ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዘሎ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ተገሊጹ

ኣብቲ ወተሃደራዊ ምትፍናንን ምንቅስቓስን ክርኣየሉ ዝቐነየ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት ከምዘጋጠመን ብዙሓት'ውን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ከምዝተፈናቐሉን ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ገሊጹ።
ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ በቲ ግጭት ኣርባዕተ ሰለማውያን ሰባት ተሃሪሞም ካብኦም እቶም ክልተ ሞይቶም ድሕሪ ምባል፡ ልዕሊ 1700 ሰባት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ገሊጹ።
ኣብቲ ግጭት'ውን ናይ ልዕሊ 200 ሓረስቶት ንብረት ብወተሃደራት ሱዳን ዓንዩ ኢሉ።
ሚኒሰትር ዜና ሱዳን፡ ኣብቲ ዶብ መሬት ሱዳን ክንሱ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ቦታታት ከምዝተቖጻጸሩ ብቀዳም ንሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።
ሚኒሰትር ዜና ሱዳን ፈይሰል ሳልሕ ኣብቲ ምስ ሮይተርስ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ዝኾነ ጸገም ብዘተ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለና" ኢሉ።
እቲ ሚኒሰትር ብምስዓብ "እንተኾነ ሰራዊትና ንዝተመንዘዐ መሬታና ናይ ምምላስ ሓላፍነት ኣለዎ፡ ስለዝኾነ ኸኣ ኣብዚ ሰዓት እዚ ካብ 60 ክሳብ 70 ካብቲ ብኢትዮጵያን ሓረስቶት ተታሒዙ ዝጸንሐ መሬትና ሒዝናዮ ኣለና" ኢሉ።
ገለ ካብቲ ዘሰሓሕብ ቦታታት ኣብ ምዕራብ ጎንደር እዩ ዝርከብ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ደሳለኝ፡ ሰራዊት ሱዳን ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሮም መጥቃዕትታት ከካይዱ ከምዝጸንሑ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣመሓዳሪ "ዋላ እኳ እቲ ናይ ሱዳን ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ 26 ጥቅምቲ ይጀምር፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጉድኣት ስለዘየጋጠመ ነቲ ዘጋጠመ ከየስፋሕናን ከየጋነንናን ክንሕዞ ፈቲንና ኢና" ኢሉ።
እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን ገለ ገለ ቦታታት ክቆጻጸሩ ስለዝጀመሩን፡ ነቲ ተግባሮም ንኸቋርጽዎ ከምዝተዘራረቡ ዝገልጽ ኣቶ ደሳለኝ "ሕዳር 3 ከምኡ'ውን 4 ሓደሽቲ ቦታታት ብምቁጽጻር ናይ ሓረስቶት መዓስከራት ከቃጽሉን ኣብ ልዕሊ ሰብ ጉድኣት ከብጽሑን ጀሚሮም። እቲ ከምዚ ዓይነት ተግባር ከኣ ክሳብ ትማሊ ይቅጽልዎ ኣለዉ" ኢሉ።
እቲ ኣመሓዳሪ ከምዝበሎ፡ ወተሃደራት ሱዳን ኣብቲ ኸባቢ ብዝወስድዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ስጉምትታት ንብረት ሰለማውያን ሰባት ከምዝዓነወን ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉን ገሊጹ።
"ናይቶም ሓረስቶት ዝተፈላለየ ንብረት፡ ማሽናትን መኸዘኒ እኽልን ኣቓጺሎም ዝተረፈ ኸኣ ወሲደሞ" ድሕሪ ምባል "ነቲ ዝኣኸለ መሸላን ጡጥን ወሲደሞ እዮም" ኢሉ።
እቲ ኣመሓዳሪ በቲ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወ ብምሕባር "ሰላም በር ኣብ እትብሃል ካብ 400 ክሳብ 500 ዝኾኑ ሓረስቶት ዝነብርዋ ንእሽተይ ቀበሌ፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ሓረስቶት ካብቲ ቦታ ክፈናቐሉ ተገዲዶም'ዮም፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኣስታት 1750 ዝኾኑ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም ኣለዉ" ኢሉ።
ኣብቲ ኸባቢ ግጭት ከምዝነበረ ንሮይተርስ ዝሓበረ ሚኒሰትር ዜና ሱዳን ፈይሰል ሳልሕ፡ ሰራዊት ሱዳን፡ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከምዝወሰደ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር ሱዳን ብምስዓብ "ጸብጸብ ሰራዊት ጸጥታ ሱዳን ከምዘረደኦ፡ እቶም ንሰራዊትና ዝገጠምዎ ካብ ኣወሃህድኦምን ዕጥቆምን ምዱብ ሰራዊት እምበር ሚልሻ ኣይኮኑን" ብምባል እቲ ግጭት ምስ መን ከምዝነበረ ኣብሪሁ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣቶ ደሳለኝ ብወገኑ፡ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝተፈለላየ ግዜ ግጭት ይልዓል ምንባሩን ብቀሊሉ መፍትሒ ይርከቦ ምንባሩን ብምብራህ፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ዝተፈለየ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"እዚ ናይ ሕጂ ዝተወሃሃደ ናይ መካናይዝድ ሰራዊት ኣሰሊፎም፡ ብኸቢድ ብረት ዝተሓገዘ መጥቓዕቲ እዮም ኣካይዶም" ኢሉ።
ነበርቲ እቲ እቲ ከባቢ ናብቲ ግጭት ከይኣትዉ ይጽዕሩ ምህላዎም ዝሓበረ እቲ ኣመሓዳሪ "እቲ ህዝቢ ንነብሱ ክኸላኸል ዝኽእል እኳ እንተኾነ፡ ኩሉ ነገር ሕግን ስርዓትን ሒዙ ከምዝከናወን ነረደኦም ኣለና፡ እንተኾነ እዚ ነገር ብመንግስቲ ፍታሕ እንዘይተረኺብሉ፡ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ነገር ናብ ካልእ ዘየድሊ ኣንፈት ከየምርሕ ስግኣት ኣለና" ኢሉ።
ውሃቢ ቃል ሚኒሰተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ነገር ኣመልኪትን ብደረጃ መንግስቲ ርክብ ከምዝገበራ ብምግላጽ "እቲ ግጭት ናይ መንግስቲ ሱዳን ድሌት ኣይኮነን" ብምባል፡ ኣብቲ ኸባቢ ብዘለዉ ኣካላት መንግስቲ ብዝተፈጸመ ጸገም ዝተፈጠረ እዩ ኢሉ ነይሩ።
ኣብቲ ዶብ ተፈጢሩ ዘሎ ጸግም ንምፍታሕ ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰተርን ምኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሱዳን ብምኻድ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሱዳን ከምዝተመያየጠ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት መዕለቢ ዘይተገበረሎም ናይ ይግበኣኒ እዩ ሕቶታት ከምዘሎን ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ምትፍናን ከምዝረአን ይዘርብ እዩ። ናይ ሓባር ናይ ዶብ ኮምሽን ብምምሰራት ብዙሕ ግዜ እኳ እንተተዛተዩ፡ ኣብ ሓደ ውሳነ ክብጽሑ ግን ኣይተራእዩን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







