ግብጺ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ብሰብ ሞያ ንዝቐረበ ሰነድ ኣይቅበልን ከምዝበለት ተሓቢሩ

ህዳሰ ግድብ

ምንጪ ስእሊ, FBC

ተቛሪጹ ዝጸንሐ ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘድሃበ ኣኼባ ትማሊ ሰንበት ክካየድ ከሎ ግብጺ ነቲ ብሰብ ሞያ ዝቐረበ ረቂቕ ሰነድ ነጺጋ።

ግብጺ ዘይተቐበለቶ ረቂቕ ሰነድ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወደቡ ሰብ ሞያ ከምዘዳለውዎ ሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ብሞንጎኛነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዘካይድኦ ዝነበራ ዝርርብ ንሓደ ወርሒ ተቛሪጹ’ኳ እንተጸንሐ፤ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ንዝቐረበ ረቂቕ ሰነድ ብኣወንታ ከምዝተቐበልዎ መግለጺ እቲ ሚንስትሪ የመልክት።

ሚንስተር ዓለምለኻዊ ርክባትን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ኣቦመንበር ቤት ምኽሪ ኣፈጻሚ ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ናይ ትማሊ ስሉሳዊ ዝርርብ ከምዝመርሕዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ ሰለስቲኤን ሃገራት ሚንስትራ ወጻኢ ጉዳያትን ሃብቲ ማይን ዝተሳተፉ ኮይኖም፤ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝመረጾም ሰብሞያ ዝቐረበ ረቂቕ ሰነድ ከምዝዘተዩ ተሓቢሩ።

እቲ ሰነድ ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዝረኸበን “ኣብ ዝካየድ ቀጻሊ ኣኼባ ከም መጣቐሲ ክትጥቀመሉ ድልውቲ ምዃና” ከምዘፍለጠትን እቲ ሚንስትሪ ገሊጹ።

ሱዳን “እቲ ሰነድ ነቲ መስርሕ ረብሓ ኣለዎ ብዝብል ከምእትርእዮ” ብምግላጽ ኣብቲ ዘተ ክትቕጽል ድልየት ከምዘለዋ ኣፍሊጣ ዝበለ መግለጺ ሚንስትር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ “ብወገን ግብጺ ዝቐረበ ጉጅለ ግን ነቲ ሰነድ ፈጺሙ ከምዘይቕበሎ ገሊጹ” ኢሉ።

ሚንስቴር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ኢንጂነር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር) እቲ ዘተ ቅድሚ ምክያዱ ብትዊተር ኣብ ዝጠቅዖ መልእኽቲ፡ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ መስርሕ ምምላእ ግድብ ህዳሰን ዓመታዊ ኣፈጻጽማ ስራሕን ኣብ ዝምልከቱ ደንብታትን መምርሕታትን ዘተ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ንመስርሕ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ዝካየድ ዘተ፤ እቲ ግድብ ምሉእ ብምሉእ ማይ ክሕዝ ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት ዘድሃበ ከምዝኾነ’ውን ሓቢሩ።

ሰብሞያ እተን ሃገራት ኣብ ዘካይድዎ ዘተ ንዝብጽሑ ስምምዓትን ዝፈላለዩሎም ጉዳያትን ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ኣኼባ ሚንስትራት ስለዘቕርቡ እቲ ስሉሳዊ ዘተ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።

ቅሬታ ግብጺ

መንግስቲ ግብጺ እቲ ኣኼባ ትማሊ ሰንበት [03/01/2020] ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት ኣብ ሃገሩ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኢትዮጵያ ብምጽዋዕ ኣብቲ ብወሃቢ ቓል ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ዝተወሃበ መግለጺ መብርሂ ንኽህብዎ ምሕታቱ ይዝከር።

ኣህራም ዝተበሃለ ጋዜጣ እታ ሃገር ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፤ እቶም ዲፕሎማሰኛታት መብርሂ ንኽህቡ ጻውዒት ዝቐረበሎም እቲ ወሃቢ ቓል ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ግብጺ ርእይቶ ሂቡ ብዝብል ከምዝኾነ ኣስፊሩ’ሎ።

ብኻልእ ገጽ ድማ ቅሬታ ግብጺ ምስቲ ህንጸቱ ዝዛዘም ዘሎ ግድብ ህዳሰ ብዝተሓሓዝ እቲ ወሃቢ ቓል ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ዝተሓሓዝ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሚቱ ነይሩ።

ንዓመታት ኣብ ህንጸት ዝርከብ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ግድብ ማይ ምምላእ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ ብዝብል ግብጽን ሱዳንን ጸቕጢ ክገብራ’ኳ እንተፈተና፤ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ማይ ክትዓቁር ምጅማራ ይዝከር።

እቲ ዝበዝሕ ህንጸቱ ከምዝተዛዘመ ዝግለጽ ግድብ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ብኸፊል ሓይሊ ከምንጩ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።