ዘይዛሪ መዘዝ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ ምድሪ ሶማልያ

ኣባል ምክልኻል ሃገር ኢትዮጰያ ኣብ ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, STRINGER

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ምክልኻል ሃገር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኻየድ ቀጥታዊ ኲናት ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ኣይፀንሐን ነይሩ። ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ "ኣይሰላም ኣይኲናት" እንትከውን፥ ብኢድ ኣዙር ኣብ ሶማልያ ዘካየዱዎ ጎንፂ ግን ዘይዛሪ መዘዝ ኣዕሪፉ።

መንግስቲ ሰይድ ባሬ ከም ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ብ1983 ዓ/ም ምብታኑ ስዒቡ እታ ሃገር ኣደዳ ዕጡቓት ጉጅለታት ኮይና ፀኒሓ።

ኤርትራዊ ሱሌማን ሑሴን ነባርነቱ ኣብ ለንደ ኮይኑ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላትን ተንታኒ ፖለቲካ ዞብ ቀርኒ ኣፍሪቃን እዩ::

ከም ናቱ እምነት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብ1980ታት ኣብ ሶማልያ ኣወንታዊ እጃም ይፃወቱ ነይሮም::

ምኽንያቱ ድማ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ስልጣን ዝደየቡ ክልቲኦም ተቓለስቲ መሓዙት ውድባት: ንደርጊ ስዒሮም ሰላማዊ ዝኾነ ርክብ ስለዝነበሮም::

ኣብ ሶማልያ ብሕብረት ዝወስዱዎ ዝነበሩ ጥርኑፍ ስጉምቲ ድማ ኣብታ ሃገር ሰላም ንክዓስል ስሙር ነይሩ::

ዶብ መሰረት ገይሩ ዝተፈጠረ ጎንፂ ግን ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ክሳብ ሎሚ ካሊእ መልክዕ ክትሕዝ ገይሩዎ::

ኲናት ኢድ ኣዙር

ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ብዋዙ ዝኣተውዎ ብዙሕ ደም ዘፋሰሰ ኲናት ክሳብ ሎሚ መዕለቢ ኣይተረኸቦን።

እቲ ኲናት ዶብ ጠጠው ዝበለ'ኳ እንተመሰለ: የግዳስ እቲ ጎንፂ ኣንፈቱ ቀይሩ ናብ ሶማልያ እዩ ዘይሩ::

ኣብታ ዳርጋ ን20 ዓመታት መንግስቲ ኣልባ ኮይና ዝፀንሐት ሃገር ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይልታት ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻሊእ ብምድጋፎም፥ ኲናት ሕድሕድ ተበላሊሑ እታ ሃገር ናብ ዘይትወፆ ቅልውላው ኣትያ: ይብል ኢትዮጵያዊ ተንታኒ ድሕንነትን ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ ዶክትሬት ካምብሪጅን ጎይቶኦም ገብረልኡል::

"ኣብ ውሽጢ ሶማልያ ክልተ ዓይነት ቃልስታት እዮም ይካየዱ ነይሮም፤ ዞባዊን ከባብያውን። ክልቲኦም ነፂልካ ዝረአዩ ኣየይኮኑን፥ ተመጋገብቲ እዮም። መጀመርታ ጎንፂ ሶማልያ ኣብ መንጎ ሕድሕድ ጉጅለታት ኮይኑ ዘቤታዊ 'ዩ ነይሩ:: ደሓር ግዳማውያን ሓይልታት ኣትዮም ናብ ኢድ ኣዙር ኲናት ምስ ቀየሩዎ ካሊእ መልክዕ እናሓዘ መፂኡ" ይብል ጎይተኦም።

ሕብረት እስላማዊ ቤትፍርዲ ምቕማጡ ኣብ መቛዲሾ ዝኾነ ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ዝነበረ ፌዴራላዊ ሽግግር መንግስቲ ከጥፍእ ዝተልዓለ እዩ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ሽግግር መንግስቲ ሶማልያ ብዝተገብረሉ ፃውዒት ምኽንያት ገይሩ ናብ ሶማልያ ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት ምስ ፈፀመ ኩነታት ተቐይሩ።

ፀኒሑ ኣልሻባብ ዝበሃል ኣኽራሪ ጉጅለ ካብዚ እንተመንጨወ'ኳ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ነቲ ሕብረት ኣብ ሓፂር እዋን ከምዘይነበረ ገይረሙዎ::

ኤርትራ ብወገና ነዚ ጉጅለ ትድግፍ ነይራ ዝብል ሓበሬታ ተቓሊሑ። መርማሪ ኮሚቴ (ሶማልያን ኤርትራን) ውድብ ሕቡራት መንግስታት ብ2001 ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኤርትራ ነዚ ምስ ኣልቃኢዳ ስጡም ርክብ ኣለዎ ዝተብሃለ ጉጅለ ብድሕሪት ኮይና ደጋፍ ትህብ ከምዝነበረት እሙን መረዳእታ ረኺበ ኢሉ:: ብርግፅ ኤርትራ ነቲ ዝቐርበላ ክሲ ነፂጋቶ እያ።

ነዚ ስዒቡ ጉባኤ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ማዕቐብ ኣንቢሩ ንተኸታታሊ ግዜ ድማ ኣናዊሑዎ ይርከብ።:

ይኹን ምበር እዚ መርማሪ ግጅለ ኣብዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ወርሒ ሕዳር 2010 (2017) ኣብ ዘውፀኦ ሓድሽ ፀብፃብ ኤርትራ ነዚ ብግብረ ሽበራ ዝወገን ጉጅለ አልሻባብ ክሳብ ሎሚ ከምእትድግፍ ጭቡጥ መረዳእታ ኣይተረኸብኩን ኢሉ። ይኹን'ምበር እቲ ዝተነበረላ ማዕቐብ ንክለዓል ብኤርትራ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተሳኸዐን።

ሕማም ርእሲ እዚ ዞባ

ከም እምነት ጎይተኦም፥ ኢድ ኣዙር ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሶማልያ ኣብዚ ዞባ እቲ ዝዓበየ ናይ ዘይምርግጋዕን ዕግርግርን ምንጪ ኾይኑ።

ከምኡ ውን ብዓብዩ ኣብ ኤርትራ ከምኡ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያን (ብፍላይ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ) ኣብ ሶማልያን ልምዓት ክተኣጓጎል ገይሩ።

አረቲ ተንታኒ ከምዝብሎ፥ ኣብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ግዝኣት ኦጋዴን ንምግንፃል ብረት ሓንጊጡ ዝንቀሳቐስ ብሄራዊ ግንባር ነፃነት ኦጋዴን ዝተብሃለ ጉጅለ ሶማሊ ኢትዮጵያ ሰላም ክስእን ዓብይ እጃም ነይሩዎ።

መርማሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ 2007 ዓ/ም ኣብ ዘወውፀኦ ፀብፃብ እዚ ጉጅለ ብቐጥታ ኤርትራ ናይ ስንቅን ዕጥቕን ድጋፍ ክትገብረሉ ከምዝፀንሐት ይገልፅ።

ብዙሓት ከምዝብሉዎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዘይምቅድዳው ብሰላም እንተዘይወዲኦሞ ኣብዚ ዞባ ሰላም ኣይዓስልን።

"ኣብ መንጎኦም ሰላም እንተዝመፅእ፥ ኣብ መላእ እዚ ዞባ ምርግጋዕ ከምዝፍጠር ይኣምን። ብተፀራሪኡ ከምቲ ሐዚ ዘለዉዎ ዝቕፅሉ እንተኾይኖም አብዚ ዞባ ዘለዉ ተፃረርቲ ጉጅለታት በብወገኖም እናደገፉ ከምዘጋድዱዎ ምጥርጣር ልክዕ እዩ" "ይብል ሱሌማን ሑሴን።

ኣብዱልራህማን ሰኢድ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዩኒቨርስቲ ኬንት አፈታትሓ ጎንፂ ዘፅንዕ ኤርትራዊ ተንታኒ እዩ።

ከም እምነት ኣብዱልራህማን ፥ ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ንከትግለልን በኣኣ ዝሕገዙ ጉጅለታት ንክዳኸሙን ዓብይ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ሰሪሓ እያ። " ብዓይኒ ሶማልያ እንተድኣ ርኢናዮ ግን፡ ካብ ኣባልነት መንግስቲ ናብ ፅግዕተኛ ሃገር እያ ተሰጋገራ ዘላ ። ብርግፀኝነት ንምዝራብ ምምሕዳር ሶማልያ፡ ምንግስታት ኣዲስ ኣበባን ናይሮቢን ብመይላ ዝቆፃፀርዎ ኣካል እዩ። "

ተንታኒ ቢቢሲ ጉዳያት ድህንነት ኣፍሪቃ ዝኾነ ኦላዲፖ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊኣ ካብ ምኽባር ሰላም ብተወሳኺ ዕዙዝ ግደ ተበርክት ከምዘላ እዮም ዝኣምኑ።

"ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሶማልያ ዝነበረ ኣልሸባብ ዝመከተትሉ ጊዜ ምልስ ኢልካ ምርኣይ የድሊ" ዝብል ኦላዲፖ፡ ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ብጁሃዲስታት ኣቢላ ፅዕንቶ ክትፈጥር እያ ኢላ ትሓስብ ከምዝነበረት ይገልፅ።

"ነዚ ድማ እዩ፡ ኢትዮጵያ ወተሃደራታ ካብ ግዝኣት ሶማሊያ እንከየውፅአት፡ ንዓመታት ንክፀንሑ ዝገበረት" ይብል።

ብካልእ ወገን ድማ፡ ኤርትራ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሶማሊያ ብዕሊ እትገብሮ ነገር ከምዘየለ ኦላዲፖ ይሕብር።

ዕርቅ ን ፅልእን ዘይብሉ ምፍጣጥ ሕዚ እውን ቀፂሉ ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ጥቕዓት ክትፍፅም ዘኽእላ ዓቕምን ድሌትን ኣለዋ ዝብል ጥርጣረ ከምዘለዋ ኦላዲፖ ይዛረብ።

"ምርግጋዕ ሶማሊያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ዓብይ ትርጉም ኣለዎ። ኢትዮጵያ፡ መጎራብቲ ሃገር ሶማሊያ ሰላም ንክትከውን ኩሉ ነገር እያ ትገብር። "

ዓብይ ቁጠባዊ ዕብየት ተመዝግ ከምዘላ ዝንገረላ፡ ወደብ ኣልባ ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ፡ ኣብ ወደባት ሱዳን፣ ጅቡቲ፡ ሶማሌላንድ ሽርክና ንክህልዋ ኣብ ምንቅስቓስ ትርከብ።

እዚ ድማ ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ጥንካርኣ ንኤርትራ ንምርኣይ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ወሳና ወሰን ባሕሪ ዋንነት ዶብ ኣረጋጊፃ ማለት፡ ሓይሊ ምክልኻል ኢትዯጵያ ብቐጥታ ናብ ባሕሪ መተሓላለፊ ረኺቡ ከም ማለት እዩ ክብል ይትንትን።

"ምስ ኤርትራ ኲናት ክካየድ እንተድኣ ተሓሲቡ፡ሕዚ እንሪኦ ዘለና ቀዲሙ ዝተረኸበ ሓያልነታ እተርእሉ መገዲ እዩ። እዚ ስጉምቲ ባዕሉ ዝኸኣለ ኣብይ መልእኽቲ ዘለዎ ይመስለኒ" ይብል ኦላዲፖ።

ዘዋፅእ መንገዲ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ፡ ሰፊሕ ዘይምርግጋእ ሰፊኑ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን፣ ብምክንያት ሩባ ኣባይ መንፈስ ክትዕ ዝሰፈኖ ርክብ ኢትዯጵያን ግብፅን፣ ውጥረት የመንን ኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ፣ ከምኡ እውን ውሽጣዊ ፖለቲካ ኢትዯጵያ ምዝራጉን ሓበርቲ እዮም።

ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ካልእ ምቁማቱ ገዲፉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሳትፍ ዕውት "ሕጋዊ" ፍታሕ ንምምፃእ እንተዝፅዕር፡ "እዚ እዋን ምቹው እዩ" ይብል ሱሌማን።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ፀሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ፡ ኣብዚ ቅነ ዘይተለመደ ዑደት ኣብ ኣስመራ ኣካይዶም እዮም።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዯጵያ እውን፤ ኣብቲ ዞባ ዝሐሸ ምርግጋዕ ከስፍኑ ተተስፍይሎም ኣሎ።

ጉዳይ ሶማሊያ ሕልኽልኽ እዩ። ኣብ ቤት ምኽሪን ኣብ መንጎ ጎሳታት ዘሎ ውጥረት፣ ኣውረጃውነትን ተስፋሕፊሑ ኣሎ።

" ይኹን እንበር ንሶማሊያ ዘድሊ ሓገዝ ኩሉ የድልያ|" ዝብል ቶሚ ኦላዲፖ፡ " ኢትዮጵያን ኤርትራን እንተድኣ ሓቢረን፡ ሕብረተን ኣብ ሶማሊያ እወንታዊ ውፅኢት ክህልዎ እዩ" ይብል።

ኤርትራ እውን ምስ ሃገራት ወፃኢ ዘላዋ ርክብ እንተድኣ ኣመሓይሻ፡ ኣብ ጉዳይ ሶማሊያ እወንታዊ ግደ ከምዘለዎ ዝሕብር ኦላዲፖ፡ "ሕዚ እውን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ሑቡራት መንግስታት ስለትርከብ፡ ብኣለም ለኸ ደረጃ ፅቡቕ ምስሊ የብላን" ብምባል የገንዝብ።

"ብዙሓት ሰባት ኣብ ኤርትራ ጥርጣረ ኣለዎም። እዚ ጥርጣረ እንተድኣ ተላዒሉ፡ ኤርትራን ሶማሊያን ናብ ቅድሚት ክስጉማ ይሕግዘን እዩ። "