ቅልውላው ትግራይ፡ ብዙሓት ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS
ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝሒ ዘለዎም ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን ከምዝተቐትሉ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ተዛሪቡ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝጠፍአ ህይወት ሰብ፡ ኣብቲ 8 ወርሒ ዝወሰደ ጎንጺ፡ ወተሃደራዊ ወጻኢ ከይሓወሰ፡ መንግስቲ ፌዴራል 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከምዝሓተቶ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ፌዴራል፡ እቲ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ብዛዕባ ዝበጽሐ ዕንወት ክዛረብ እዚ ንፈላማ እዋን እዩ።
እንተኾነ፡ እቲ ኣምባሳደር፡ ልዑል ሰብኣውን ማተርያላውን ዕንወት በጺሑ ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት መንግስቲ ይኹን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ዕንወትን ብዝሕን ኣየነጸረን።
'ሰራዊት ንመቐለ ዝወጽአ ብፖለቲካዊ ውሳነ እዩ'
አምባሳደር ሬደዋን ኣብቲ ሎሚ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምልቃቑ ፖለቲካዊ ውሳነ 'ምበር ብወተሃደራዊ ምኽንያት ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።
ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ምስተቖጻጸሩ ንፈለማ እዋን ዝወሃብ ዘሎ እዚ መግለጺ፡ እቲ ኣምባሳደር እቲ ሰራዊት ትእዛዝ እንተተዋሂብዎ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ነታ ከተማ መሊሱ ክቆጻጸራ ከምዝኽእል ድማ ተሓንዩ።
ሓይልታት ትግራይ ግን ንመቐለ ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ከተመታት ከምዝተቖጻጸረ እዩ ዝገልጽ።
ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ከባቢ ለቒቑ ስለዝወጽአ፡ ካብ ሕዚ ንደሓር ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ጎንጺ ጠጠው ንክብልን ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብቲ ክልል ንክበጽሕን ጸቕጢ ክፈጥር የብሉን ኢሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፤ ሕብረት ኣውሮጳን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ኣብቲ ክልል ኣንጸላልዩ ዘሎ ጥሜት ንምግታእን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን 'ተጻብኦታት ክቋረጹን' ብዘይገደብ መንገዲ ክኸፍትን ንፌዴራል መንግስቲ ክሓቱ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።
እቲ ኣምባሳደር ከምዝበሎ፡ መንግስቲ ዝወሰዶ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ስዒቡ ኣብቲ ዝኣቱ ዘሎ ወቕቲ ክራማት ወተሃደራዊ ጎንጺ ኣይክህሉን እዩ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ 21 ሰኑይ 2013 ዓ.ም [ከም ኣቆጻጽራ ግእዝ] መንግስቲ ፌዴራል ብቐጥታ ተፈጻሚ ዝኸውን 'ተኹሲ ናይ ምቁራጽ' በይናዊ ውሳነ፤ ሰራዊት ነታ ከተማ ለቒቑ ምውጽኡ ዝዝከር እዩ።
ብርክት ዘበላ ከተማታት ክቆጻጸሩ ከምዝቐነዩ ዝገልጹ ሓይታት ትግራይ፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝተኣወጀሉ፡ ንከተማ መቐለ ተቖጻጺርዋ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።
ኣብ ዙርያ መቐለ ድማ ተዂሲ ይስማዕ ከምዝነበረ ነበርቲ ይዛረቡ።
ትማሊ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ሽረ ከምዝተቖጻጸሩ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።
ክራይስስ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ትካል ብወገኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ክልል ተቖጻጺሮም ከምዘለዉ እዩ ጸቢጺቡ።
'ተኩሲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ዝነኣድ እዩ'
መንግስቲ ዝኣወጆ፡ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ባይናዊ ውሳነ፡ እቲ ተጻብኦታት ጠጠው ንምባል ወሳኒ ኣወንታዊ ስጉምቲ ምዃኑ ብዙሓት ይገልጹ ኣለዉ።
ሓሙሸተ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደራት ኣመሪካ ነበር፤ ብሪጣንያ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ እቲ ፌዴራል መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣድኒቖም: ካልኦት ኣብቲ ኲናት ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላት ድማ ተመሳሳሊ መርገጺ ክወስዱ ሓቲቶም ኣለዉ።
እንተኾነ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት ትግራይ ንመቐለ ምቁጽጻሮም ስዒቡ፡ ነቲ 'ተኹሲ ደው ናይ ምባል' ኣዋጅ 'ጸወታ እዩ' ክብል ኣናኢስዎ።
ጌታቸው ረዳ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሓይልታት ትግራይ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ክሳብ ኤርትራን ኣምሓራን ብምእታው ንጸላእትና ክነዳኽም ኢና" ኢሉ።
"እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ፤ ካብ ኣስመራ ወይ ድማ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝነቅል ጸላኢ ዳግም ንህዝብና ስግኣት ከም ዘይኸውንን ዓቕሚ ከም ዘይህልዎን ከነረጋግጽ ኣለና" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃለዋት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ እንታይ ከምዝመስል ንጹር ኣይኮነን።
ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ስልኪ፣ መብራህትን ባንክታትን ተቛሪጹ ይርከብ።
ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ቅትለትን ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ብሰሉስ ላዕለዋይ በዓልመዚ መንግስቲ ኣመሪካ ሮበርት ጎዴክ፡ ሃገሩ፡ ኣብ ትግራይ "ዘስካሕክሕ ግፍዕታት" ከፍጸም እንከሎ ጠጠው ኢላ ከም ዘይትርእዮ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኩናት፡ ዋላ'ኳ መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ከምዝተዛዘመ እንተገለፀ፡ እቲ ኩናት ግና ሻምናይ ወርሒ ኣቑፂሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ሚልዮናት ካብ መረብቶም ከምዝተመዛበሉን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ፡ ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዘለዉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







