ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ግጭት ኢትዮጵያ ኢድ ኣለዋ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIA GOVERNMENT
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም። ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።
ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።
ብ4 ሕዳር፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ነቲ ብሰቡን ኣጽዋሩን እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ዝንገረሉ፡ 'ሰሜን እዝ' ድሕሪ ምጥቅዖም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ምንጪ ስእሊ, PM office ETH
ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ ሰለስተ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ውግእ ቀጺሉ ይርከብ። ዛጊት ሓይልታት ፈደራል ንከተማታት ሽረ፡ ኣኽሱም፡ ዓድዋ፡ ዓዲ-ግራት፡ ኣላማጣን ካልኦት ናኣሽቱ ከተማታትን ዓድታትን ተቖጻጺሮም ይርከቡ።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተቐትሉ ከምዘለዉ'ኳ ክልቲኦም ወገናት እንተገለጹ፡ ንጹር ቁጽሪ ግን ኣይሃቡን።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ ዛጊት በቲ ግጭት ዝተፈናቐሉ ልዕሊ 30,000 ሰባት ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ኣትዮም ኣለዉ።
ኣብቲ ክልል ቀጻሊ ደብዳብ ነፈርቲ ይካየድ ምህላዉ'ውን ጸብጻባት ይገልጹ። ኣብዝ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ነፈርቲ ኲናት ኣብ ጥቓ ከተማ መቐለ ዝርከብ ኩርባ ምድብዳበን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም ነይሮም።
ሰብ መዚ ትግራይ፡ ሓይልታት መንግስቲ ሰላማውያን ሰባት ይቐትሉ ኣለዉ'ኳ እንተበሉ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪን ኣዘዝቲ ሰራዊቱን ግን፡ ሓይልታቶም ንመራሕቲ ህወሓትን ወታሃደራዊ ዒላማታት ጥራይ ከምዝወቕዑ ይምጉቱ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሳልሳይ ገጽ ናይቲ ሰራዊቱ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ መራሕቲ ህወሓትን ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልልን ኢዶም ክህቡ ሎሚ ረቡዕ ዘብቅዕ ናይ 72 ናይ ግዜ ገደብ ሂቡ'ሎ።
ሓይልታቱ ንከተማ መቐለ ብታንክታት ከጥቅዑ ምዃኖም ድሕሪ ምጥንቃቖም፡ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ማሕበራት፡ ሃገራትን ውልቀ ሰባትን ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ካልእ ኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ ዘሎ ጉዳይ ተሳትፎ ናይ ጎረቤት ሃገረ ኤርትራ እዩ።

ተራ ኤርትራ ኣብዚ ግጭት እንታይ'ዩ?
መራሒ ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ብሰኑይ 23 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኤርትራ ሰራዊታ ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ፈደራል ኣኽቲታ ከምዘላ ከሲሱ።
ኣቐዲሞም'ውን፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ጥሒሱ ብምእታዉ፡ መጥቃዕትታት ፈጺሙልና ብምባል፡ ናይ ሚሳይላት ግብረ መልሲ ሂቦም ነይሮም።
ብ13 ሕዳር ምሸት ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣስመራ ናይ ሚሳይላት ደብዳብ ኣካይዶም። እቲ ሰለስተ ሚሳይላት፡ ሓደ ኣብ ጥቓ'ቲ ቀንዲ መደበር ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝርከበሉ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝወደቐን፡ እቲ ዝተረፈ ክልተ ድማ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛውቲ ከምዝሃረመ ነበርቲ እታ ከተማ ሓቢሮም።
ድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት፡ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ትግራይን ግጭት ከምዝነበረ ምንጭታት ናይቲ ከባቢ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።
ብፍላይ፡ ኣብቶም ኣብቲ ናይ 1998-2000 ዶባዊ ኲናት ደማዊ ውግእ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ዓሊቴና፡ ዛላምበሳ፡ ጾሮናን መረብን ደብዳብ ዝተሓወሶ ዳግማይ ውግእ ከምዘካየዱ እቶም ጸብጻባት ጠቒሶም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን፡ ላዕለዎት ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያን፡ ኣብ ናይ ፈለማ መግለጺታቶም፡ ብወገን ኤርትራ ኮይኖም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክገጥሙ ከም ዝጀመሩ ኣተንቢሆም ነይሮም።
ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳተፍ ካብ ጡሮታ ዝተጸወዐ ሌ/ጀነራል ባጫ ደበለ፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ገለ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሃዲሞም ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዉ ብምጥቃስ፡ ብኣካል ከምዝበጽሖምን፡ ግንባሮም መሊሶም ብወገን ዛላምበሳ፡ ራማን ሸራሮን መጥቃዕቲ ከምዝኸፈቱ ተዛሪቡ።
ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ንሱ ይኹን፡ እቶም ዝተዛረበሎም ዝተፈናጨሉ ኣሃዱታት 'ሰሜን እዝ' መሬት ኤርትራ ከይረገጹ ነቲ ዝተባህለ ወታሃደራዊ መጥቃዕትታት ከካይዱ ኣይክኣልን'ዩ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ ከምዝተራእዩን፡ ውግኣቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሆስፒታላት እታ ሃገር ይሕከሙ ከምዘለዉ፡ ነበርቲን ምንጭታትን ካብቶም ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢሮም።
ካብ ኣስመራ ዝተዋህበ ግብረመልሲ እንታይ ይመስል?
ብ10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብዛዕባ ምትእትታው ሃገሩ ኣብቲ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "'እዚ ውሽጣዊ ግጭት እዩ። ንሕና ኣካል ናይቲ ግጭት ኣይኮናን'" ክብል ንሮይተርስ ብቴለፎን ተዛሪቡ።
ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ'ውን፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ገለ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ክልል ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ኣለዋ ብዝብል ዘቕረብዎ ክሲ ነጺግዎ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተማርያም ንሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ኮመን ዌልዝን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ክልል ትግራይ ካብ ኤርትራ ስግኣት ኣንጸላልዩዎ ኣሎ ዝብል [ብጉጀለ ኦል ፓርላሜንት] ዝቐረበ ክሲ፡ ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ፡ ብዘየወላውል ፈጺሙ ይነጽጎ" ኢሉ።
እቲ ኣብ ትዊተር ኣንጻር ህወሓት ብምጽሓፍ ዝፍለጥ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ብወገኑ፡ ነቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኣስመራ ዘካየድዎ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ዝህብ ዝመስል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
"ህወሓት፡ ናይ ፈራሓትን ዘይሕጋውን ተግባራቱ ብ13 ሕዳር 2020 ኣሐይልዎ'ሎ" ብምባል ተቓውምኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ህወሓት ነቲ ናይ 1998-2000 ዶባዊ ኲናት'ውን ከምዝጀመሮ ከሲሱ።
ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኤርትራ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ይኹን፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ምላሸ ኣይሃበን።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ብ18 ሕዳር፡ "ነቲ ናይ ህውሓት ናይ መበል 11 ሰዓት ናይ ቀቢጸ-ተስፋን፡ ዘይረብሕን ተግባራት ይኹን፡ ግጉይ ግምታት ተሓለቕቶምን ምቅላሕ ትርጉም የብሉን" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ሓድጊ ደማዊ ዶባዊ ኲናት 1998-2000
ድሕሪ 1991 ዝማዕበለ፡ ኣሉታዊ ርክብ ህወሓትን ኤርትራን፡ ካብቲ ኣብ ምስ ምውላዕ ዶባዊ ኲናት 1998 ዝጀመረ እዩ።
ኣብ ግንቦት 2000 ሳልሳይ ዙርያ ናይቲ ዶባዊ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመከላኸሊ መስመራት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብምስባር፡ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ሰፋሕቲ ከባቢታትን ክቆጻጸሩ ኪኢሎም ነይሮም።
እቲ ናይ ሽዑ ወታሃደራዊ ምድፋእ፡ ንፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ዘፍሸለ ብምንባሩ፡ ኣብቲ ኲናት ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ካብ ላዕለዎት ሰብልጣን መንግስቲ ከይተረፈ ሓያል ነቐፌታ ኣስዒብሉ'ዩ።
ኣብቲ ዝቐጸለ ናይ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተታት ዓመታት'ውን፡ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራ ብዲፕሎማሲን ማዕቀብን ክንጽላ ጽዒሩን ሰሪሑን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ንኤርትራ ዘርብሐ ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ምስታ ብህወሓት እትምራሕ ኢትዮጵያ ምውጋኖም ክነቅፍ ጸኒሑ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበርን ኣብ ቅድሚ ዶባዊ ግጭት መሻርኽቱ ዝነበረን መለስ ዜናዊ ዝምራሕ መንግስትን ምዕራባውያን መሻርኽቱን፡ ካብ ስልጣኑ ብምዕላዉ፡ "ናይ ስርዓት ለውጢ" ከምጽኡ ፈቲኖም ክብል'ውን ይኸሶም ነይሩ።
ከም ግብረመልሲ ድማ፡ ኤርትራ፡ ከም ግንቦት-7፡ ደምህት፡ ኦነግ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ዝርከብዎም ሓያሎ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ክትሕብሕብን ክትድግፍን ጸኒሓ።
ኣብ 2009 መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ሶማል ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ደጊፊ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ይፈጥርን ኣሎ ብዝብል ክሲ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ። ኤርትራ ግን ነቲ ክሲ ኣትሪራ ነጺጋቶ'ያ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝቐጸለ ኩነተ-ኲናት፡ 'ልዑላዊ መሬትና ተወሪሩ እናሃለወ' ብምባል፡ ደሞክራስያዊ ለወጢ ከይገብር፡ ንዝነቕፍዎ ንክኣስር፡ ናጻ ፕረስ ክእግድን፡ ነቲ ጠንቂ ዋሕዚ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኤርትራ ዝኾነ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት ከናውሖን ተራእዩ።
'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን 2018'
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ አብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብ ዝወሰዶም ዓበይቲ ውሳነታት፡ ምስ ኤርትራ ሰላም ምግባር'ዩ ነይሩ።
ብ5 ሰነ 2018፡ ኣቦመንበር ናይቲ ድሓር ዝፈረሰ ኢህወደግ ኮይኑ ድሕሪ ምምራጹ፡ ፈጻሚ ስራሕቲ እቲ ግንባር፡ ነቲ ኣብ 2002 ዝተወሰነን ነታ መበገሲ ናይቲ ግጭት ዝነበረት ባድመ ንኤርትራ ምዃና ዘረጋገጽን "ቀያድን ናይ መወዳእታን" ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ።
ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክሳብ ትቕበሎ፡ ኤርትራ ዝኾነ ዝርርብ ከምዘይትገብር'ያ ትገልጽ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ድሕሪ ናይ ክልተ ሳምንቲ ስቕታ ግን፡ ብ20 ሰነ 2018 ህዝብታት ክልቲኡ ዝተሓጎሰሉ ብስራት ሰላም ሃንደበት ነፊሱ።
መራሒ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ንህሉው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቈትን ምእንቲ ክንፈልጦን፡ ቀጻሊ ውጥን-ስራሕ ምእንቲ ክንነድፍን፡ ልኡኽ ናብ ኣዲስኣበባ ከነበግስ ኢና" ክብል ገሊጹ።
እንተኾነ ግና፡ ኣብቲ መደርኡ ነቲ ከም ቀንዲ ጸላኢኡ ዝርእዮ ህወሓት "Game Over" (ጸወታ ኣብቂዑ) ክብል ነቒፍዎ።
እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስን ሰላም ንምግባርን ዝተጀመረ ተበግሶ ነቲ ኣብቲ እዋን ኣካል ናይቲ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወደግ ዝነበረ ህወሓት ዘጠቓልል ከምዘይነበረ እቲ መልእኽቲ ኣነጺርዎ'ዩ።
ንፈለማ እዋን፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገሸሉ እዋን'ውን፡ ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብኣካል ተራኺቦም እዮም።
ኣብ ጽንብላት ምኽፋት ዶባት፡ ዛላምበሳ-ሰርሓን ኣብ መስከረምን፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ብ7 ጥሪ ዝተኻየደ ምኽፋት መስመር ሑመራ-ኦምሓጀርን'ውን ብሓባር ተሳቲፎምን ተዘራሪቦምን'ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ብ8 ሓምለ 2018 ናብ ኣስመራ ምብጽሑ፡ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ንዓለም'ውን ሃንደበታዊ ፍጻመ'ዩ ነይሩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ክዕረቕ ንዝቐረበሉ ተደጋጋሚ መጸዋዕታ፡ ክነጽጎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሃንደበት ባና ሰላም ተወሊዑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣብ ኣስመራ ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓድሽ ናይ ሰላምን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ሃዋሁው ተፈጢሩ ከምዘሎ ኣዊጁ።
"ደቅና ኣብ ክንዲ ሃገሮም ዘልምዑን ንቅድሚት ዝስጉሙን፡ ንሕና ዘፍረስናዮ ቢንቶ ክጽግኑ፡ ንሕና ዝበተኽናዮ ገመድ ዝምድና ክልሕሙ፡ ንሕና ዝሃነጽናዮ መንደቕ ቅርሕንትን ጽልኢን ከፍርሱ ከቢድ ጾር ኣይነውርሶም" ኢሉ።
"ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰላምን ቅሳነትን ይግብኣካ'ዩ፡ ወግእን ወረ ውግእን ምስማዕ ይኣክል" ድሕሪ ምባል ንመንእሰያት ክልቲአን ሃገራት "ስደትን ወርደትን ይኣክል" ክብል ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ስለቲ ምስ ኤርትራ ሰላም ንምግባር ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ኣብ 2019 ሽልማት ኖበል ሰላም ተሸሊሙ'ዩ። ብ9 ሓምለ 2019 ክልቲኦም መራሕቲ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ብምፍራም፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ኩነተ-ኲናት ከምዘብቀዐ ኣዊጆም።

ህወሓትን ህግደፍን
ኣብ መንጎ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን (ካብ 1994 ህግደፍ) ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት ደርግ ዝነበረ ርክብ ክብን ለጠቕን እናበለ'ዩ ማዕቢሉ።
ኣብ 1975 ገለ ካብ ቀንዲ መስረቲ ህወሓት ብህዝባዊ ግንባር ወታሃደራዊ ስልጠና ተዋሂብዎም ናብ ትግራይ ተፋንዮም። ብድሕሪ፡ ክሳብ 1985 ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ጥቡቕ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ የካይዱ ነይሮም።
ድሕሪ 1985 ግን፡ ብሰንኪ ዝነበሮም ስነሓሳባዊ ፍልልይ ርክብ ዝበተኹሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ።
ኣብ 1988 ግን ዝምድንኦም ተመሓይሹ፡ ከምብሓድሽ ናብ መድረኽ ምትሕግጋዝ ማዕቢሉ። መርኣያ ናይዚ ድማ፡ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ግንቦት 1991 ኣብ ዝተደምሰሰሉ፡ ኣሃዱታት ኮማንዶን መካናይዝድን ህዝባዊ ግንባርን ምስ ተጋደልቲ ህወሓት ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ኣትዮም።
ኣብተን ዝቐጸላ ቀዳሞት 7 ዓመታት ድማ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ደማዊ ምዕራፍ ብምዕጻው፡ ናእዳን ኣድናቖትን ዝረኸበ ናይ ሰላምን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዝምድና መስሪተን።
መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን፡ ፈለማ ፕረዚደንት ድሓር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾነ መለስ ዜናውን ጥቡቕ ዝምድና መስሪቶም፡ ክሳብ ብጽልኢ ዝፈላለዩ።
እቲ ኣብ መንጎኦም ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ከኣ፡ ናብቲ ኣብ 1998 ዝተወለዐ ዶባዊ ኲናትን፡ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ምትፍናንን ኣምሪሐን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







