ሱዳን ንዝሓዘቶ ከባቢታት ኣል-ፋሻጋ ‘ኣይመልስን’ ኢላ

ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሱዳን፡ ነቲ ካብ ሚሊሻታት ኢትዮጵያ ዝመንዝዓቶ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ፡ኣልፋሻጋ ዝተባህለ ከባቢ ከምዘይትመልስ መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና ሓቢሩ።

“ኣዛዚ መበል 2ይ ኣጋር ክፍለሰራዊት ሜጀር ጀነራል ሓይዳር ኣል-ጢራይፊ፡ ሱዳን ስድሪ ናይቲ መሬታ ዝኾነ ኣልፋሻጋ ከምዘይትህብ ብምርግጋጽ” ምኽታብ ሓደስቲ ወታሃደራት ከምዝጅምር ኣፍሊጡ ክብል ሱና ጠቒሱ።

እቲ ጀነራል፡ ትማሊ ረቡዕ ካብ ሓደ ፋላታ ዝተባህለ ኣብ ዞባ ኣል-ገዳርፍ ዝርከብ ማሕበረሰብ ዝተላእከ ቃፍላይ ደገፍ ኣብ ዝተቐበለሉ’ዩ ነቲ መግለጺ ሂቡ።

እቲ ኣዛዚ “ንክብርን መሬታዊ ሓድነትን [እታ ሃገር] ንምክልኻል ኩሎም ነበርቲ ናይቲ ዞባ፡ ኣወዳቶም ናብ ሰራዊት ክጽምበሩ ክደፋፍኡ” ጸዊዑ።

ጀነራል ኣል-ጢራይፊ ከምዝበሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ “ሓይልታት ምክልኻል፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምንቅስቓስ ንምስላጥ ዝህቦ ዘሎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት፡ ነቲ ኣብ ዶብ ዝርከብ ቃጽዖ ንምምዕባል ድልድላትን ጽርግያን ኣብ ምህናጽ ይርከብ።”

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሱዳን ካብቲ ሒዛቶ ዘላ ቦታ ሰራዊታ ክሳብ እተውጽእ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ከምዘይግበር ድሕሪ ምሕባሩ’ዩ እቲ ሱዳናዊ ጀነራል ነቲ መግለጺ ሂቡ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ብሕርሻ ሃብታም ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልፋሻጋ ኣብ ዶባዊ ምስሕሓብን ምትፍናን ኣትየን ይርከባ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሱዳን ነቲ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውያን ሚሊሻ ዝነበረ ከባቢ ከምዘምለሰቶ ኣዊጃ ነይራ።

ሱዳን፡ ካብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ፈለማ ሕዳር ጀሚሩ ዝተወልዐ ኲናት ዝሃደሙ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣዕቊባ ምህላዋ ይፍለጥ።

ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን

ኩርናዕ ኣልፋሻጋ

ኩርናዕ ኣልፋሻጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኮይኑ፡ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ምዃኑ ይግለጽ።

ክልቲኦም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባርን ተሰማሚዕም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክውስኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።

እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።