ኣመሪካ: ኣብ ትግራይ 'ምጽናት ዓሌት' ተፈጺሙ ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Pool
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት ‘ምጽናት ዓሌት’ ከምዝተፈጸመ ገሊጹ።
ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማሊ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ እታ ሃገር፡ ቀሪቡ ምስክርነቱ ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ ከምኡ ዝበለ።
ንሱ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ኣብ ትግራይ ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ ዝበሎም ሓይልታት ኣምሓራን ወተሃደራት ኤርትራን ካብቲ ክልል ብህጹጽ ለቒቖም ክወጽኡ ምሕታቱ ዝዝከር ኮይኑ ሕዚ'ውን ኣትሪሩ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መግለጺ ምላሽ እንትህብ ግን፡ እቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ግፍዒ ይፍጽሙ ኣለዉ ተባሂሎም ዝኽሰስ ዘለዉ ፍሉይ ሓይልታት ኣምሓራ 'ይውጽኡ' ምባሎም ብምቅዋም፡ ብዛዕባ ወተሃደራት ኤርትራ ግን ኣብ ምላሹ ዝበሎ ነገር ኣይነበረን።
ቅድም ክብል ፡ ክልቲኦም መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዮም ዝብል ክሲ ክነጽግዎ ጸኒሖም እዮም።
ብሊንከን ካልእኸእንታይ ኢሉ?
ንሱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ይካየድ ኣሎ ዝበሎ ምጽናት ዓሌትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጠጠው ከብሎ እዩ ኣትሪሩ ሓቲቱ።
ብፍላይ ድማ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ካብቲ ክልል ክወጽኡ ከምዘለዎም ደጊሙ ተዛሪቡ።
“ከምቲ እትፈልጥዎ ኣብ’ቲ ክልል ሓይልታት ኤርትራ ኣለዉ። ካብ ጎረቤት ክልል ኣምሓራ ድማ ዕጡቓት ሓይልታት ኣትዮም ኣለዉ። እዚኦም ካብቲ ክልል ጠቕሊሎም ክወጽኡ ኣለዎም። ኣብ ክንደኦም፡ ካልኦት ከምቲ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ፡ ዝኸውን ዘሎ ግህስት ሰብኣዊ መሰላት ዘይፍጽሙን ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ዓሌት ምጽናት ጠጠው ዘብሉ ሓይልታት ድማ [የድልዩ]” ኢሉ።
ብሊንከን ወሲኹ ድማ፡ “ከምኡ’ውን ኣብቲ ክልል ንዝተፈጸመ ግፍዒ ተሓታትነት ክሰፍን ኣለዎ፤ ዘይሻራዊ ምጽራይ ድማ ክግበር ንደሊ” ኢሉ።
ንሱ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘለዎ ቅረታ ርዱእ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝፍጸም ዘሎ ግን ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ።
ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ብሊንከን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ክልል ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ለኻዊ ምርመራ ክግበር ክፈቅድ ሓቲቱ ነይሩ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ‘ኲናት ትግራይ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ’ ብምባል፡ ነቲ ካብ ኣመሪካ ዝቕርበሉ ክሲ ይነጽግ።
ሰብኣዊ ሓገዛት ንምግባር ‘ዳርት’ ዝበሃል ጉጅለ ኣመሪካ ናብቲ ክልል ተዋፊሩ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ከምዘሎ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ትማሊ ድማ ብኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ልኡኽ ጉጅለ ናብ መቐለ ከምዝበጽሕ ተገሊጹ ነይሩ።
ካልኦትከ እንታይ ኢሎም ነይሮም?
እቲ ኣብ ትግራይ ራብዓይ ወርሑ ኣቑጺሩ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ነቲ ክልል ይመርሕ ዝነበረ ህወሓትን ፌዴራል መንግስትን ዘጓነፈ ጎንጺ፡ ኣብቲ ክልል ብዙሕ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣስዒቡ ከምዘሎ ይዝረብ።
ውድብ ህቡራት ሃገራት፡ ኩሎም እቶም ተጻባእቲ ሐይልታት ብገበናት ዂናት ዘሕትት ተግባር ይፍጽሙ ከይህልዉ ኣጠንቂቑ።
ዓለም ለኻዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ኤርትራ: ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኣክሱም: ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቐተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ጠቒሱ ኣቃሊዑ እዩ።
ሂዩማን ራይትስ ዎችን’ውን፡ ነቲ 'ከም ገበናት ኲናት ክቁጸር ዝኽእል እዩ' ዝበሎ እቲ ኣብ ኣኽሱም ዝተፈጸመ ግፍዒ፡ ደጊሙ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 'ከጻርዮን ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስድን' ምሕታቱ ይዝከር።
ኤርትራ እቶም ዝቐረቡ ጸብጻባት መሰረት ዘይብሎም ክትብል ነጺጋቶም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ’ውን፡ እቶም ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ‘መሰረት ዘይብሎም ክስታት’ ክብል ኣብዚ ሰሙን ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ ተዛሪቡ።
ኣመዓባብላእቲጎንጺ
ኣብ መንጎ ብህወሓት ዝምራሕ ክልል ትግራይን ፌዴራል መንግስትን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝዘለቐ ፍሕፍሕ፡ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምስ ኣናወሐ ተጋዲዱ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ነቲ ውሳነ ዘይተቐበሎ እንትኸውን፡ መንግስቲ ፌዴራል ዘይሕጋዊ ዝበሎ ክልላዊ መረጻ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ምስ ኣካየደ ድማ፡ እቲ ጎንጺ እናዓረገ ከይዱ።
ቀዳመይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ‘ህወሓት ኣብ ልዕሊ መዓስክር ወተሃደራት መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ ኢሉ ምስ ከሰሰን፡ ብሕዳር 4 ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ምስ ኣዋጀን፡ እቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ጎንጺ ኣምሪሑ።
ነዚ ስዒቡ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሕዳር ፌዴራል መንግስቲ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ እቲ ኲናት ከምዘብቀዐ እንተገለጸ'ኳ፡ ውግእ ቀጺሉ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ይገልጹ።
ብዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብቲ ክልል ኣማኢቲ ኣሻሓት እንትመዛበሉ፡ ናብ ሱዳን ድማ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ምስዳዶምን፣ ኣብቲ ክልል ከቢድ ጥሜትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣንጸላልዩ ከምዘሎን ይዝረብ።
ኣብቲ ክልል፡ ጾታዊ ዓመጽ፣ ገበናት ኲናትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝተፈጸሙን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከጻሪ ክፍቀደሉ ምሕታቱን ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







