ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, ኢንጂነር ክፍሌ
ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኾይኑ ተሸይሙ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ምስሓለፈ፡ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ዝነበረ ኢንጂነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ግዚያዊ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ከገልግል ፀኒሑ።
ትማሊ፡ ትካል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፡ ንህንፀት እቲ ግድብ ዝመርሑ ሰባት መዚዙ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኮይኑ'ሎ። ኢንጂነር ኤፍሬም ወልደኪዳን ድማ ምክትል ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ክቕጽል እዩ።
ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ መን እዩ?
ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ ብሞያ ምህንድስና ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክሰርሕ ዝፀንሐ እዩ።
ኣብ ህንፀት 'ግቤ ሓደ' መፈልፈሊ ፀዓት፡ ካብ 1999 ክሳዕ 2004 ምክትል ፈፃሚ ስራሕ ኮይኑ ሰሪሑ።
ኣብ ትካል ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያ፡ ሓላፊ ክፍሊ ኤሌክትሮ መካኒካል ኮይኑ እውን ኣገልጊሉ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ 'ጣና በለስ' ኮይኑ ድማ ካብ 2006-2010 ሰሪሑ።
ኣብ 2011 ህንፀት ግድብ ህዳሰ ምስተጀመረ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ክፍሊ ኤሌክትሮ መካኒካል ነይሩ።
ኢንጅነር ስመኘው በቀለ ኣካያዲ ስራህ ኮይኑ ኣብዝተሸመሉ እዋን፡ ኢንጂነር ክፍሌ ድማ 1000 ኪሎሜትር ንውሓት ዘለዎ ንኢትዮጵያን ኬንያን ዘራኽብ ፕሮጀክት ኤሌክትሪክ ኣብ ምዝርጋሕ ኣካያዲ ስራሕ ኮይኑ ካብ 2013 ክሳዕ 2014 ሰሪሑ።
ድሕሪ 2016 ድማ፡ ኣብ ናይ ውልቀ ስራሕ እናነጠፈ እንከሎ እዩ ኣካያዲ ስራሕ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎ።
ደረጃ ትምህርቲ
ኢንጂነር ክፍሌ ኣብ ወለጋ እዩ ተወሊዱ ዓብዩ።
ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብኤሌክትሪካዊ ምህንድስ ኣብ 1984 ቀዳማይ ዲግሪኡ ረኺቡ።
ኣብ 1999 ድማ ናብ ጀርመን ከይዱ ናይ 15 ወርሒ ተወሳኺ ስልጠና ወሲዱ።
ኣብ 2015 ድማ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ዝርከብ ሳል ፎርድ ዩኒቨርሲቲ ብፕሮጀክት ማኔጅመንት፡ ካልኣይ ዲግሪኡ ረኺቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







