ኢትዮጵያ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ እቲ ኣሰሓሒብወን ዘሎ ዶብ፡ ንሱዳን ክመኽራ ጸዊዓ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዶባዊ ግጭት ንምልዓል ትተዃቱኽ ኣላ ክብል ከሲሱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብምኽንያት ዶብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ኲናት ክኣትዋ ሓይልታት ምክልኻል ሱዳን ጸቕጢ ይገብር ኣሎ ክብል'ውን ገሊጹ።
እቲ ምስ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ድማ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንሱዳን ክመኽራኣ ጸዊዑ።
እቲ መግለጺ ብምቕጻል፡ ህዝቢ ሱዳን፡ መንግስቱ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዝጸንሐ ርክብ ከበላሾ ብዝኽእል መገዲ ኣፈጻሚ ድልየታት ናይ ሳልሳይ ወገን ይኸውን ምህላው ከጻረ ጸዊዑ'ሎ።
ሱዳንን ኢትዮጵያን ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ከባቢ ዶባት 'ይብጽሓኒ እዩ' ብዝብል ኣብ ወጥሪ ምህላወን ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ንልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዓመታት ንኽልቲአን ሃገራት ዘሰሓሕብ ዘሎ ዶብ ኣልፋሻጋ፡ ዓቢይ ናይ ሕርሻ ልምዓትን ምስኡ ዝተሓሓዝ ወፍርን ዝካየደሉ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ወራር ከም ዝፈጸመ ምግላጹ፡ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ጸብጺቡ።
ገለ ምንጭታት ከም ዝብልዎ፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኻት ከባቢ እቲ ዶባት ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።
እተን ሃገራት ነቲ ምስሕሓብ በቲ ኣቀዲመን ዝጀመርኦ ልዝብ ክፈትሕኦ እንተዘይክኢለን እቲ ወጥሪ ናብ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከየምርሕ ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ዲፕሎማታ "ንዝርርብ" ብዝብል ከም ዝጸውዓቶ ዝተፈላለዩ ናይ ዜና ምንጭታት ክጽብጽቡ እንከለው፡ እቲ ክስተት ምስቲ ናይ ዶብ ኩነተት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ኣይተረጋገጸን።
መንግስቲ ሱዳን ነቲ ብጽሒተይ እዩ ዝብሎ ከባቢ ኣልፋሽጋ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ድሕሪ ምውፋሩ፡ ብ 24 ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ እዩ።
እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝተዋሃበ መግለጺ እንታይ ኢሉ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኩነታታ ብሰላማዊ መገዲ ብዘተ ክፍታሕ ድልየቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ክልቲአን ሃገራት ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከም ዘይብለን ብተደጋጋሚ እኳ እንተገለጻ፡ ኢትዮጵያ ዘተ ንምጅማር፡ ሰራዊት ሱዳን ናብቲ ቅድሚ እቲ ኩነታት ዝነበረሉ ስፍራ ክስሕብ ከም ዘለዎ ትገልጽ፤ ሱዳን ብወገና ሰራዊታ ካብቲ ሒዝዎ ዘሎ ስፍራታት ከም ዘይወጽእ ብተደጋጋሚ ገሊጻ ኣላ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንኣሕዋት ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣድላዪ ናብ ዘይኮነ ኲናት ንምእታው፡ ብሰራዊት ሱዳን ዝግበር ዘሎ ፈተነ፡ ንሰላም፡ ርግኣትን ልምዓትን ክልቲአን ሃገራትን መላእ እቲ ዞባን ዝጎድእ ዓቢይ ስሕተት እዩ ክብል ገሊጹ።
መንግስቲ ሱዳን ነቲ ናይ ዶብ ኩነታት ብሰላማዊ መገዲ ጥራይ ክፈትሖ ሃገራት ኣፍሪቃ ጻዕርታት ክገብራ'ውን ጸዊዑ።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ከባቢ 750 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ናይ ሓባር ዶብ ክህልወን እንከሎ፤ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብንጹር ኣብ ባይታ ኣይተመልከተን።
ነዚ ንምፍጻም ተደጋጋሚ ዝርርባት ተጀሚሮም ብተደጋጋሚ ተቋሪጾም እዮም።
ኩርናዕ ኣልፋሻጋ
ኩርናዕ ኣልፋሻጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ዞባ ገዳርፍ ዝርከብ ኮይኑ፡ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ምዃኑ ይግለጽ።
ክልቲኦም መንግስታት ኣቐዲሞም፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን፡ ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባርን ተሰማሚዕም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ናይ ክልቲአን ሃገራት ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክውስኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።
እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







