ሱዳን ኣብ ስሉሳዊ ኣኼባ ከይተረኸበት ተሪፋ

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, MAXAR TECHNOLOGIES VIA REUTERS

ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ተቛሪጹ ምስ ጸንሐ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተጀመረ ስሉሳዊ ኣኼባ፡ ካልኣይ መዓልቱ ምስ ሓዘ ሱዳን ከምዘይተረኸበት መንግስቲ ኢዮዮጵያ ገሊጹ።

ሱዳን ብወገና ቅሬታኣ ኣስሚዓ ኣላ።

ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ትማሊ ሰኑይ ኣማስዩ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ሚኒስትራት ማይ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ከይተኻየደ ከምዝተረፈ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወደቦም፡ ሰብ ሞያ፡ ከምኡ’ውን ተዓዘብቲ ዝርከብሉ እዚ ኣኼባ፡ ኢትዮጵያ ክትመርሖ እዩ መደብ ተታሒዝሉ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ሱዳን ኣብቲ ኣኼባ ብዘይምርካባ እቲ ኣኼባ ከይተኻየደ ተሪፉ ተባሂሉ።

እዚ ከምዚ እንተሎ፡ ኣብ ጉዳይ ዙርያ ምምላእ ማይን ቀጻሊ ስራሕትን ኣመልኪቱ ትማሊ ተኻይዱ ኣብ ዝተብሃለ ኣኼባ ብዝምልከት ሱዳን ቅረታ ከምዘለዋ ማዕኸን ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና፡ ንመስኖ፣ ማይን ኢነርጅን እታ ሃገር ጠቒሱ ጸብጺቡ።

ሱዳን፡ ኣብቲ ሰንበት ዝተኻየደ ዘተ መሰረት ብምግባር፡ ምስቶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደቡ ሰብ ሞያ ክልቲኣዊ ኣኼባ ንምግባር ዘቕረበቶ ሕቶ ምላሽ ከይረኸበ፡ እዚ ናይ ሰኑይ ናይ ሚኒስትራት ኣኼባ ሕቶ ቀሪቡለይ ዝብል ቅረታ ኣስሚዓ።

እቶም ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደቡ ሰበ ሞያ፡ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ኣመልኪቱ ዝካየድ ኣኼባ ኣብ ምትሕብባር ስፍሕ ዝበለ እጃም ክወሃቦም ዝብል መርገጺ ከምዘለዋ ኣብቲ መግለጺ ሓቢራ።

ሚኒስተር ማይ፣ ኢነርጅን መስኖን ኢትዮጵያ፤ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ በቲ ጉጅለ እቶም ሰብ ሞያ ዝቐረበ ሰነድ ዘለዋ ቅረታ ብምግላጽ ብሚኒስትራት ደረጃ ንዝካየድ ኣኼባ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ከምዝተስማመዐት ኣፍሊጡ።

እቲ ንሓደ ወርሒ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣኼባ፡ ብሕቶ ሱዳን ዝተጀመረ ኾይኑ፡ በቶም ሰብ ሞያ ዝቐረበ ሰነድ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን እንትቕበልዎ ግብጺ ከምዝነጸገቶ ዝዝከር እዩ።

ንዓመታት ኣብ ህንጸት ዝርከብ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ግድብ ማይ ምምላእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ ብዝብል ግብጽን ሱዳንን ጸቕጢ ክገብራ’ኳ እንተፈተና፤ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ማይ ክትዓቁር ምጅማራ ይዝከር።

እቲ 78 ሚኢታዊት ህንጸቱ ከምዝተዛዘመ ዝግለጽ ግድብ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ብኸፊል ሓይሊ ከምንጩ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

ኣብ ዝሓለፈ ኣመት፤ ብማእኸላይነት ኣመሪካ ኣብ ዋሺንግንተን ዝካየድ ሽምግልና እንተነበረ''ኳ፡ ኢትዮጵያ በቲ ውጽኢቱ ስለዘይተስማመዐት፡ ካብኡ ወጺኣ፤ እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክቕጽል ምጥላባ ዝዝከር እዩ።

በቲ ሕብረት ዝካየድ ሽምግልና ድማ፤ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተቛራረጸ፡ ኣብዚ ሕዚ በጺሕዎ ዘለዎ ብርኪ ይርከብ።