ቅልውላው ትግራይ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ትግራይ ብህጹጽ ክእከብ ተሓቲቱ

ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሃገራት ኣመሪካ፣ ኣየርላንድን ብሪጣንያን ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ እታ ብጎንጺ ዝተሃሰየት ትግራይ ቅልጡፍ ኣኼባ ክገብር ጸዊዐ።

እቲ ኣኼባ ዝመጽእ ዓርቢ ክካየድ ከም ዝኽእል ዲፕሎማቲክ ምንጪታት ብምጥቃስ ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ገሊጹ።

ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብወተሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደፊኦም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ደጊሞም ከም ዝተቖጻጸርዋ ድሕሪ ምግላጾም'የን መንግስታት ኣመሪካን ብሪጣኒያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ክካየድ ጸዊዐን።

ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ነታ ከተማ ምስ ተቖጻጸሩ ብሰኑይ ምሸት ብኣሓሻት ዝቁጸሩ ነበርቲ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ታሕጓሶም ክገልጹ፣ ባንደራታ ከንበልብሉን ርችታት ክትኩሱን ኣምስዮም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ንጎደናታትን ኣብታ ከተማ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርትን ከም ዝተቖጻጸሩ ብምግላጽ ወተሃደራት መንግስቲ ድማ ኣብ ሰዓታት ቀትሪ ካብታ ከተማ ክስሕቡ ከም ዝረኣዩዎም ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሮ ምቁጽጻር ከም ዝተመንጠለ እኳ መረጋገጺ እንተዘይሃበ፡ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከም ዝገበረ ግን ትማሊ ኣማስዩ ኣዊጁ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ምስ ሓይልታት ህወሓት ኣይዛተን ብምባል ንፖለቲካውን ሰላማውን ክፍታሕ ተሓሲሙ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ትማሊ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ዝሓበረ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ድማ ተጻብኦታት ደው ክብል ተስፋ ከም ዝገብር ገሊጹ።

ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መግለጺ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ "እቲ ናይ ሕርሻ እዋን ክሳብ ዝሓልፍ" ዝጸንሕ'ዩ ብምባል እቲ ውሳነ ሓገዝ ንምብጻሕን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይ ዕድል ንምሃብን ዝዓለመ እዩ ኢሉ።

ይኹን'ምበር እቲ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ሓያል ሰብኣዊ ቅልውላው ዝፈጠረ ኮይኑ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮን 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝርከቡን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣንጻር መሪሕነት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጀመረ'ውን ይዝከር።

እቲ ውድብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ዝመርሖ ፌደራዊ መንግስቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ሓይልታት ትግራይ ንወተሃደራዊ መዓስከር እዚ ሰሜን ተቖጻጺሮም ምስ ተባህለ ናብ ቅሉዕ ኲናት ከም ዘምርሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ኩሎም ወገናት ከበድቲ ገበናት ቅትለትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝፈጸሙ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ንርእሱ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ ኢሉ ዝጽውዕን ንመሰል ርእሰ ውሳነ ከም ዝቃለስን ዝገልጽ ዕጡቕ ሓይሊ ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ወታሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተን ብዙሓት ከባቢታት ከም ዝተቖጻጸረን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።