ምዕባለታት ዶባዊ ወጥሪ ኢትዮጵያን ሱዳንን

መራሕቲ ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንዘመናት መዕለቢ ከይረኸበ ዝጸንሐ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ሱዳን ናብቲ ናተይ'ዩ እትብሎ ከባቢታት ሰራዊታ ድሕሪ ምእታዋ ናብ ዝለዓለ ወጥሪ ተሰጋጊሩ'ሎ።

ዋላ'ኳ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ እምበር ናብ ኲናት ክኣትዋ ከምዘይደልያ ብተደጋጋሚ እንተገለጻ፡ ወታሃደራዊ ምትፍናን ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ኢትዮጵያ ሰራዊት ሱዳን ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝሓዞ ክወጽእን እቲ ኩነታት ናብቲ ቅድሚ ሕዳር ዝነበረ ክምለስ ክትጽውዕ እንከላ፡ ሱዳን ግን ኣብ መሬታ ከምዘላ ብምግላጽ ሰራዊታ ከምዘይትስሕብ ትገልጽ።

ሰራዊት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ዝጸንሐ መሬት ከምዝተቖጻጸሩ ኣዘዝቲ ናይቲ ሰራዊት ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

በቲ ስጉምቲ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ከምዝተፈናቐሉን፡ ብዙሕ ንብረት ከምዝዓነወን ኢትዮጵያ ከሲሳ ነይራ።

ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ወራር ከምዝፈጸሙ ኣብ ዝዛረብሉ ዘለዉ እዋን፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብወገኑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሩ ወራር ፈጺሙ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ግብረመልሲ ምሃቡ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን፡ ሱና ሓቢሩ።

ገለ ምንጭታት ከምዝብልዎ፡ ኣብ ዶባት ክልቲአን ዘሎ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣብዘን ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ፡ ናብ ወታሃደራዊ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሳምንታት ነቲ ኣባይታ ዘሎ ህሉው ኩነታት ንምርዳእ ቢቢሲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ኣዘራሪቡ ነይሩ።

ኣብ ምዕራብ ኣርማጭሆ ኣብ እትርከብ ከተማ ምድረ ገነት ዝነብር ኣቶ ጌቱ ሙላት ከምዝበሎ፡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ናብቲ ከባቢ ኣንቀሳቒሳ'ኳ እንተላ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኻየደ ግጭት ግን የለን።

"ወግእ የለን እምበር፡ ናይ ወታሃደራት ምንቅስቓስ ኣሎ። ተዂሲ ዝብሃል የለን፡ ስግኣት የለን። ፍሉይ ሓይሊ [ክልል ኣምሓራ] ይኹን ምክልኻል ብሓባር'ዮም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ" ድማ ይብል።

ምስቲ ሰራዊት ሱዳን ክትኣቱ ኸሎ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ እቲ ኩነታት ሰላማዊ ክብሃል ይክኣል ክብል ኣቶ ጌቱ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ሱዳን "ኣብ ስግር ፈለግ ጓንግ'ዮም ዘለዉ። ኣቧጥር ዝብሃል ሰፊሕ በረኻ'ሎ። ሕርሻ'ዩ ነይሩ። ኣብቲ ሕርሻ ድማ'ዮም ዘለዉ" ይብል ኣቶ ጌቱ።

ኣብታ ካብቲ ዶብ 8 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ወረዳ መተማ፡ የሽንፉ ኣብ ዝተባህለ ቁሸት ዝነብር ኣቶ በለጠ ዳምጤ ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝኾነ ግጭት'ኳ እንተዘየለ፡ ሰራዊት ሱዳን ግን ኣብ ዶብ ተጸጊዑ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ሰራዊት ሱዳን ሓሓሊፉ ናይ ዳህሳስ ምንቅስቓሳት ክገብር ከምዝረአ'ውን ኣቶ በለጠ ጠቒሱ።

ሓሓሊፉ ግጭት ከምዝግበር ብምግላጽ፡ "መተማ ቁጽሪ 4፡ ደለሎ ኣከባቢ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ከባቢ ምዕራብ ኣርማጭሆ ዝያዳ ጸገም ዘሎ። ብታሕቲ ድማ ናብ ቋራ ኣብ ዝወስድ ነፍስ ገበያ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሓደ ክልተ ሳዕ ምስ ሓረስቶት ግጭት ተፈጢሩ ነይሩ" ይብል።

ኣቶ በለጠ፡ ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዘየለ ብምጥቃስ፡ "ናይቲ ከባቢ ሓረስታይ'ዩ ነቲ በሪ ዝሕሉ ዘሎ። ወሰንቲ ቦታታት እናተበራረየ ብምሓዝ ግዝኣቱ ይሕሉ'ሎ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ኣቶ ይበልጣል ኣዕምሮ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ብምቕራብ፡ ሓይልታት ሱዳን ዶብ ሰጊሮም ብዝፈጸምዎ "ወራር" ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘውረዱ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣስታት ሓደ ቢልዮን ብር ዝዋግኡ ንብረት ከም ዝዓነወ'ውን እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።

ይኹን እምበር ብወገን ሱዳን ብዛዕባ'ቲ ክሲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን። ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሱዳን ዘይመሬቶም ከምዘይሓዙን፡ እቲ መግዛእታዊ ዶብ ንጹር'ዩ ክብሉ ተሰሚዖም ነይሮም።

ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ህዝቢ ንምስፋር፡ ናይ ጽርግያ ህንጸት ዘጠቓለለ ልምዓታዊ ትሕተ ቅርጺ ይሃንጽ ከምዘሎ ሓበሬታ ከምዘለዎ'ውን እቲ ኣምባሳደር ጠቒሱ።

ዋላ'ኳ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ምስሕሓብ ብሰላም ንምፍታሕ ዘለወን ቅሩብነት እንተገለጻ፡ ንዕኡ ዝምጥን ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ግን ኣይተራእየን።

ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን

ዘባእሰን ዘሎ ከባቢ

ሱዳን ነቲ ኣብ 1972 ኣብ መንጎ ክልቲአን ዝተበጽሐ ስምምዕ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወራር ፈጺማ ክብል ኣምባሳደር ይበልጣል ከሲሱ።

ብወገን ኢትዮጵያ፡ ነቲ ጉዳይ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ድልውነት ከምዘሎ ብምግላጽ ድማ "እዚ ምስዘይከውን ግን፡ ርእሳ ንምክልኻል ዘለዋ ሕጋዊ መሰል ክትጠቀም'ያ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ሰበስልጣን ሱዳን ብወገኖም፡ እቲ ሰራዊቶም ኣምሊሱዎ ዝብልዎ ቦታታት ልኡላዊ መሬቶም ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንዘተ ዝቐርብ ከምዘይኮነ ክዛረቡ ጸኒሖም'ዮም።

ፕረዚደንት መሰጋገሪ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ዝኾነ ሌ/ጀነራል ዓብዱል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ንላዕለዎት ወታሃደራዊ መኮንናት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ክትኣቱ ከምዘይትደሊን ስድሪ መሬት ከምዘይትህብን ተዛሪቡ ነይሩ።

እተን 750 ኪሜ ዝንውሓቱ ዶብ ዘለወን ኢትዮጵያን ሱዳንን ንዓመታት ክሰሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብቲ ብልፋሻጋ ዝፍለጥ ከባቢታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተጋጭየን ምንባረን ይግለጽ።

እቲ ምትፍናን ዛጊት ሰላማውያን ሰባት ኣፈናቒሉ ምህላዉን፡ ወታሃደራትን ቪቪላውያንን ከምዝደጎድኡ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ነቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ኣብ መንጎ ቀዳሞት ሚኒስተራት ክልቲአን ሃገራት ዝርርብ ተካይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ዝተረኽበ መፍትሒ የለን።