ኣብ ትግራይ ዝተቛረጹ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ክምለሱ ኢሰማኮ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ማይን ቴሌፎንን ናብ ስሩዕ ስራሕ ክምለሱ ከምዝግባእን ብዛዕባ ወድዓዊ ጸጥታዊ ኩነታትን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝምልከት መረዳእታ ዕላዊ ምግባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ በይናዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ምውሳዱ ሲዒቡ ኣብ ትግራይ መሳለጥያታት መራኸቢ ከምዝተቛረጸ ዝሓበረ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ድሕነት ነበርቲ ንምውሓስ ዝሕግዙ ስጉምትታት ክውሰዱ ከምዝግባእ ሓቢሩ።
እቲ ጎንጺ ሰለማዊ ብዝኾነ መገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕርን ሓለዋን ተበጻሕነትን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛትን ዝተባባዕ’ዩ ዝበለ እቲ ኮምሽን፡ ድሕነትን ሰብኣዊ መሰላትን ሰለማውያን ሰባት ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ትግራይ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ቴሌፎንን ማይን ስለዝተቛረጹ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዜጋታት ልዑል ጸቕጢ የስዕብ ከምዘሎ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣገልግሎታት ባንክን ትካላት ጥዕናን’ውን እንተኾነ ተቛሪጹ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ብሰንኪ ምቁራጽ መሰረታውያን ኣገልግሎታት፡ ዓለም ለኻውያን ትካላት ረድኤት ኣብ ትግራይ ንዘካይድዎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣዕርዩ ከምዝሃሰዮ ዝሓበረ እቲ ኮምሽን፡ ብዛዕባ ካብ ውሽጢ ዝተመዛበሉን ስደተኛታት ደቂ ካልእ ሃገርን ዘለውሉ ኩነታት ምፍላጥ ኣይተኸኣለን ኢሉ።
ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት፡ ትግራይ ንቀረብ ህጹጽ ረድኤት ክፍቲ ክትከውንን ከም መጓዓዝያን ቴሌፎንን ዝኣመሰሉ መሳለጥያታት ድማ ናብ ንቡር ክምለሱን ጸዊዖም ኣለዉ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ፈሊፒ ግራንዲ፡ ማዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋን ሽረ እንዳስላሰ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያን ንበረራ ክፍቲ ክኾኑ ሓቲቱ’ሎ። ካብተን ማዕርፎ ነፈርቲ ብተወሳኺ ንዝተጸገሙ ሰባት ክንበጽሓሎም ምእንቲ መብራህትን ቴሌን ስርሑ ክጅምር ኣለዎ ኢሉ።
ኣብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓላፊ ጉዳያት ወጻእን ድሕነትን ጆሴፍ ቦረል ብወገኑ፡ እሙን ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ማለት ህጹጽ ረድኤት ንዘድልዮም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ሰብኣዊ ሓገዛት ክበጽሖም ምግባር ማለት እዩ ኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ተመዲቦም ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ተምሃሮ ወለዶም ድሃይ ደቆም ስለዘይብሎም መንግስቲ መብርሂ ክህቦም ከምዝሓተቱ ብምጥቃስ ድሕነት ዜጋታት ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ከምዝኾነ ኣነጺሩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቕመጡ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ኮይኖም ምስ ሚድያ ኮነ ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያት ተጠርጢርኩም ብዝብል ምኽኒት ብዛዕና ናይ ዝተኣሰሩ ሰባት ጉዳዮም ብቐረባ ይከታተል ከምዘሎ ዝሓበረ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ዝኾነ ይኹን ማእሰርቲ ሕጋውነት ጥራይ ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ” ክብል ኮምሽነር ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ኢትዮጵያ መንግስታውያን ኮነ ዘይመንግስታውያን ኣካላት እቲ ዘሎ ኩነታት ካብ ምግዳድ ኢሉ’ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ጽልእን ጥርጣረታት ካብ ዝፈጥሩ መደረታት ክእንደቡ ከምዘለዎም ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ ምዒዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







