ኣብ ሱዳን፡ ጸለምቲ ሰባት፡ ገላዩ ተባሂሎም ዝጽውዑሉ ዘበን

ንመርዓ ጸሊም ሱዳናዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ ኢሳም ዓብዱልራሕማንን ኣርቲስት ዓረባዊ ሜክ ኣፕ ሪም ቾግሊ

ምንጪ ስእሊ, ALI AL-NAYER

መግለጺ ስእሊ, ንመርዓ ጸሊም ሱዳናዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ ኢሳም ዓብዱልራሕማንን ኣርቲስት ዓረባዊ ሜክ ኣፕ ሪም ቾግሊ

ኣብቲ፡ ደብዳቤታት ካብ ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ዝብል ብተኸታታሊ እንጽሕፈሉ ዓምዲ፡ ዘይነብ መሓመድ ሳልሕ ብዛዕባ ኣብ ሱዳን ዘጋጥም ዘፍርሕ ተመኩሮ ዓሌታዊ ግህሰትን ኣድልዎን ጽሒፋ ኣላ።

መተሓሳሰቢ፡ እዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ዓሌትነት ንምጉላሕ ዝዝረብ ጽዩፍ ዘረባታት ኣለዎ።

ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብፖሊስ ኣመሪካ ብጫካነ ምስተቐትለ፡ ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ዓሌታዊ ጭካነ ዝቃወም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ እንከለሎ ሃገረ ሱዳን ግን ብዛዕብኡ ደሃይ ዝነበራ ኣይትመስልን።

እቲ “ህይወት ጸሊም እውን ክቡር እዩ” ብዝብል ሃሽታግ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝተወዓወዐ ናይ ተቓውሞን ምንቕቓሕ፡ ኣብ ሱዳን ብዙሕ ኣይተቓለሐን። በኣንጻሩ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ሱዳናውያን፡ ንመርዓ እቲ ጸሊም ሱዳናዊ ተጻዋቲ ኩዕሶ ኢሳም ዓብዱልራሕማንን እታ ብርህ ዝበለ ገጽ ዘለዋ ከደረይቲ፡ ኣርቲስት ዓረባዊ ሜክ ኣፕ ሪም ቾግሊ ብዝምልከት ዓሌታዊ ጽሑፍ ይጽሕፉ ነይሮም።

ሓደ ሰብ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ስእሊ ናይቶም መርዑ ምስ ረአየ፡ “ ናይ ብሓቂ ድዩ ከምኡ ዝውረ ዘሎ? [ኣብ ዓረብ ነውሪ እዩ]። ንግስቲ ንባርያኣ ኣይትምርዖን እያ” ክብል ኣብ ፌስ ቡክ ጽሒፉ።

ሒደት ጸለምቲ ገጻት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌስቡክ ላይቭ ካብ ሕጽኖት

ኣብታ ዝበዝሑ ዜጋታታ፡ ንነብሶም ከም አዕራብ እምበር ከም ኣፍሪቃውያን ዘይርእዩላ ሃገረ ሱዳን፡ ንጸለምቲ፡ “ባርያ/ጊላ” ብዝብል ኣቆናጻቢ ቃላት ክሰምዩዎም ምስማዕ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን።

ፖለቲካ ሱዳን፡ በቶም ብርህ ዝበለ ገጽ ዘለዎም ዓረብኛ ዝዛረቡ ደቂ ሰሜን ዝተዓብለለ እዩ። እቶም ኣብ ደቡብን ምዕራብን እታ ሃገር ዝርከቡ ጸለምቲ ሱዳናውያን ግን ኩሉ ሳዕ ምስተጓነዩ እዮም።

ኣብ ጋዜጣታት እታ ሃገር ዓሌታዊ ሽምጠጣ ዘለዎ ጽሑፍን“ ጊላ/ባርያ’ ዝብል ቃላት ክሕተሙ ልሙድ እዩ። ቅድሚ ቁሩብ ሳምንቲ እኳ፡ ሓደ ኣብ ጋዜጣ ኣል-ኢንቲባሃ ዝጽሕፍ፡ ደጋፊ እቲ ደቀንስትዮ ኩዕሶ እግሪ ንክጻወታ ዘየፍቅድ ዝነበረ ፐረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ዝኾነ እስላማዊ ኮሎሞኒስት፡ ንኣሰልጣኒት እታ ፍልጥቲ ጋንታ ደቀንስትዮ ኣርሰናል ዝኾነት ሰብ “ባርያ/ጊላ” ክብል ዘሊፉዋ።

ሚድያታት እታ ሃገር፡ ዝኾነ ናእሽቱ በደላት ንዝፍጽም ሰብ፡ ዓረባዊ ባህሊ ከም ዘየኽብር ድኻን ጽዩፍን ሰብ፡ “ኔግሮ/ባርያ/ጊላ” ብዝብል ዘስተናዕቕ ቃላት እየን ዝገልጸኦም።

ንተጻዋታይ ኩዕሶ ዓብደራሕማን፡ በቲ ኣብ ልዕሊኡን በዓልቲ ቤቱን ዝተፈነወ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ እንታይ ከምዝተሰመዖ ምስ ሓተትኩዎ፡ “ ተወሳኺ ጸርፍን ምስትንዓቕን ከይመጽኣኒ ምእንቲ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝኾነ ስእሊ ከይጥቅዕ ወሲነ እየ” ክብል ተዛሪቡ።

እንተኾነ እቲ ወዲ 29 ዓመት [ዓብዱራሕማንን] እታ ጓል 24 ዓመት [ሪምን] ኣብ ሕጽኖቶም ኣብ ፈይስ ቡክ ላይቭ ብምእታው፡ ዓሌትን ዘርእን ብዘየገድስ ክልቲኦም መጻምድቲ ኣዝዮም ከምዝፋተውን ከምዝፋቐሩን ሓቢሮም።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሓንቲ “ደቀ ኣንስትዮ ክጭቆና የብለንን” ናይ ዝብል ማሕበር ተጣባቒ መሰል ደቀንስትዮ ኣደ መንበር፡ ሓደ ጸሊም መንእሰይ ምስ ሓንቲ ጻዕዳ ኤውሮጳዊት መጻምድቱ ኣብ ዘርኢ ስእሊ፡ [እታ ጻዕዳ ጓል] ምናልባት ኣብ ዘበነ ፍልቀት ደቂ ሰባት (ኢቮሊሽን) ንዝጠፍኡ ኣብ መንጎ ህበይን ሰብን ንዝነበሩ ፍጡራት ክትደሊ ክትብል እያ ነቲ ሰብ ረኺባቶ ክትብል ኣስተናዒቓ ነይራ።

እቲ ዘረባ ከቢድ ቁጥዐ ምስ ፈጠረ፡ እታ ርእይቶ ዝሃበት ኢሻን ፋጊሪ፡ ካብ ሓላፍነታን ካብቲ ማሕበርን ከምዝተኣልየት ሓቢራ። እቲ እተገልግሎ ማሕበር ግን “ ከምኡ ማለታ ኣይነበረን” ክብል ተጣቢቑላ።

ብ03 ሰነ 2020፡ ኣብ ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምውራድ ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን፡ ሓደ ካብቶም ሱዳናውያን ሰልፈኛታት፡ ምስቲ ብኢንግሊዝ ዝተጻሕፈ “ሃሽ-ታጋት (#)” ህይወት ጸለምቲ እውን ክቡር እዩ” ዝብል ጭርሖ “ ሰማእታትና ኣይሞቱን፡ ምስዞም ሰውራውያን ሰልፈኛታት ኣለው” ዝብል ብዓረብ ዝተጻሕፈ ጭርሖ ሒዙ ነይሩ። ገሊኦም ሰልፈኛታት ከኣ ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ኣብ ጎደና ሪያድ፡ ንግፍዓዊ ቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ይቃወሙን ይነቕፉን ነይሮም።

ጊላነት ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, University History archive

ሱዳን ናጽነታ ኣብ ዝተጎናጸፈትሉ እዋን፡ መንግስቲ እታ ሃገር ብደቂ ሰሜን ዓሌተ ኑብያ ስለዝተባሕተ፡ ዋላኳ ቅሉዕ እንተዘይኮነ፡ ኣብ ሱዳን ዓሌታውነት ሰሪቱ እዩ። ዳርጋ ኩሎም ወተሃደራዊ ሰበስልጣን እታ ሃገር ካብ ዓሌተ ኑብያ እዮም። እቶም ሃብታማት ነጋዶ እውን ካብቲ ዓሌት እዮም።

ሕጂ እውን እንተኾነ፡ ናብ ዝኾነ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት እታ ሃገር እንተኼድካ ዋላ እውን ኣብ ባንክታት ከይተረፈ ሳሕቲ ኢኻ ጸሊም ሰራሕተኛ መንግስቲ ትረክብ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ፡ ንዓሌታዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ ሱዳን ዘረድእ ጽፉፍ ዳታ ይትረፍ፡ ንደረጃ ሰብ ሃብቲ ሱዳን ዝሕብር ሰነድ እውን የሎን። ሓደ ኣብ ዳርፉር ዝመደበሩ ንመሰላት ጸለምቲ ሱዳናውያን ዝቃለስ ተቓዋሚ ውድብ ግን 60% ነበርቲ ህዝቢ ካርቱም ጸለምቲ ምዃኖም እዩ ዝሕብር።

ጊላነት ዝዓምበበሉ ዘበን

እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ዓሌታውነት ነዊሕ ንድሕሪት ዝምለስ እዩ። ኣብ ካርቱም ኣብ 1821 ናይ ገላዩ ዕዳጋ ነይሩ። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ እቲ ዘበን ከኣ፡ ኣስታት ክልተ ሲሶ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ባርነት ዝነብሩ ነይሮም። ኣብቲ እዋን ከኣ ሱዳን፡ ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ብመገዲ ግብጽን ማእከላይ ምብራቕን ማእከላይ ባሕርን ንግድ ባርነት ተሳልጥ ነይራ።

ሕጂ እውእ ብኻልእ መልክዑ ኣይተረፈን። ኣብ ሕምብርቲ እታ ከተማ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘበን ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ጫድን ብኣልዜቤር ፓሻ ራህማ ዝተሰምየ ጎደናታት ኣሎ።

ጊላነት ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, DEA / BIBLIOTECA AMBROSIANA

ተመራመርቲ ታሪኽ፡ ነጋዲ ገላዩ ኣልዜቤር ፓሻ፡ ካብ ቡሉ ናይልን እምባታት ኑባን ሱዳን፡ ካብ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን - ዞባ ኦሮሞን ንደቀንስትዮ እናጨወየን እናዓደገን ይሸይጥ ነይሩ። ኣልዙቤር ፓሻ ካብ ደቡብ ሱዳን ጨውዩን ገፊፉን፡ መፍረ ኣካላቶም ሰሊቡ/ኣምኪኑ ንግስነት ግዝኣቱ (ኦታማን ኢምፓየር) ንኽከላኸል የሰልፎም ምንባሩ ይፍለጥ።

ካልእ ብዖስማን ዲግና ዝጽዋዕ ማእከል ንግድ ገላዩ እውን ኣሎ። ዖስማን ብጉልባብ ምሕደራ ብሪጣንያ ተኸዊሉ ክሳብ ንግድ ገላዩ ብ1924 ብሕጊ ዝኽልከል ርቡሕ እቶት ዘኻዕብት ዝነበረ ሰብ እዩ።

ንግድ ጊላነት ብሕጊ ምስተኽልከለ፡ ኣብቲ ኣብ ገማግም ናይል ዝርከብ ሰፊሕ ሕርሸኦም ገላዩ ዘስርሑ ዝነበሩ፡ ከም ዓብደልራሕማን ኣልማህድን፡ ዓሊ ኣልሙርቃኒን ዝኣመሰሉ ካብቶም ደቂ ሰሜን ሱዳናውያን አዕራብን መራሕቲ እስላምን፡ ነቲ ኣዋጅ ተቓዊሞምዎ።

ንሰበስልጣን ብሪጣንያ ከኣ እቲ ንንግድ ጊላነት ዝኹንን ውሳነኦም ዳግመ ግምት ክገብሩሉ ብጽሑፍ ሓቲቶም፡ ግን ተቐባልነት ኣይረኸቡን። እቶም ክልተ መራሕቲ ሰልፊ ሕብረትን ሰልፊ ኡማን ፖለቲከኛታት፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ንኹሉ እቲ መንግስታዊ ስርሓት ዓረባዊ መበቆል ንዘለዎም ደቂ ሱዳን ሂቡምዎም። ነቲ ጸለምቲ ሱዳናውያን ዝነብሩሉ ዝነብሩ ከባቢታት ግን ካብ ዝነበሮ ትሑት ደረጃ ኣገልግሎት ንኸይመሓየሽ ቖላሕታ ነፊጎምዎ።

ሳዲቕ ኣልማህዲ ካብ 1966 ክሳብ 1967፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ኮይኑ ንዓመት ኣገልጊሉ። ካብ 1986 ክሳብ 1989 ኣብ ዝነበረ ሰለስተ ዓመት ከኣ ኣሕመድ ኣልሙርቃኒ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን እንደገና ብልፍንቲ ኣብ ዝቖመ መንግስቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ሳዲቅ ኣለምኣሕዲ ንዘመናት ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ይነጥፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሳዲቕ ኣልማህዲ ንዘመናት ኣብ ፖለቲካ ሱዳን ይነጥፍ

ኣብ 1987፡ ሱለይማን ባልዶንን ኢሻሪ መሓመድን ዝተባህሉ ክልተ ሱዳናውያን ምሁራት፡ “ ደቂ ሰሜን አዕራብ ንደቂ ደቡብ ጸለምቲ ሱዳናውያን ይጭቁኑዎም ኣለው” ክብሉ፡ ነቶም ዳሕራይ ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸምዎ ፈተነ ዓሌታዊ ጽንተት ዝተኸሱ ብሰራዊት ሳዲቕ ኣልማህዲ ዝዓጠቑ ጃንጃዊድ ምሊሻ ንዝገበሩዎ ግፍዒ ኣቃሊዐም።

እንተኾነ መራሒ እታ ሃገር ዳሲቕ ኣልማህዲ፡ ብ05 ሰነ 2019፡ ኣብ በዓለ ሮሞዳን ንህዝቢ እምዱርማን ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን እንከሎ ፈጺሙዎ ዝተባህለ ክሲ ነጺጉዎ።

ወራር ገላዩ፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን

ኣብ ሱዳን፡ ካብ እዋን ናጽነት ኣትሒዙ ዝጸንሐ ጸገም፡ ኣብ መንጎ አዕራብ ደቂ ሰሜንን ጸለምቲ ሱዳናውያንን ዝነበረን ዘሎን ናይ ማዕርነት ፍልልይ እዩ። እቶም ደቂ ደቡብ “ማዕርነት ወይ ናጽነት” ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም። ክሳብ 2005 ደቡብ ሱዳን ከም ምንጪ ገላዩ እዩ ዝረአን ዘገልግልን ነይሩ። ኣብታ ዓመት ግን ብፍትሕ ደቡቡን ሰሜን ሱዳንን ተፈጺሙ። ደቡብ ሱዳን ብረፈረንዱም ናጽነታ ኣዊጃ ልዑላውነታ ኣረጋጊጻ ናጻ ሃገር ኮይና።

ብሓይልን ኣስገዳድን ዝተጨውያ ደቀ ንስትዮን ቖልዑን ደቂ ደቡብ፡ ብደቂ ሰሜን አዕራብ ብዘይ ክፍሊት ወይ ብስማዊ ገንዘብ ንዓስርተ ዓመታት ብዘይ ደሃይ ስድረአን ከም ከደምቲ የገልግሉ ነይሮም። ሳሕቲ ከኣ ብከም ኣህጉራዊ ማሕበር ክርስትና ዝኣመሰላ ማሕበራት ካብ ጎይቶቶም ተገዚኦም ናጻ ይኾኑ ምንባሮም ዝገልጽ ኣካታዒ ዘረባ ኣሎ።

ክሳብ 2000 ኣብ ዝነበረ ናይ ዳርፉር ግጭት፡ እቶም ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ጃንጃዊድ ዝተሰምዩ ምሊሻ ናብተን ደቂ ዓዲ ዝነብሩለን ቑሸታት ብኣፍራስ እናመጽኡ ሰብኡትን መንእሰያትን ይቐትሉን ንደቀንስትዮ ይጋሰሱን ከምዝነበሩ ይኽሰሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት ብዝተገብረ ሰላማዊ ስምምዕ፡ ብሽርክነት ስልጣን ሲቪላዊ መንግስቲ እኳ እንተቖም ክሳብ ሕጂ ብዙሕ ዝተቐየረ ነገር የሎን። ሕጂ እውን እንተኾነ እቲ ዓድታት ምንዳድን ዓመጽ ደቀንስትዮን ይቕጽል ከምዘሎ’ዩ ዝዝረብ።

እቲ ብህዝባዊ ናዕቢ 2019፡ ብወተሃደራትን ሲቭልን ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ነቲ ኣብ መንግስቲ እታ ሃገር ዘሎ ዝጸንሐን ዘሎን ዓሌታዊ ጸገማት ንምፍታሕ ይሰርሕ ምህላውን ዘይምህላውን እውን ገና ንጹር ኣይኮነን።

እቲ ቐንዲ ሲቪላዊ ሓይሊ፡ “ሰልፊ ጉባኤ ሱዳን” ነቶም ዓሌታዊ ጽልኢ ዝነዝሑ ሰባት ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ዝቐጽዕ ሕጊ ከምዘጽደቐ ኣፈኛ እቲ ሰልፊ ሞሓመድ ሓሰን ኣራቢ ሓቢሩ። ብዙሓት ጸለምቲ ሱዳናውያን እዚ ሕጂ ዘሎ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኣካል ስርዓት ኣልበሽር ብምንባሩ ብዙሕ ሕጉሳት ኣይመስሉን። ሓደ ካብቶም ኣብዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዙ ውሑዳት ጸለምቲ፡ ምኒስተር ኣሚን ኣርኖ፡ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ስልጣኑ፡ ኣብ ስራሕ ዋላ ሓደ ዝሰምዖ ኣካል ስለዘይረኸበ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣኑ ምግዳፉ ብሶሻል ሚድያ ሓቢሩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ርእይቶ እቲ ምኒስተር ምንም ምላሽ ዘይምሃቡ ከኣ ነቲ ምኒስተር ዝበሎ ዘረጋግጽ ጉዳይ ይመስል። “ እቲ ንዓይ ዘጋጠመኒ መርኣያ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ትካላዊ ኣድልዎን ዓሌትነትን እዩ” ክብል ገሊጹለይ ትብል ጸሓፊት እዚ ዓንቀጽ።