ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ቀላሲ ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Family
ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብ ህይወቱ ንኻልኣይ ግዜ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ኲናት ንክገጥም ናብ በረኻታት ትግራይ ወሪዱ ይብል ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ፡ ኣሌክስ ዴቫል።
እዚ ኮማንደር ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ጻድቃን ዓለምለኻዊ ተንታኒ ድሕነትን ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣለው ዝብሃሉ ሓንጸጽቲ ወተሃደራዊ ስትራቴጅን እዩ።
ሕዚ፡ ወዲ 68 ዓመት ጀነራል ጻድቃን፡ ብ1976 ዓ.ም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝከታተሎ ዝነበረ ትምህርቲ ስነህይወት ኣቋሪጹ ናብቲ ህወሓት ዝመርሖ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ተጸምቢሩ።
ኣብቲ ግዜ ነቲ ንምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን ዘርዕድ ዕጥቅን ወተሃደራዊ ቑመናን ዝነበሮ ማርክሲስታዊ ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ብዕጥቂ ዝቃለሱዎ ውሑዳት ኣማኢት ኮይኖም ኣብ በረኻታት ትግራይ ነይሮም።
ትንታንኡ፣ ንትካላዊ መሪሕነት ዘለዎ ክእለትን ዓቕምን ኣብ መወዳእታ 1980ታት ካብ ብጾቱ እምነት ክረክብ ስለ ዝገበሩዎ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝኽበሩን ዝፍተውን ኮማንደራት ክኸውን በቒዑ።
ብ1991፡ ህወሓት ሜካናይዝድ ክፍለ ሰራዊታት ሓዊሱ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰራዊት ነይሩዎ።
ኣብቲ ዓመት ወርሒ ግንቦት ጀነራል ጻድቃን ምስ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ኣዲስ ኣበባ ንምቁጽጻርን ስርዓት ደርጊ ንምውዳቕን ህወሓት ዝመርሖ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከፊቶም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተጋደልቲ ህወሓት ኣዲስ ኣበባ ምስ ተቖጻጸሩ ንጀነራል ጻድቃን ኣብ ጥቓ ሂልተን ሆቴል ግዝያዊ ቦታ ኣውሒሶምሉ።
ኣብኡ'ዩ ኣብ ውሽጢ 15 ዓመት ንፈለማ እዋን ጨርቂ መንጸፍ ኣብ ዝተነጸፎ መደቀሲ ዓራት ጎኑ ኣዕሪፉ።
መጥቃዕቲ ኣንጻር መዓስከር ኣልቃዒዳ
ንዝቕጽሉ ሸውዓተ ዓመታት ጀነራል ጻድቃን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ምህናጽ ለፊዑ።
ናይ ጀነራል መዓርግ ተዋሂቡዎ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከኣ ኮይኑ።
ጀነራል ጻድቃን 10 ዓመት ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ሰራዊት ማዕረ ተዋጽኦ ብሄር ብሄረሰባት የብሉን ዝብሉን ነቐፌታ ይቐርበሉ ነይሩ።
እዚ ሰብ ብምሕደራ ቢዝነስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦፕን ዓዲ ኢንግሊዝ ተመሪቑ።
ፕሮፌሰር ግራም ሳልማን መምህሩ ነይሩ። ገለ ተዘክሮታት ኣለዎ።
"ክገጥመካ ካብ ዝኽእል ግጉይ ኣመለኻኽታ ዘለዎ መኮንን ሰራዊት ኣዝዩ ዝተፈለየ ሰብ'ዩ፤ ሱቕተኛ፣ ኣዳማጺ፣ ኣዕᎁቑ ዝሓስብ፣ ሓነኽን ክፉት ኣእምሮን ዘለዎ ሰብ እዩ" ክብል ይገልጾ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ እንተኣእኸለ'ውን ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን ትሕመስ ነይራ።
ብ1996፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከር ኣልቃዒዳ መጥቃዕቲ ንምኽፋት ኣባላት ሰራዊቱ ናብ ሶማሊያ ክልእኽ እንከሎ፡ ንተቓወምቲ ፕሬዝደንት ሱዳን ነበር ዖማር ኣልበሽር ንምሕጋዝ'ውን፡ ናብ ዶብ ሱዳን ዘውፈሮም ሰራዊት ነይሮም።
ካብ ሰራዊት ምክልኻል ተሰጒጉ
ጀነራል ጻድቃን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብፕሬዝደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ንኢትዮጵያ ስግኣት ከም ዝኾነ ንቐዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ ደጋጊሙ የጠንቅቖ ነይሩ።
እዚ ዕሽሽ ተባሂሉ ብ1998 ዶባዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት ክልዓል እንከሎ ግን ጀነራል ጻድቃን ቀላሲ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነይሩ።
እዚ ኲናት ኣዝዩ ዝኸፍአን ደማውን ስለ ዝነበረ ብኽልቲኡ ሸነኽ ህይወት 80 ሽሕ ሰባት ረጊፉ'ዩ።
ኣብ ወርሒ ሰነ 2000 ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ሰይሩ ዶብ ተሳጊሩ።
ኣብቲ ግዜ ጀነራል ጻድቃን ኣስመራ ምቁጽጻር መደብ ነይሩዎ። ይኹን'ምበር መለስ ዜናዊ 'ኢትዮጵያ ሸቶኣ ስለ ዝሃረመትን ኤርትራ ስለ ዝተዋረደትን ጠጠው ኣብል' ኢሉ መሊሱዎ።

ህወሓት ብምኽንያት እቲ ኲናትን ካልኦት ፖለቲካዊ ፍልልያትን ኣብ ክልተ ተገሚዑ፤ መለስ ከኣ ነዚ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝነበረ ሙኩር ጀነራል ካብ ስርሑ ኣሰናቢቱዎ።
ሃንደበት ካብቲ ዝተሞከረሉ ስራሕ ምእጋድ፣ ብኣመራርሓ ህወሓት ምንጻል፣ ናይ ቀረባ ክትትል ሓይልታት ጸጥታ ምብዛሕ ጀነራል ጻድቃን ከም ተራ ዜጋ ኮይኑ ህይወት ክመርሕ ኣኽቢዶምሉ'ዮም።
ንሱ ግን፡ ሰራዊትታት ብኸመይ ዝርግሐ ኤችኣይቪ ክቆጻጸሩ ይኽእሉ ዝብል ጸብጻብ ኣዳልዩ።
ጸኒሑ ግን ኣማኻሪ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝገብሮ ዝነበረ ዕረያ ድሕነት ኣማኻሪ ኮይኑ ቤት ጽሕፈት ዓለምለኻዊ ልምዓት ብሪጣኒያ ተቖጺሩ።
ይኹን'ምበር እዚ ፕሮጀክት ሞያዊ ብቕዓት ሰራዊት እታ ሓዳሽ ሃገር ንምዝማን ዝነበሮ ሸቶ ኣይሰመረን።
ጀነራል ጻድቃን ኣብ ትውልዲ ከባቢኡ ብምምጻእ ኣብ ደቡብ ትግራይ ንግዲ ሆርቲካልቸርን ፋብሪካ ቢራ ራያን ጀሚሩ።

ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዐ ስምዒታት
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብ2018 ቀዳማይ ሚኒስትር ኮይኑ ክሽየም እንከሎ፡ ጀነራል ጻድቃን ሕጉስ ኮይኑ ተቐቢሉዎ፤ ሓቢሩዎ ከም ዝሰርሕ ድማ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ነባራት ኣባላት ህወሓት በዚ ነቒፎምዎ።
ብ2019፡ ንመራሕቲ ህወሓትን ኣብዪ ኣሕመድን ንምሽምጋል ኣብ ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ጉጅለ ኣትዩ ብዙሕ ጽዒሩ።
ኣብ ማእከል ሃገር ኣንጻር ተጋሩ ዘቕንዐ ዝንባለታት እናጽዓቐ ምስ መጽአ ግን ናብ ትግራይ ተመሊሱ ኣብ መቐለ ንመሪሕነት ትግራይ ክሕግዝ ጀሚሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኲናት ምስ ተላዕለ ከኣ፡ ምስ ኣመራርሓ ትግራይ ዝነበሮ ኣፈላላይ ንጎኒ ገዲፉ ናብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጸምቢሩ።
ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝበጽሕ ግፍዒ ዘስግኦም መናእሰይ'ውን ውሒዞም።
ካልኦት ቅድሚ ዓሰርታት ዓመታት ካብ ህወሓት ተገሊፎም ዝነበሩ ገዳይም ተጋደልቲ ከይተረፈ ናብ በረኻታት ትግራይ ወሪዶም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ጻድቃንን ካልኦት መራሕቲ ትግራይን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ።
ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ዝነበረ ወተሃደራዊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ከፊቶም ብምባል ብክሕደት ሃገር ክኣ ይኸሶም።
![ጀነራል ጻድቃን [ኣብ ማእከል] ካብ 1976 ክሳብ 1991 ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተሰሊፉ](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/2047/production/_119136280_503f7a22-b58a-4143-954f-31ac13fa26a5.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Tsadkan family
ዘደንቕ ወተሃደራዊ ዓወት
እቲ ኣብ ትግራይ ኣንጻር ፌደራላዊ መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ 'ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ' ብዝብል ዝምእዘን ዘሎ ኮይኑ ኣብዚ ህወሓትን ኣባላት ህወሓት ዘይኮኑን ጠርኒፉ ዝሓዘ እዩ።
ጀነራል ጻድቃን ናብቲ ማእከል ስሕበቱ ዝኾነ ኣትዩ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዘድሃበ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ "ሓመድ ልሒስና ተልዒልና" ኢሉ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ ኣብ ጎቦታት ትግራይ መዕቀሊ ንምርካብ ይሃድሙ ነይሮም፤ ብዙሓት ንቓልሲ ዝወረዱ መናእሰይ ከኣ ጥራይ እግሮም ብረት ተሰኪሞም ይጎይዩ ነይሮም።
ግን ድማ እቲ ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝገጠሞም ክባ ፈንጺሖም ብምውጻእ ከጥቅዑ ጀሚሮም።
ድሕሪ ሕጂ'ዩ ጀነራል ጻድቃን ክንደይ ዝኣኽሉ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሞይቶምን ቖሲሎምን ክዛረብ ዝኽእል።
ንኣርባዕተ ኣዋርሕ የሰልጥኑ፣ ሓይሎም የተኣኻኽቡ ነይሮም፤ ኣብ ወርሒ ግንቦት ጀነራል ጻድቃንን ካልኦት ኮማንደራትን ዝተወሰነ ክፋል ከም ዘዐወቱ ገምጊሞም።
ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ኣብ ትግራይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ጸዊዐን ነይረን።
ህወሓት እፎይታ ንምሃብ ድልዊ ከም ዝኾነ ዝገልጽ መግለጺ'ኳ እንተአውጽአ ብዛዕባ ዕርቂ ግን ዝበሎ የለን።
ብ17 ሰነ 2021፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መጥቃዕቲ ከፊቶም። ኣብ ከበድቲ ውግኣት ቦታታት ከም ዝሓዙን ንሸሞንተ ክፍለ ሰራዊታት ኢትዮጵያ ከም ዘዕነውን ገሊጾም።
ሰራዊት ምክልኻል ግን "ስኑዕ ዜና" ክብል ነጺጉዎ።
እዚ ንምጥላል፡ ጋዜጠኛታት ናብ ሜዳ ከይዶም ከረጋግጹ ወይ'ውን ንሙሩኻት ክሓቱ ትጽቢት ይግበር።
ይኹን'ምበር እዚ ክሳብ ሕጂ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዘመዝገቡዎ ዘደንቕ ዓወት ይመስል፤ በዚ ምኽንያት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከንሳሕብ ተገዲዱ እዩ።
ምስ ኤርትራ ዝስጋእ ግጭት
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መቐለ ተቖጻጺሮምዋ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻልን ከኣ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ኣዊጆም ወጺኦም።
ሕጂ ዓበይቲ ዕጥቅታት ዝዓጠቐ ምክልኻል ትግራይ፡ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ንዝዋግኡ ዘለው ሰራዊት ኤርትራ ይገጥም ኣሎ።
ሰራዊት ኤርትራ ሒዞምወን ካብ ዝነበሩ ከተማታት ወጺኦም ኣብ ከባቢ ዶብ ድፋዕ ሰሪሖም ከም ዘለው ጸብጻባት ይገልጹ።
ፕሬዝደንት ኢሳይያስ ካብዚ ኲናት ምውጻእ'ዶ ምግጣም ኣብ ዝብል መዋጥር ኣትዩ ይርከብ።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግን ኢሳይያስ ኣብ ስልጣን ክሳዕ ዝሃለወ ድሕነት ምርግጋጽ ስለ ዘይክኣል ክደፍኡ ይኾኑ'ዮም።
ስለ ዝኾነ ካልእ ዓብዪ ኲናት ክህሉ ይኽእል'ዩ።

ኣሌክስ ዲቫል፡ ዋና ዳይሬክተር ፋውንዴሽን ሰላም ዓለም እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







