ቅልውላው ትግራይ፡ ተጋሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ‘ግዳያት ማእሰርትን ምንግልታዕን ኮይንና' ይብሉ

ማእሰርቲ ተጋሩ

ምንጪ ስእሊ, Sean Gullip

ኣብዚ ሰሙን ተጋሩ ነበርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣባላት ፖሊስ ሲቪል ምስ ዝተኸድኑ ናይ 'ድሕነት ሰባት' ብምዃን ብብዝሒ ከም ዝኣሰሩዎን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽወን ዝገልጹ ሓበሬታታት ክወጽኡ ቀንዮም።

ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ማእከላይ መንግስቲ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ኲናት ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰራዊቱ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ብምስሓብ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከም ዝገበረ ገሊጹ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ተደፊኡ ከም ዝወጽአ ዝገልጹ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ንርእሰ ከተማ እቲ ትግራይ መቐለ ሓዊሱ ብዙሓት ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸሩ ይገልጹ።

ድሕሪ'ዚ ምዕባለታት'ዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ሲቪል ብዝተኸድኑ ኣባላት ጸጥታ "ብግፋ ንእሰር፣ ንንገላታዕን ንውቃዕን ኣለና" ዝብል ጥርዓን ዘቕርቡ ዘለው።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግን 'ዋላ ሓደ ብምኽንያት መንነቱ ግዳይ ዝኾነ ሰብ የለን፤ እቲ ዝብሃል ዘሎ'ውን ክኸውን ኣይኽእልን' ብምባል ነቶም ዝቐርቡ ዘለው ጥርዓናት ነጺጉዎም።

ቢቢሲ ካብዞም ኣባላት ስድርኦምን መሓዙቶምን ብዘይፍርዲ ከም ዝተኣሰሩዎምን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖምን ዝዛረቡ መሰኻኽር ዓይኒ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

እቶም ነበርቲ እንታይ'ዮም ዝብሉ?

ብሰኑይ፡ ብብዝሒ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ዝነብሩለን ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ስቪል ዝተኸድኑ ግን ድማ ኣካላት ጸጥታን ድሕነትን ከም ዝኾኑ ዝዛረቡ ሰባት መለለዪ መንነት ክሓቱን ክፍትሹን ከም ዝተራእዩ መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

ሰላም ዝተባህለት ነባሪት፡ ኣብ ከባቢ ሸገር ህንጻ ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ግሮሰሪ ክፍሊ ሒሳብ [ካሸሪ] ኮይና እያ ትሰርሕ።

ንሳ ካብ ቀረባ መዓልታት ንነዘ ተደጋጋሚ ምንግልታዕን ማእሰርትን ከም ዝበጽሓ ክትገልጽ እንከላ ሕዚ ድማ ሓዋ ብዘይኣበር ከም ዝተኣስራ ትዛረብ።

"ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ሓወይ ምሳሕ እናበልዐ ሃንደበት መጺኦም ሓይልታት ጸጥታ ኢና ኢሎም ወሲዶምዎ። ኣበይ ከም ዝኣተወ ኣይንፈልጥን፤ ብወረ ግን ኣዋሽ ኣርባ ኣሎ ሰሚዕና። ሃንደበት መጺኦም'ዮም ገፊፎም ዝወስዱ" ትብል።

እዚ ተርእዮ ኣብ ኩሉ ቦታታት እታ ከተማ ከም ዝተራእየን ገለ ተጋሩ ዘንቀሳቕሱዎም ናይ ንግዲ ቦታታት ከም ዝዕሸጉ፣ ወነንቶም ከኣ ከም ዝእሰሩን ፖሊስ ዘሰነዮም ስቪል ዝተኸድኑ ሰባት ኣካላዊ ማህሰይቲ ከይተረፈ ከም ዘብጽሑሎም በረኸት ክንፈ ዝተባህለ [ሽሙ ነዚ ዛንታ ዝተቐየረ] ነባሪ እታ ከተማ ገሊጹ።

"ኣነ ንርእሰይ ምሳሕ ኣብ ዝበልዐሉ ገዛ ሰባት ናብ መኪና ኣእቲዮም ክወስዱዎም ምስ ርኣኹ ዝቐረበ ምግቢ ከይላዕኹዎ'የ ወጺአ። ሽምካን ታሴራኻን ምስ ትግራዋይ ዝተኣሳሰር እንተኾይኑ፡ ብፍሉይ ኢኻ ትርአ። ኣብ ልዕሊ ተጋሩ መሰረት ዝገበረ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጸቕጥን ግፋን ይርኣይ ኣሎ" ኢሉ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቕመጡ ተወለድቲ ትግራይ ኮይኖም ምስ ሚድያ ኮነ ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያት ተጠርጢርኩም ብዝብል ምኽኒት ዝተኣሰሩ ሰባት ከም ዘለው ገሊጹ ነይሩ።

ነዚ ብቐረባ ይከታተሎ ምህላው ክሕብር እንከሎ "ዝኾነ ይኹን ማእሰርቲ ግን ሕጋውነት ጥራይ ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ" ምባሉ ይዝከር።

ኣብዚ ጉዳይ ቢቢሲ ዝተወከሶ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግን 'ዋላ ሓደ ብምኽንያት መንነቱ ግዳይ ዝኾነ የለን፤ እቲ ዝብሃል ዘሎ'ውን ክኸውን ኣይኽእልን' ብምባል ነቶም ዝቐርቡ ዘለው ጥርዓናት ነጺጉዎም።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርኢይቶ ግን፡ ኣብታ ከተማ ግዳያት ብሄር ተኮር መጥቃዕቲ ይኾኑ ከም ዘለው'ዮም ዝዛረቡ።

ብሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ምስ መሓዙቱ ሻሂ ይሰትየሉ ኣብ ዝነበረ ሆቴል ናይ ፖሊስ ፌደራል ደንቢ ልብሲ ብዝተኸደኑ ሰባት ተኸቢቡ ስቪል ብዝተኸደኑ ሰባት ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖን ሓቢሩዎ ዝነበረ መሓዝኡ በቶም ፖሊስ ከም ዝተወስደን ዝዛረብ ኣመራርሓ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ክብሮም በርሀ: ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነጻጸረ "ጅምላ" ማእሰርቲ ኣሎ ኢሉ ይኣምን።

"ምዕጻው ትካላት ንግድን መውቃዕትን ኣሎ፤ ሰባት ይንከላበቱ፣ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግበር። ሰባት ተገፊፎም ይእሰሩ'ሞ ተጋሩ ዘይኮንኩም ውጽኡ ዝብሃለሉ ኣጋጣሚ ኣሎ" ድማ ይብል።

እዞም ብብሄርና ምኽንያት ግዳያት ማእሰርትን ምንግልታዕን ኮይንና ዝብሉ ዘለው ወሃብቲ ርኢይቶ፡ ኣብ ዝተትሓዝሉ ግዜ ብስሩዕ ናብ ፖሊስ ወይ ቤት ፍርዲ'ውን ከም ዘይቐርቡ ይገልጹ።

ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ሰለስተ ኣሕዋታን ሓሙሽተ መሓዙታን ከም ዝተኣሰሩ ዝገለጸት ሄለን ዝተባህለት ካልእ ነባሪት ብወገና፡ "መለለዪ መንነት ርእዮም፡ ናይ ትግራይ ኮይኑ ምስ ረኸቡዎ እናጋፍዑ ወሲዶምዎም። ሕጊ ኣሎ ኢልና ከይድና ሕጊ ኣይቕበለናን፤ መሊስና ንእሰር። ካልእ ተሪፉ ብትግርኛ ክነውግዕ እንተሰሚዖምና ከም ሌባን ጥርጡርን ኢና ንርአ" ዝብል ሕርቃን ኣለዋ።

ወሃቢ ቃል እቲ ብመንግስቲ ዝምወል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣይተ ኣሮን መዓሾ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል: እቲ ኮሚሽን ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነጻጸረ ማእሰርትን ምንግልታዕን ምህላው ዝገልጹ ጸብጻባት ከም ዝበጽሖ ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሉዎ ከም ዘለውን ዝርዝር ሓበሬታ ብመገዶም ወግዓዊ ከም ዝገብሩን ብምግላጽ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ክቑጠብ ከም ዝመርጽ ተዛሪቡ።

ብሰሉስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣመራርሓ እታ ከተማ ኣብ ዝነበሮ መድረኽ ዘተ፡ ኣብታ ከተማ እናነበሩ ሃገር ንምንዓብ ዝንቀሳቐሱ 'ደገፍቲ ጁንታ' ዝበሎም ከም ዘይዕገስን ስጉምቲ ከም ዝውሰዶምን ተገሊጹ ነይሩ።

ምኽትል ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ነቶም ኣመራርሓ ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ "ኣብዛ ከተማ ንጁንታ [ህወሓት] ዝድግፉ ሓይልታት ኣለው'ዮም። ክሳብ ሕዚ ነዚ ንምፍላይ ጻዕሪ ክግበር ጸኒሑ'ዩ፤ ነዚ ክርድኦም ኣብ ልዕሊ ዘይክኣለ ግን ተሓታትነት ክረጋገጽ ኣለዎ" ኢላ።

ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶክተር ዳኒኤል በቀለ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ኢትዮጵያ መንግስታውያን ኮነ ዘይመንግስታውያን ኣካላት እቲ ዘሎ ኩነታት ካብ ምግዳድ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልእን ጥርጣረታትን ካብ ዝፈጥሩ መደረታት ክእርነቡ ከም ዘለዎም ምዒዱ ነይሩ።

ምኽንያት እቲ ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ ግፋን ማእሰርትን ግልጺ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ረስኒ ውልቀሰባትን መራሕትን ዝህቡዎም "ናይ ጽልኢ ዘረባታት" ተራ ይጻወቱ ከይህልው ሓደ በረኸት ዝተባህለ ነባሪ እታ ከተማ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኮሚሽነር ዶክተር ዳኒኤል፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኸውን ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ወጥሪ እናኸረረ ብምምጽኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዘጋጠሙ ጎንጽታት ሞት፣ ምምዝባልን ዕንወት ንብረትን ስለዘኸተሉ ነቲ ጸገም ከምዘተሓላለኽዎ ድማ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዝተፈጠሩ ጎንጽታት ህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ዝጠፍአ፣ ምምዝባል ከም ዘጋጠመን ንብረት ከም ዝዓነወን ዘዘኻኸረ እቲ ኮሚሽነር፡ እቲ ወጥሪ ሎሚ'ውን ብዘይምህድኡ 'ኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ከምእትርከብ" ገሊጹ።