ወለዲ፡ ወዶም ዝኣከቦ ናይ ወሲብ ፊልሚታት ብምዕናዎም ካሕሳ ክኸፍሉ ተበይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሚሺጋን ዝርከብ ቤት-ፍርዲ፡ ስድራ-ቤት ወዲ 42 ዓመት ናቱ ፖርኖግራፊ (ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ ምስሊ) ስለ ዝጎሓፍዎ ካሕሳ ክሓትት መሰል ከም ዘለዎ በይኑ።
እዚ ዴቪድ ወኪን ዝተባህለ መንእሰይ፡ ምስ ሰበይቱ ምስ ተፋትሐ፡ ምስ ስድርኡ ይነበር ከም ዝነበረን እቲ ንብረት ድማ ዋጋ 25 ሽሕ ዶላር ምዃኑን ይገልጽ።
ስድርኡ፡ ነቲ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ ስእሊ ወይ ፊልም ናብ ገዛ ሒዝዎ ከይመጽእ ሓቢሮሞ ከም ዝነበሩ ይካትዑ።
ብመሰረት እቲ ቤት-ፍርዲ ዝሃቦ ወሳነ፡ ስድራቤት ዴቪድ ንብረት ወዶም ከዕንው መሰል ከም ዘይብሎም ገሊጹ።
ዴቪድ፡ ምስ ሰበይቱ ምስ ተፋትሐ ን10 ወርሒ ዝኸውን ኣብ ሚሺጋን ኣብ ገዛ ስድራ-ቤቱ ከም ዝተቐመጠን፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2017 ካብቲ ገዛ ከም ዝወጽአን ይግለጽ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንድያና ይነብር ኣሎ።
''ካብ ገዛ ስድራ-ቤተይ ክወጽእ እንከለኹ፡ መተካእታ ዘይብሎም መጽሄታትን ፊልምታትን ኣብቲ ገዛ ገዲፈዮ ከይደ፤ ክወስዶም ምስ ተመለስኩ ድማ ተጓሒፎም ጸኒሖምኒ'' ክብል ይዛረብ።
ስድራቤቱ ድማ፡ እቲ ንብረት ኣብ መንበሪኦም ከም ዘይደልዩዎ ይሕበሩ።
ዴቪድ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2019፡ ስድራቤቱ ብዘይሕጋዊ መገዲ ንብረተይ ኣዕኒዮም ክብል ክሲ መስሪቱ።
እቲ ዝዓነወ ንብረት፡ 12 ካርቶን ምሉእ ወሲባዊ ንጥፈት ዘርኢ ፊልምን 1600 ዲቪድን ይርከብዎም።
ጠበቓ ስድራቤት ደቪድ፡ እቶም ስድራ ዘብጽሕዎ ዕንወት ንምግምጋም ምስ ክኢላታት ክዘራረብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ዴቪድ'ውን ነቲ ዝደልዮ ካሕሳ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ቤት-ፍርዲ ከቕርቦ ተሓቢሩ'ሎ።











![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



