ቅልውላው ትግራይ፡ ኣመሪካ ኣብ ትግራይ ብልዝብ ዝተሰነየ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዓ

ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ሻምናይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ትግራይ ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ፡ ኣብ ልዝብ ዝተመስረተ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዑ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ከምዚ ዝበለ፡ ትማሊ ሰሉስ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።

እቲ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኣመሪካ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ክልል ትግራይ ብቕልጡፍን ብዝተረጋገጸን ክወጽኡ ሓቲቱ ኣሎ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት 'ምጽናት ዓሌት' ከምዝተፈጸመ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ብሊንከን፡ ወሲኹ'ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ንሕሱም ጥሜትን ዓጸቦን ተቓሊዑ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ብቅልጡፍን ብዘይ ዝኾነ ገደብን ረድኤት ዝሓልፍሉን መገዲ ክኸፍቱ ሓቲቱ።

መንግስቲ ፌዴራል ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ካብ ዝእውጀጅ ጀሚሩ፤ ኤሌክትሪክ፣ ስልክን ዝተቛረጹ ኾይኖም፤ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ረድኤት ናብቲ ክልል ምሕላፍ ከምዝተጸገሙ ይገልጹ ኣለዉ።

“ብጉልበት ኮነ ነቲ ሕገመንግስቲ ብምጥሓስ ውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ለውጢ ዶባት ከይግበር” ዝብል’ውን ኣብ’ቲ መግለጺ ተኻቲቱ ይርከብ።

‘ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያትና ኢድኩም ኣይተእትዉ’ ክብል ዝስማዕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ እዚ መግለጺ ግን ዛጊድ ዝበሎ የለን።

ኣብታ ሃገር ዝረኣይ ዘሎ ፖሊቲካዊን ዓሌታውን ምትፍናናት ፍታሕ ንኽረክብ ሃገራዊ ዝርርብ ክካየድ'ውን ጸዊዑ ኣሎ።

ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ይገልጹ።

ኣስታት 1.8 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እቲ ክልል’ውን ብሰንኪ እቲ ኵናት ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብሪሆም።

ኣመሪካ፣ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ብወገኖም፡ "ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ይስርሓሉ ኣሎ” ዝብል ክሲ ብምቕራብ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።

ምቁራጽ ተጻብኦታት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓይልታት ትግራይ፡ ንርእሰ ከተማ መቐለ ኣብ ዝቖጻጸርሉ እዋን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ዝኣወጀ ኾይኑ፡ መራሕቲ ትግራይ ድማ መጀመርታ ‘ቀልዲ’ እዩ ዝብል ምላሽ ሂቦምሉ ነይሮም።

እንተኾነ ጸኒሖም፡ ተኹሲ ደው ንምባል 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ-ኩነት ኣቕሪቦም።

ካብቶም ቅድመ ኩነታት፡ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፌዴራል መንግስቲ ኮይኖም ክዋግኡ ዝጸንሑ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብቲ ክልል ጠቕሊሎም ክወጽኡ ኣለዎም ዝብል ይርከቦ።

ዛጊድ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ቅድመ-ኩነት ኣመልኪቱ ዝተውሃበ ርእይቶ የለን።

ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ‘ናትና እዩ’ ኢሎም ዝምጉትዎ ንምዕራብ ትግራይ ኣብ ቁጽጽሮም ገይሮም ዝርከቡ ኮይኖም፡ ኣብቲ ከባቢ ውግእ ከይለዓል ስግኣታት ሰፊኑ ኣሎ።

------

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ብህወሓትን ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይን ዝነበረ ምውጣጥ ሰማይ ዓሪጉ፡ ብ04 ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኩናት ምስተወልዐ፡ ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ቅልውላው ኣስዒቡ።

ንክልላዊ መንግስቲ ዝመርሕ ዝነበረ መሪሕ ውድብ ህወሓት ምስተኣለየ፡ እታ ክልል ብፌደራል መንግስቲ ብዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክትመሓደር ፀኒሓ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዝተኻየደ ከበድቲ ውግኣት ግና: መቐለን እትርከበን ከተማታት ትግራይ ኣብ ቁፅፅር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣትየን ይርከባ።