"ጀጋኑና ንፍትሕን ርትዕን እዮም ወዲቖም"

መቓብር ወተሃደራት ቀዳማይ ኵናት ዓለም

ምንጪ ስእሊ, GEORGES GOBET

መግለጺ ስእሊ, መቓብር ወተሃደራት ቀዳማይ ኵናት ዓለም

ነፍሲ ወከፍ ሃገር ንሃገራዊ ክብራን ልዑላውነታን፡ ንሃገራዊ ረብሓኣን ዕላምኣን ኣብ ቅድመ ግንባር ዝወደቑ ብኽብሪ እትዝክሮም ጀጋኑ ኣለውዋ። ብእኡ እያ ከኣ ዓለምና ትማሊ 11 ሕዳር ኣብ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ዝወደቑ ዜጋታት ዘኪራን ኣኽቢራን።

ዓለምና ውጽኢት ውግእን ወዲ ውግእን እያ። አህዛብ ዓለም ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ገሊኦም ንዕብለላን ምስፍሕፋሕን፡ ገሊኦም ንዝናን ስምን፡ ገሊኦም ንኽብረትን ትዕቢትን፤ ገሊኦም ንሃይማኖትን እምነትን ክሳብ እዚ ዳሕራይ ዝበዝሐ ህዘቢ ዓለም ዝተሳተፎ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ኩናት ዓለም ንሓድሕዶም ተዋጊኦምን ተዳምዮምን እዮም።

ቀዳማይ ኩናት ዓለም፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ስለዝተንከፈ መዛዘሚ ኩሉ ዓለማዊ ኩናት ክኸውን'ዩ ዝብል ትጽቢት'ዩ ነይሩ። ግን ካልእ ዝበኣሰ አዕናዊ ኩናት ኣኸቲሉ - ካልኣይ ኩናት ዓለም። ሰብኣዊ ዛንታ እዚ ክልተ ኩናት ኣይብሉን። ክሳብ ሕጂ ኣማኢት መጻሕፍትን ካልእ ኣማኢት ፊልምታትን ዓንቀጻትን ተጻሒፉሉ ከብቅዕ ገና ብምልኣት ኣይተገልጸን። ጸሓፍቲ፡ ሰኣልቲ፡ ቀረጽቲ፡ ቀባእቲ፡ ገጠምቲ፡ ዘየምቲ ኩሎም ስነ-ጥበባውያን ዓለምና ሰሪሖሙሉ ክነሶም ገና ገና ብዙሕ ዝተርፎ ነገራት ኣሎ።

"ንኩናት እቲ ዝወዓሎ እዩ ዝፈልጦ" ዝብል ዘረባ እሙን እዩ። ኩናት ብቐረባን ብማዕዶን ክትፈልጦ በበይኑ እዩ። "ኣብ ኩናት ነብሲ ወከፍ ደቒቕ ዓመታት እያ" ዝበሉ ምኩራት ጸሓፍቲ ኩናት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ እትሓልፍ ትንፋስ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝወድቕን ዝስንክልን ሰብ፡ ዝቀያየር ፍጻሜታት፡ ዝውላዕን ዝቕህምን ተስፋታት መወዳእታ የብሉን።

ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ከምዛ ትማሊ 11 ሕዳር፡ እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ከጉርር ዝጸንሐ ሻምብቆታት ጥፍኣት ቀዳማይ ኩናት ዓለም ጸጥ ዝበለላ ዕለት እያ። ኣብቲ ኩናት ሚልዮናት ሰራዊትን ህዝብን ብዝወፈሩዎ ከይተመልሱ ተሪፎም። ካልኦት ሚልዮናት ከኣ ኣካላውን ስነአእሙራውን ስንክልና ሒዞም ተመሊሶም።

ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ብድምር 9.7 ሚሊዮን ወትሃደራትን 10 ሚሊዮን ሰላማውያን ሰባትን ሞይቶም። እቲ ፍትዋቱ ክጽበ ነንዝተመልሱ ከማዕዱ ዝጸንሐ ህዝቢ ዝቐበጸን ዝነቐጸን ኮይኑ፡ እቲ ዕድለኛ ብፍሽኽታ እቲ ዕድል ዘይገበረ ብስቅቕታ ዕጫኡ ኣልዒሉ።

እቲ ንኣርባዕተ ዓመታት ጥይትን መድፍዕን ክትኩስ ዝጸንሐ ሻምብቆ ብረት እኳ እንተዕረፈ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ስድራን እቲ ወለዶን እዚ እዋንን ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ ሰብኣዊ ዛንታት እቲ ኩናት መሊኡ ኣሎ።

እቲ ሚልዮናት አህዛብ ዝቐዘፈ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ምስተዛዘመ፡ እቲ ህልቂትን ጥፍኣትን ዝረአ ህዝብን ስርዓታትን ብድሕሪኡ ኩናት ክሓስብን ክሓልምን ኣይክእልን እዩ ዝብል እምነት እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ልክዕ ከምቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ደጊም ቁስልና ኣይንሕከኽ ተበሃሂሎም ከብቅዑ፡ ድሕሪ ሸውዓት ዓመት ናጽነት ዳግማይ ብዶባት ኣብ እተሳበበ ኩናት ኣስታት 70 ሽሕ ዘጥፍኡ፡ ዓለምና እውን ድሕሪ ኣስታት 30 ዓመታት እንደገና ሚልዮናት ሰባት ዘህለቐ ኩናት ካልኣይ ዓለም ኣካይዳ እንደገና ሰፍ ዘይብል ክሳራ ተሰኪማ።

ግን ብእኡ እውን ኣየብቀዐን፡ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ብዙሕ ኩናታት ናጽነትን ሰብኣዊ ክብረትን ተኻይዱ።

"ኤርትራና፡ ብዓመጽ ንዝተጋህሰ ክብራ ክትመልስ ን30 ዓመታት ተዋጊኣስ እንደገና ብሰላምን ዘተን ክፍታሕ ኣብ ዝነበሮ ኩናት ዶባት ክልተ ዓመት 20 ሽሕ ምኽፋላ ብዝኾነ ይኹን ምስምስ ዘይምኽነ ድኽመት እዩ!" ዝብል ተጋዳላይ ጸጋይ ንሱ ጥራሕ ከይኣክል ብድሕሪ እቲ ኩናት ንኣስታት 20 ዓመት ብወጥሪ ዶባት ተጸሚዳ ንዘሕለፈቶ መሪር ግዜ ዝያዳ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ።

ኣብዚ ናይ ትማሊ ጽምብል ሚእቲ ዓመት ቀዳማይ ኩናት ዓለም፡ ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ፓሪስ ንዝተኣከቡ መራሕቲ ዓለም፡ " ንሓርበኛታትና ክብሪ ብምሃብ፡ ኪኖ ዶብን ኣድማስን ብምምዕዳው ረብሓን ጥቕምን ሓድሕድና ነኽብር" ብምባል መራሕቲ ዓለም ንሰላም ክቃለሱ ተማሕጺኑ።

ሞገስ

ምንጪ ስእሊ, MOGES

መግለጺ ስእሊ, ሞገስ

እንተኾነ ኣብዚ ታሪኻዊ እዋን ኣብ የመን ከተማታት ሑደይዳን ሰንዓን እዞም ዓበይቲ መራሕቲ ሃገራት ብዝድግፉዎ ኩናት ልፍንቲ ሚልዮናት ሰላማውያን ህዝቢ የመን ኣደዳ ሞትን ጥሜትን ኮይኖም ማሕበረ ሰብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሎም ይምሕጸኑ ኣለው።

መደረ ፕረዚደነት ማክሮን ነየናይ ውዑልን መብጽዓን ንምምልካት ምዃኑ ብግልጺ እኳ እንተዘይተፈልጠ "ካብ ዝኣተናዮም ውዕላት ብምስሓብ መጻኢ ተስፋ ምጽልማት ጌጋ`ዩ" ብምባል መጻእቲ ወለዶታት ብሓላፍነት ክሓቱ ከምዝኽእሉ ኣዘኻኺሩ።

ነብሲ ወከፍ መራሕቲ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ኩናት ዓለም ንዝነበሮም ዝምድናን ርክብን ብምዝካር ኣብቲ ኩናት ነንዝወደቑ ጀጋኖኦም ክዝክሩ እዮም ኣብቲ ጽምብል ተረኺቦም።

"ንዓና ንኤርትራውያን ዛንታ ኩናት ናይ ትማሊ ዝኽሪ እዩ። ከም ዝኾነ ይኹን ብኩናት ዝሓለፈ ህዝቢ ሳዕቤን ኩናት ኣጸቢቑ ስለዝርድኣና፡ ብኩናት ንዝዓነወትን ብሳዕቤን ኩናትን ምሕደራን ንዝተበታተነ ህዝብና ንምእካብ ካብ ማንም ንላዕሊ ክንሰርሕ ዘሎና ንሕና ኢና" ይብል ኣብ ክልቲኡ ኩናት፡ ኩናት ናጽነት ንልዕሊ 17 ዓመታት ኣብ ኩናት ዶባትን ልዑላውነትን ከኣ ንኽልተ ዓመት ብሞይኡ ዝተዋግአ ተጋዳላይ መጎስ ብርሃነ።

እዚ ትማል ብኽብሪ ዝተዘከረ ምዝዛም ሚእቲ ዓመት ቀዳማይ ኩናት ዓለም፡ ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለምና ዳግማይ ከይክሰትን እቲ ድሮ ኣብ የመንን ካልእ ከባብን ዝካየድ ዘሎ፡ እዘን ትማል፡ ኣብ ዝኽሪ ሚእቲ ዓመት ኩናት ዓለም፡ ንኩናት ዝተጸየና ሓያላን ሃገራት ንምብቃዕ ኩናትን ምምዕባል ዘተን ልዝብን ክሰርሓ፡ ፍሉይ ዝኽረ ኩናት ዘለዋ ታጋዳሊት ህይወት ኣተሓሳሲባ።