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን፡ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት፡ "ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሞይቶምን ተመዛቢሎምን'ዮም" ብዝብል ጎስጓስ ኮሚቴ ኖቤል ነቲ ሽልማት ከሕድጎ ፊርማ ኣኪቦም ክሓቱ ተራእዩ።

ኮሚቴ ኖቤል ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን፡ "ኣብ ጎኒ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብ2019 ሽልማት ኖቤል ንክሽለም ዝገበረ ውሳነ እየ። እቲ ኮሚቴ ንውሳንኡ ዳግማይ ርእዩ ወይ'ውን ንክርኢ ሓሲቡ ኣይፈልጥን" ዝብል ምላሽ ሂቡሉ።

ወሲኹ፡ "ሕግጋት ኮሚቴ ኖቤል ኖርወይ'ውን ሽልማት ሰላም ንክስረዝ ኣየፍቅድን" ኢሉ።

'መደመር'

ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ 'መደመር' ኣዝዩ ኣዘራራቢ ዝኾነ ቃል ነይሩ።

እዚ ናይ ኣምሓርኛ ቃል ኮይኑ፡ "ሓደ ምዃን ወይ'ውን ናብ ሓደ ምምጻእ" ዝብል ትርጉም ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር'ውን ጸገማት ኢትዮጵያ በዚ መገዲ'ዮም ዝፍትሑ ኢሉ ይኣምን።

እዚ ብደረጃ መጽሓፍ'ውን ዝተሓተመ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተመሪቑ። ብቋንቋታት ኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ተጻሒፉ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ተሓቲሙ ተዘርጊሑ።

መጽሓፍ መደመር

ምንጪ ስእሊ, facebook

መግለጺ ስእሊ, መጽሓፍ መደመር

እቲ መጽሓፍ፡ 16 ምዕራፋትን 280 ገጻትን ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣፈላላያት ብምኽባር ሓድነት እታ ሃገር ክቕድም ኣለዎ ኢሉ ይኣምን።

ሕምብርቲ፡ ናይዚ ናተይ ዝብሎ ፍልስፍና፡ ምትዕጽጻፍን ኣፈላላይካ ሒዝካ ሓቢርካ ምስራሕ ምኽኣልን ዝብል እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም፡ ኣብ ኣኼባ ሰልፊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ (ዴኢህዴን) ተረኺቡ፥

"ሓንቲ ምርጫ ኣላትና፤ እዚ ከኣ ምሕባር'ዩ። ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ጥራሕ ዘይኮነን ብሓባር ንምንባር ምውህሃድ ከድልየና እዩ። እቲ ካልእ ምርጫ ከኣ ሓድሕድና ምቅታል" ኢሉ ነይሩ።

ወሲኹ፡ "ይኹን'ምበር፡ እዚ ምርጭኡ ዝገብር ኣይህሉን። ስለዚ ምርጫና ንሓድሕድና ምትእምማን፣ ቁስልና ምፍዋስን ንዕብየት ሃገርና ብሓባር ምስራሕን'ዩ ክኸውን ዘለዎ" ኢሉ።

ቅልውላው ትግራይ

ብ4 ሕዳር 2020፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ስጉምቲ ንክወስዱ ኣዚዙ።

ንሱ፡ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ፈጺሞም'ዮም ብማለት ይኸሶም።

"ስለ ዝኾነ ድማ መንግስቲ ፌደራል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ንክወስድ ተገዲዱ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ኣመራርሓ ህወሓት ዝኾኑ ሰብ መዚ ትግራይን ዝነበረ ውጥጥ በብግዝኡ እናዓረገ ክመጽእ እንከሎ፡ ንሕንሕ ስልጣን፣ መረጻ፣ ፖለቲካዊ ጽገናታት ዘይምቕባልን ካልኦትን ምኽንያት እቲ ዘይምቅዳው'ዮም።

ህወሓት፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ብዓብላልነት ክመርሕ ጸኒሑ። ሕጂ ድማ ኣብዪ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ንኣመራርሓ ህወሓት ኣጓንዩ'ዩ ኢሎም ይነቕፉዎ።

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብታ ሃገር ጽገናታት ክገብር'ኳ እንተፈተነ፡ ካብ ወገን ትግራይ ግን ተቓውሞ ገጢሙዎ። እዚ ድማ እቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክዓርግ ምኽንያት ኮይኑ።

መራሕቲ ህወሓት፡ እቲ ኣብዪ ኣሕመድ ዝገብሮ ዘሎ ጽገናታት ማእከላይ ስልጣን ንምምስራትን ፌደራላዊ ስርዓት ንምዕናውን'ዩ ኢሎም ይቃወሙዎ።

ዞባዊ ጽልዋ

ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፡ ኣብ'ቲ ዞባ ጎንጺ ኣለዎም ኣብ ዝበሃሉ ቦታታት ኣብ ምሽምጋል ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ እዩ።

ኣብ ሱዳን፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ናብ ልዝብ ክመጽኡ ኣብ ምግባር ኣበርክቶ ገይሩ። እዚ ከኣ፡ ሱዳናውያን ናብ ስግግርን ምምቕራሕ ስልጣንን ክመጽኡ ክኢሎም።

ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዝጸንሐ ሓርፋፍ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ ምምሕያሽ ክሰርሕ ፈቲኑ።

ኬንያን ሶማልያን ኣብ ማያዊ ዶባተን ምስተሰሓሓባ'ውን ኣብዪ ኣሕመድ ክሽምግል ድልየት ኣርእዩ'ዩ።

ኣብ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቓውሞ ሪክ ማቻርን ኣብ ዝግበር ልዝብል'ውን ብንጥፈት እዩ ዝሳተፍ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ትግራይ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፡ 'ምኽባር ሕጊ' እዩ ክብሎ እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ናብ ልዝብ ክመጽኡ ዝቐረበሉ ዓለምለኻዊ ጻውዒት ዘተ ነጺጉዎ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን፡ "ናይ መወዳእታ" ምዕራፍ ናይቲ ዛካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ክውሰድ ዝኣዘዘ ኮይኑ ወተሃደራቱ ንከተማ መቐለ ክቆጻጸሩዋ መምርሒ ሂቡ ይርከብ።