ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ተላዒሉ

ባይቶ ጸጥታ

ምንጪ ስእሊ, UN Web TV

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንኣስታት ትሸዓተ ዓመታት ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ብሙሉእ ድምጺ ከምዘልዓሎ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሩ።

መንግስቲ ኤርትራ "ዘይፍትሓውነት ንምዕራይ ደንጉዩ ዝሓለፈ ውሳነ" ብምባል ገሊጽዎ።

ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ክንዮ ምልዓል እዚ እገዳ፡ ነቲ ዝተገበረ ጌጋታት ሓላፍነት ኣለዎ ኢሉ።

"እዚ እገዳ ስለዝተልዓለ ጥራይ፡ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፡ ሓቅን ፍትሕን ንምርካብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣይክገድፉን እዮም" ክብል ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ እገዳ ብምልዓሉ፡ መልእኽቲ ዮሃና ኣሕሊፉ።

ኢትዮጵያ፡ እቲ እገዳ ንክለዓል፡ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ንዘበርከተኦ ግደ'ውን ንኢዳ።

ምልዓል እዚ እገዳ ኣብ ህድኣትን ሰላምን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዑል ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ ኢሉ ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኢትዮጵያ።

ድሕረ ባይታ እቲ እገዳ እንታይ ነይሩ?

ሕቡራት ሃገራት ኣብ 23 ታሕሳስ 2009 ብውሳነ (ሪዞሊሽን) 1907 ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ኣንቢሩ።

ኤርትራ ነቶም ኣብ ሶማል ዝቃለሱ ብኣልሸባብ ዝፍለጡ ሓይልታት ንዋታውን ወታሃድራውን ሓገዛት ትህብ'ያ ዝብልን ካብቲ ኣብ 2008 ምስ ጅቡቲ ኣብ ዝገበረቶ ውግእ ካብቲ ተኣፋፊ ቦታታት፡ ወተሃደራታ ምስሓብ ኣብያ ዝብሉ እቶም ቀንዲ ምኽንያታት ኮይኖም ዝቐረቡ እዮም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ ማዕቀብ፡ ናይ ኣጽዋር እገዳ፡ ናይ ሓለፍቲ ናይ መገሻ እገዳን ምድስካል ሕሳባትን እዩ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ጥርዓን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ስለዝደገፈኦ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ እገዳ ጽኑዕ ከምዝገበሮ እዩ ዝፍለጥ።

እዚ ውሳነ ብኣቦ መንበርነት ኡጋንዳን ቡርኪናፋሶን ዝቐረበ ኮይኑ፡ 13 ድምጺ ብምርካቡ ክኣ ናብ ተግባራውነት ሰጊሩ።

ኣብቲ መስርሕ ምድማጽ፡ ሊብያ ኣንጻር እቲ እገዳ ከተድምጽ እንከላ ቻይና ክኣ ድምጺ ካብ ምሃብ ተቖጢባ። ቻይናን ሊብያን፡ እገዳ ነቲ ተፈጢሩ ዝብሃል ዘሎ ጸግም ክፈትሕ ከምዘይክእል ብትሪ ተቋዊመን ነይረን።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ኮነ ካልኦት ኤርትራውያን ሃገራውያን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ብፖሎቲካዊ ኣጀንዳ ዝተመርሐን ሓቅታት ዘይብሉን እዩ ብምባል ተቃውመኦም ኣስሚዖም'ዮም።

ወኪል ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፡ ነቲ ውሳኔ ክኹንኖ እንከሎ "ዘሕፍርን ብስርዓት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝተሰነዐ ሓሶትን" ክብል ነቲ ዝተበየነ እገዳ ብትሪ ምቅዋሙን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጽልዋ ከምዘይብሉ ምዝራቡ ዝዝከር እዩ።

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ብተወሳኺ፡ ኤርትራ ንዕጡቓት ሶማል ከምዘይትድግፍን'ውን ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ፍትሓዊ ኣይኮንን ብምባል ብትደጋጋሚ ጥርዓኑ ከስምዕ ጸኒሑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ፍትሓዊ ኣይኮንን ብምባል ብትደጋጋሚ ጥርዓኑ ከስምዕ ጸኒሑ'ዩ

ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ደገፉ ስለዝገለጸ፡ ኣማስይኡ ኤርትራ ካብ ኣባልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ንነብሳ ኣግለለት።

እቲ ኣብ 23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ኣብ 5 ታሕሳስ 2011 ከምዘለዎ ንኽቕጽል ተደንገገ።

ተቆጻጻሪ ጉጅለ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ (Monitoring Group) ኣብ 16 ሓምለ 2012፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምትድግፍ ከእምን ዝኽእል ጭብጢ ከምዘይረኸበ ዝገልጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብ ጥቕምቲ 2012 መንግስቲ ኤርትራ እቲ እገዳ ንኽልዓል ናብ ውድብ ሕቡራት ጥርዓን ብምቕራቡ ካብ ቻይና፡ ሩስያን ደበብ ኣፍሪቃን ናይ ደገፍ ድምጺ ምርካቡ ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ እዚ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ኤርትራ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ኣብ ገለ ሸነኹ ኣሸላሻል ንኽግበረሉ ተሰማሚዑ፡ ኣብ ተክኒካዊ ሓገዛት፡ ኣብ ወተሃድራዊ ምዓላ ዘይውዕል ፋይናንሳዊ ሓገዝ፡ ኣብ ሰባዊ ምዓላ ዝውዕል ምትሕብባር ምስ ኤርትራ ንኽጅመር መግለጺ ኣውጺኡ።

ንምንታይ እገዳ?

እቲ እገዳ ንባህርን ዕላማን መንግስቲ ኤርትራ ንምቕያርን፡ ወልቀ ሓለፍትን ጉጅለን እቲ መሪሕነት ንምንቕሳቖሰም ብምእጋድ ክትግበር እዩ ተዓሊሙ።

እቲ ካልእ፤ ዝተነበረ እግዳ ከከም ኩነታቱ እዩ ዝፈላለ፡ ንኣብነት ኣብ ኣጽዋር ዝተገበረ እገዳን ኣብ ሰደድ ዝተገበረ እገዳን እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝሽመት ኣጽዋር ኣብ ኢድ ኣስጋእቲ ሓይልታት ከይኣቱ ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ እቲ ዕላማ እግዳ ዘነጽር።

ሕጅኸ ንምንታይ እዩ ተላዒሉ?

ካብ 1998 ክሳብ 2000፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንተኸታተልቲ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዘቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ብ 18 ሰነ 2000 ብውዕል ኣልጀርስ፡ ምውጋድ ተጻብኦታት ዝሓቖፈ ስምምዓት ድሕሪ ምኽታሞም፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዋላ'ኳ ኲናት ኣይንበር ሰላም ግን ኣይነበረን።

ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ሰንፈላል ንከኽትምን፡ በቲ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተሰማማዓሉ ውዕል ኣብ 2003 "ናይ መወዳእታን ቀያድን" ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ንዛተ ቅድመ ኩነት ስለዝቐረበ፡ ምፍጣጥ እዘን ክልተ ጎሮባብቲ ሃገራት መዕለቢ ከይረኸበ'ዩ ጸኒሑ።

እዚ ጥራይ ዘይኮነ መንግስቲ ኢትዮጰያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንኽንበር ዘይተአደነ ጥርዓናት ብምቕራብ፡ እቲ እገዳ ንኽግበር ላዕለዋይ ኢድ'ዩ ጸኒሕዎ።

ተወካሊ ኤርትራ ዘረባ እናስምዑ

ተወካሊ ኤርትራ ዘረባ እናስምዑ

ምንጪ ስእሊ, UN WEB TV/SCREEN

መግለጺ ስእሊ, ተወካሊ ኤርትራ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘረባ እናስምዐ

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ዓመታት፡ ድሕሪ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ጎኒ ጎኒ እቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጰያ ዝገበሮ ኩሉመዳያዊ ለውጥታት፡ ንውዕል ኣልጀርስ'ውን ብዘይቅድመ ኩነት ከምዝተቐበሎ ስለዝሓበረ፡ ቀዳማይ ስጉምቲ ናብ ዝሓሸ መንገዲ ነይሩ ክብሃል ይክኣል።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሶማልያ'ውነ ምስዘን ክልተ ሃገራት ስሉሳዊ ኪዳን ብምፍጣር ንመልክዕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምቕያር ዓቢ ግደ ገይሩ እዩ።

ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝነበረ ምፍጣጥን ሓድሕድ ምውንጅጃል'ውን ብሞንጎኝነት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ ወርሒ መስከረም ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ናብ ንቡር ይምለስ ሰለዘሎ እቲ ካልእ ምኽንያት እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጰያ ኣብ ክልትኣዊ ምትሕብባር ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተነበረ እገዳ ንኽልዓል ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕቶ ስለዝቐረበ እዚ እገዳ ንኽልዓል ኣቀላጢፍዎ'ዩ።

ኣብቲ 'ብሞኒተሪግ ግሩፕ' ብኣማኢት ገጻት ዘዳለዎ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ሶማል ከምትተሓጋገዝ ዘርኢ መርትዖታት ከቕርብ ስለዘይክኣለ፡ እቲ ብታሪኻዊ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተስገደደ እገዳ ፍትሓዊ ዘይምንባሩ ክቃላዕ ምጅማሩ ክኣ እቲ ካልእ ምኽንያት እዩ።