ቅልውላው ትግራይ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝኣትው ስደተኛታት 'ጠጠው ከብሉ' ጀሚሮም

ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሱዳን ተሰዲዶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዶብ ሱዳን ዝተመደቡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለው ስደተኛታት ጸቕጢ ይገብሩ ከም ዘለው ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ስደተኛታት ገሊጾም።

እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ጸጥታ ህወሓትን ዝተወልዐ ጎንጺ ሕጂ'ውን ይቕጽል ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ከም ዘተሓሳስቦ ሰግኣቱ ገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ንምቁጽጻር፡ ሰራዊቱ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክወስዱ ዝኣዘዘ ኮይኑ፡ ቅድም ኢሉ ንኻልኣይ ግዜ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ኢዶም ንክህቡ ናይ 72 ሰዓታት ግዜ ገደብ ሂቡ ጸኒሑ።

ኣብ ዶብ ሱዳን እትርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣን ሶይ፡ ኣብ ሓምዳይት ዝርከብ ሩባ ሰቲት ብዙሓት ካብ ትግራይ ዝመጽኡ ስደተኛታት ናብ ሱዳን ዝኣትውሉ መስመር ኮይኑ ኣሎ ኢላ።

ኮሚሽን ስደተኛታት ሱዳን መዓልታዊ ብማእከላይ 1200 ሰባት ይቕበል ከም ዘሎ ገሊጹ።

ብሮቡዕ፡ ኣብ ከባቢታት እቲ ሩባ ብዓሰርታት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ዓስኪሮም ከም ዝረአየት እታ ጋዜጠኛ ተዓዚባ።

እቶም ስደተኛታት፡ ወተሃደራት ፌደራል ከም ዝኾኑ ከለልዩዎም እንከለው፡ ናብ ሱዳን ዝኣትው ስደተኛታት ጠጠው የብሉ ምንባሮም ተዛሪቦም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ክህብ ቢቢሲ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ'ዩ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ዝሃቦ መልሲ የለን።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ መረጻ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢዪ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተኸላሊኦም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብዪ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዘዘ እቲ ኲናት ራብዓይ ሰሙኑ ሒዙ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።

እንተኾነ፡ ተወከልቲ ትግራይ ካብቶም ኣብያተ ምኽሪ ካብ ዝወጽኡ ጸኒሖም እዮም።