ቅልውላው ትግራይ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ንመጥቃዕቲ ኣየር ኢትዮጵያ ኮኒኖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣመሪካን ነቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ መቐለ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር ኮኒኖም።
በቲ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶምን ቆሲሎምን ምህላዎም ጸብጻባት ክገልጹ እንከለው፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከም ዘይገበረን ንዕጡቓት ትግራይ ዝዓለመን ምንባሩ ይገልጽ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ዓይኒ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብሰሉስ፡ ካብ መቐለ 25 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ኣብ እትርከብ ከተማ ቶጎጋ ደብዳብ ከም ዘካየደ ተዛሪቦም።
ኣውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ፍጻመ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሰላማውያን ሰባት 'ብደይ መደይ' [ኮነ ተባሂሉ ዝፍጸም መጥቃዕቲ] ዒላማ ከም ዝተገበሩ ብምጥቃስ 'ኣዝዩ ዘሻቕል እዩ' ኢሉ።
ኣመሪካ ብወገና ነጻ መርመራ ክግበርን ግዳያት ብዘይክልከላ ሕክምናዊ ረድኤት ክረኽቡን ጸዊዓ።
ኣብቲ ክልል ንሻሙናይ ወርሒ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ግህሰት መሰላትን ዓመጽን ይፍጽሙ ከም ዘለው ይኽሰሱ።

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES
እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ጥቓ ቶጎጋ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ከባቢ መቐለ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ እዩ ተፈጺሙ።
ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ነቶም ዝቖሰሉ ኣብ ምግዕዓዝ ከም ዝሓገዘ ኣፍሊጡ።
ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብናይ ኣየር መጥቃዕቲ ዝተሓገዘ ስርሒት ኣንጻር ህወሓት ይካየድ ምህላው'ኳ እንተኣረጋገጸ፡ ንሲቪላውያን ዕላማ ምግባሩ ነጺጉ።
ዕጡቓት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓወታት ምምዝጋቦም ክገልጹ እንከለው፡ መንግስቲ ግና ሓሶት እዩ ክብል ነጺግዎ።
ኣብ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ትግራይን ብወተሃደራት ኤርትራ ዝድገፉ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ሓያል ኲናት ነቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብቲ ክልል ነቲ በቲ ኲናት ተሃስዩ ዘሎ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝቢ ንምብጻሕ ይጽገሙ ከም ዘለው ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ናይ ረድኤት ትካላት፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ኲናት ረድኤት ክበጽሖ ከም ብዘይምኽኣሉ ንጥሜት ተቓሊዑ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







