ሱዳን ደጊማ ዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ ካብ ኣቢዬ ክወጽኡ ከም እትደሊ ኣፍሊጣ

ሱዳን ምስ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዘዋስና ዞባ ኣቢዬ ዘለው ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ ንክወጽኡ ዳግም ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቲታ።
ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ሱና ከም ዝጸብጸቦ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሱዳን መሪኣም ኣል-ማህዲ ምስ ዳይሬክተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግርሃም ማቲላንድ ክልትኣዊ ዘተ ኣካይዳ።
እታ ሚኒስትሪ "ርክብ ኢትዮጵያንን ሱዳንን ለውጢታት ስለ ዘርኣየን ኢትዮጵያ ዘዋፈረቶም ሓይልታት ዓቀብቲ ሰላም ልኡኸም ንምፈጻም ክህልዎም ኣብ ዝግባእ 'ዘይሻራውነት' ምጉዳል ስለ ዘርኣዩን" እዚ ውሳነ ኣገዳሲ ኮይኑ ረኺብናዮ ኢና ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ሱዳን፡ ብምኽንያት ኣልፋሻጋ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝኣተወቶ ዲፕሎማሲያዊ ውጥጥ ዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ ብናይ ካልእ ሃገር ልኡኽ ክትክኡ ሓቲታ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, UNISFA/TWITTER
ኣልፋሻጋ ኣብ ምብራቕ ዞባ ኣልቓዳሪፍ ዝርከብ ክልቲአን ሃገራት ዝስሓሓባሉ መሬት ኮይኑ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ሰፊሮሉ ዝጸንሐ ቦታ'ዩ።
ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ሰነ 2011 ኣብ ኣቢዬ ዝሰፍር ጊዝያዊ ሓይሊ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከቕውም እንከሎ፡ ድሕነት እቲ ከባቢ ንምውሓስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክዋፈሩ ከም ዘጽደቐ ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ተልእኾ ናይቲ ሓይሊ ን6 ኣዋርሕ ክናዋሕ እቲ ባይቶ ወሲኑ ነይሩ።
ግዝኣት ኣቢዬ ኣብ ሞንጎ ዶብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብ ከባቢ'ዩ።
እዚ ድሕሪ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ሱዳንን ሰራዊት ሓርነት ህዝቢ ሱዳንን ዝነበረ ካልኣይ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን "ፍሉይ ምምሕዳር" ዝተዋህቦ ከባቢ እዩ።
እቲ ኲናት ካብ 1983 ክሳብ 2005 [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ን22 ዓመታት ከም ዝዘለቐ ይፍለጥ።
ብመሰረት ስምምዕ ኣቢዬ፡ ከባቢ ኣቢዬ ኣካል ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ተገይሩ'ዩ ዝውሰድ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







