ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳታት ቪዛ ሰሪዙ

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳታት ቪዛ ሰሪዙ።
ሓደ ካብቶም ሓድሽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝቐየሮም ውሳነታት ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዝበዝሑ ኣመንቲ ምስልምና ዜጋታት ዘለወን ሃገራት ዝተገብረ ናይ ቪዛ እገዳታት'ዩ።
"ንዘለና ክብሪ በቲ ዘይርትዓዊ ናብ ኣመሪካ ዝግበር ናይ መገሻ እገዳታት ክንትክኦ ኣይንደልን ኢና" ይብል ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ብ20 ጥሪ ዘውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ።
እቲ ብ9645 ከምኡ'ውን 9983 ዝፍለጥ ኣዋጃት እገዳ ኢሚግረሽን ትራምፕ፡ ንኤርትራ፡ ሶማልያ፡ ሱዳን፡ በርማ፡ ኢራን፡ ኪርጊስታን፡ ሊብያ፡ ናይጀርያ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ሶርያ፡ ታንዛንያ፡ ቨነዙዌላን የመንን ዝምልከት'ዩ ነይሩ።
ጆ ባይደን ንክልቲኡ ኣዋጃት ትራምፕ ብምፍራስ፡ ዜጋታት ናይተን ሃገራት ከምሰቦም ቪዛታት ክሓቱ ከምዝኽእሉ ኣዊጁ'ሎ።
ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣብ ዘሳልጦ ሕቶታት ቪዛ፡ ዜጋታት ናይተን ሃገራት፡ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ተነቢሩ ዝነበረ "ኣድልዎኣዊ እገዳ" ኣብ ግምእት ከእቱ ከምዘይብሉን፡ ብድሕሪ'ዚ ሓድሽ ሕጊ ብዘቕርብዎ ቅጥዕታት ጥራይ ከምዝምዘን ክገብር ተኣዚዙ'ሎ።
እቲ ኣብ መጀመርታ 2020 ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ዝተኣወጀ እገዳ፡ ዘለወን ናይ ጸጥታ ሓበሬታ ናይ ምክፋል መለክዒታት ስለዘየማላኣ ከምዝተወስደ ሰብመዚ ምምሕዳር ትራምፕ ገሊጾም ነይሮም።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ መዓልቲ፡ ንቀንዲ ኣዋጃት ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብፌርምኡ ሰሪዝዎም ኣሎ።
በዚ መሰረት ኣመሪካ ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ንዝነበራ ኣባልነትን ኣበርክቶን ናብ ቀደሙ ክመልሶ እንከሎ፡ ናብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተበጽሐ ውዕል ክሊማዊ ለውጢ ንምምላስ'ውን ንዝነበረ ኣዋጅ ብኣዋጅ ኣፍሪሱዎ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







