ግድብ ህዳሰ፡ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ንኢትዮጵያን ግብጽን ይሽምግሉ ኣለዉ

ከተማ ኣስዋን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፈለግ ናይል ብከተማ ኣስዋን'ዩ ዝሓልፍ

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን: ንካልኣይ ግዜ ኣብ ካርቱም ዘካየደኦ ስሉሳዊ ልዝብ፡ ብዘይ ውጽኢት ምስ ተበተነ፤ ግብጺ እቲ ልዝብ ፍሒት ክብል ከምዘይከኣለ ብምግላጽ፡ ሳልሳይ ሸምጋሊ ወገን ኢዱ ከእቱ ጻውዒት ኣቕሪባ።

'እቲ ልዝብ ውጽኢት ኣልባ እዩ' ዝብል ናይ መንግስቲ ግብጺ ርእይቶ ግን ብወገን ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣይነበሮን። ኢትዮጵያ ነዚ ብምቅዋም ነጺጋቶ ነይራ።

ቅድም ክብል ኣብ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ ብግብጺ ዝቐረበ ሓሳብ፡ እቲ ግድብ ዝምለኣሉ እዋን ክናዋሕን ብማእኸላይ ዓመታዊ መጠን ፍሰት ካብ 400 ቢልዮን ኩቢክ ሜትር ከይንኪ ዝሓትት እዩ ነይሩ።

ኢትዮጵያ፡ 'እቲ ሓድሽ እማመ ካብቲ ክካየድ ዝጸንሐ መንፈስ ዝወጽአ እዩ' ብዝብል ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ኣይተቐበለቶን።

"እቲ ብግብጺ ዝቐረበ ሓሳብ፡ እቲ ካብ ጥንቲ ሒዛቶ ዝጸንሐት ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈረመ ኣድላዊ ውዕል ብሕታዊ ተጠቃሚነታ ዘረጋግጽ መቐጸልታ እዩ" ብምባል'ያ ኢትዮጵያ ነጺጋቶ።

ነዚ ስዒቡ እያ ግብጺ እቲ ሳልሳይ ወገን ዝበለቶ መንግስቲ ኣመሪካ ኢዱ ከእቱ ዝሓተተት። ኢትዮጵያ ከኣ ሳልሳይ ሸምጋሊ ኣካል ከምዘይትፈቅድን ንሽምግልና ከምዘይትቕመጥን ኣፍሊጣ ነይራ።

እቲ ፍልልይ ክሳብ ናብ ናይ ኲናት ቃላት ምጥቃም ክብ ኢሉ።

እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ካብ ኣባላት ባይቶ ሕቶ ዝቐረበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝሃቦ ምላሽ ድማ ነዚ ዘረጋግጽ'ዩ ነይሩ።

ተዛተይቲ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, @realDonaldTrump

"ኲናት እንተኾይኑ ዝድለ፤ ሚልዮናት ክነሰልፍ ንኽእል ኢና። ንሕና ግን ቀዳምነት እንህቦ ጉዳይ ዝርርብ እዩ። ልዝብ ክቕጽል ኣለዎ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ሳልሰይቲ ተሸማጋሊት ዝኾነትን ዓብዪ ቦታ ዘለዋን ሱዳን፡ ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ሓፈሻዊ ቅዋማ ምስ ኢትዮጵያ ዝሳነ እንተኾነ'ኳ፡ ኣብዚ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ናይ ክልቲአን ኣባል ተፋሰስ ዝተባለሐ ክትዕን ምልልስን ግን ኢዳ ኣይሓወሰትን።

ብግብጺ ዝተዓደሙ ሸምገልቲ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ጻውዒት ሽምግልና ቀሪብሉ ነይሩ።

ኣመሪካ ድማ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ ከም እትድግፍን፡ ናይ ኩለን ሃገራት እቲ ሃብቲ ማይ ናይ ምጥቃም መሰለን ኣብ ዘረጋግጽ ስምምዕ ክብጻሕን ዝሓትት መግለጺ ኣውጺኣ።

ቀጺላ ድማ፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ጸዊዓ ከተላዝበን ዘቕረበቶ ሕቶ ብሰለስቲአን ሃገራት ተቐባልነት ረኺቡ። ነዚ ስዒቡ ድማ ሚኒስትራት ጉዳይ ወጻኢ እተን ሃገራት ትማሊ ኣብ ዋሺንግተን ተራኺቦም ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

እዚ፡ 'ካብ ኢትዮጵያ ናይ መርገጺ ለውጢ'ዶ የርእይ?' ዝብል ጥርጣረ ይፈጥር ኣሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንደ፡ ስዊድን፡ ሕጹይ ዶክትሬት ድግሪ ዝኾነን ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ዝርከብን ወንድወሰን ሚቻጎ ሰይድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኢትዮጰያ መርገጺኣ ኣይቀየረትን'ዩ ዝብል።

"ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጽአ ናይ ቅዋም ለውጢ ዘይኮነ፡ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣባይ፡ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ፡ ብምትሕብባር ንምፍታሕ ካብ ዘለዋ ድሌት ዝመንጨወ ይመስለኒ። ኣመሪካ ድማ መሓዛ ክልቲኤን ሃገራት እያ። እተን ሃገራት፡ ዘይተሰማምዓሎም ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ዘለው ቴክኒካዊ ጉዳያት ስለዝኾነ፡ ክሳብ ሕዚ ሓሙሽተ ግዘ'ኳ እንተዘተይሉ፡ ውጽኢታዊ ግን ኣይኮነን። እዚ ክፈትሕኦ ኣለወን" ኢሉ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "ሕዚ ናይ ኣመሪካ ሞንጎኝነት ዝርእየሉ ጽቡቕ ጎኒ፡ ጉዳይ ኣባይ ዘለዎ ፖለቲካዊ ትርጉም ዓብዪ ስለ ዝኾነ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ነዚ ትኹረት ሂቡ ክዛተያ ምግባሩ ጽቡቕ'ዩ። ብርግጽ፡ ኢትዮጵያ፡ 'ጸገማት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃዊ ፍታሕ'ዮም ክረኽቡ ዘለዎም' ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዋ፤ ኣብዚ ዓብዪ ለውጢ ገይራ እያ ኣይብልን" ክብል ገሊጹ።

ተንታኒ ጉዳያት ድሕነትን ጸጥታን ኣቶ ዳደ ደስታ ብወገኑ፡ ካብዚ ዝተፈለየ ቅዋም እዩ ዘለዎ። ንሱ፡ "ግብጺ ንጉዳይ'ቲ ግድብን ሩባ ኣባይን [ናይል] ናይ ሃለዋት ሕቶ ገይራ እያ ትወስዶ፡ ብኢትዮጵያ ግን ክንድኡ ዝኣክል ትኹረት ኣይወሃቦን ዘሎ" ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

"እቲ ጉዳይ ካብ ኢድ ኢትዮጵያ ዝወጽእ ዘሎ መሲሉ እዩ ዝስመዐኒ" ድማ ኢሉ፤ ብዛዕባ ሳልሳይ ሸምጋሊ ኣካል ኢድ ኣእታውነት እንትዛረብ።

ብፍላይ ድማ፡ ክልቲኦም ባንኪ ዓለምን መንግስቲ ኣመሪካን ብግብጺ ተጸዊዖም ዝመጽኡ ሸምገልቲ ምዃኖም፡ ክዝንጋዕ የብሉን እዩ ዝብል። እዚ ኣብ ታሪኽ እቲ ግድብ ዝኸውን ዘሎ ንመጀመርታ ግዜ ምዃኑ ድማ ሕቶ ፈጢርሉ።

ሳልሳይ ኣካል ናይ መን ድሌት እዩ?

ግድብ ህዳሰ

ምንጪ ስእሊ, OMN

ብርግጽ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ፡ ሸምጋሊ ኣካል ጣልቃ ክኣቱ ክትሓትት ከላ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣይኮነን። ቅድሚ ክልተ ዓመት ወርሒ ጥሪ፡ 2019፤ ባንኪ ዓለም ናብቲ ጉዳይ ኢዱ ክሓውስን እቲ ዘተ ብመንጎኛ ኮይኑ ክዕዘብን ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ። ብርግጽ ባንኪ ዓለም ካብ ቢቢሲ ሕቶ ቐሪበሉ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝፈልጦ ነገር ከምዘይብሉ እዩ ምላሽ ሂቡ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ እንተኾነ'ውን፡ ሃገሩ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ኢዱ ከእቱ ከምዘይትፈቅድ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኢትዮጵያ ሒዛቶ ዝጸንሐት ጽኑዕ ቅዋም፡ ካብቲ ሰለስቲኦም ሃገራት ኣብ መጋቢት 2015 [ብኢትዮጵያ 2008] ዝበጽሑዎ ሓበራዊ ስምምዕ ዝነቅል እዩ።

ክሳብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሓደ ዕልባት እንድሕር ዘይተገብረ፡ ሕዚ ናብ ተግባር ክእቶ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ፡ ዓንቀጽ 10 ዝኾነ ዘይምስናይ እንተተፈጢሩ፡ እቲ ጉዳይ ናብ መራሕቲ እተን ሃገራት ክወስድዎን ብሰናይ ተበግሶ ክውዳእን እዩ ዝእንፍት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሽምግልና ዘይኮነስ ልዝብ ከምዝኾነ እዩ ደጋጊሙ ዝገልጽ። ሕዚ ግን መንግስቲ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብቲ ሽምግልና ተዓዘብቲ ኮይኖም ክርከቡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ እዩ።

ምፍቃድ ኢድ ኣእታውንት ኣመሪካ፡ ካብዚ ኣተሓሳስባ ዝወጸን ናይ ቅዋም ለውጥ ከምዝተገብረን፤ ከምኡ'ውን እቲ ድርድር ናብ ግብጺ የዘንብል ከይህሉን እቲ ቅዋም ከይሸራረፍን ሕቶ ዝፈጠረሎም ብዙሓት እዮም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ሕጹይ ዶክትሬት ድግሪ፡ ጎይተኦም ገብረልኡል፡ ግብጺ ካብ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝበጽሓ ዘሎ ጸቕጢ ምጽዋር ስለዘይከኣለት እያ ካልኦት መማረጺ መንገድታት ትእልሽ ዘላ'ዩ ዝብል።

ኣብ መንጎአን ስምምዕ ከይተፈጠረ ምቕጻሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ጽዕንቶ ኣይምሃለወን በሃሊ እዩ።

ሕዚ'ውን እንተኾነ፡ ንጎይተኦም፡ ሳልሳይ ሸምጋሊ ኣካል ኢድ ኣእታውነት ኣይኮነን እቲ ቀንዲ ዘስግእ።

"ህንጸት እቲ ግድብ 'ይቕጽልደ ኣሎ ተቛሪጹ?' ዝብል ሕቶ እዩ ዘገድስ። እቲ ወሳኒ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ናይ ምስራሕ ዓቕም ቆራጽነትን ኣለዋዶ? ናይ ሱዳን መረገጺኸ ዝብል እዩ እቲ ቀንዲ ጉዳይ" ይብል።

ሱዳናዊ ተመራማሪ ጉዳያት ማይ፡ ኣል-ማህቡብ ኣቡ-ዓሊ ግን፡ ንትካል መጽናዕቲ ግብጺ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ "ብምኽንያት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዙሕ ዘጨንቕዋ ጉዳያት ግብረ-ራዕድን እስላማዊ ጉዳያትን ዘለውዋ ኣመሪካ፤ ... ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽዕንቶ ክትፈጥር ኣይትደልን" እዩ ዝብል።

ኣቡ-ኣሊ፡ "ኣመሪካ ከም ሓንቲ ልዕለ ሃያላን ሃገራት፡ ቀንዲ ሸምጋሊት ክትኸውን ትኽእል እያ። ንግብጺ ከተዳሉ እያ ዝብል እምነት ግን የብለይን" እዩ ዝብል።

ነንርእስኻ ዘይምትእምማን

ኣብቲ ጉዳይ ዓብዪ ናይ ስነ-ልቦናን ጽዕንቶ ከምዘሎ ዝኣምን ወንድወሰን፡ "ብወገን ግብጺ፡ ስነ ልቦናዊ ጉዳያት ስለ ዘለው፡ ሳልሳይ ወገን ክኣትዎ ከሎ፡ ቁሩብ ዋሕስ ናይ ምርካብ ስምዒት ክፈጥር ይኽእል'ዩ። እዚ ግን ቅዋም ኢትዮጵያ ዝቕይር ኣይኮነን" ኢሉ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ብዙሕ ግዘ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘይምትእምማን ከም ዘሎ መጽናዕቲ የርኢ።

"እተን ሃገራት ነንሓድሕደን ይጠራጠራ እየን። ካብዚ ሓሊፉ ግን፡ ብወገን ግብጺ፡ ማይ ክንኪ'ዩ ዝብል ዓብዪ ስግኣት ኣለዋ። እዚ ታሪካውን ሱር ዝሰደደን'ዩ። ግን ኢትዮጵያ ዝሃነጸቶ ግድብ ናይ 'ሃይድሮ ፓወር' ስለ ዝኾነ፡ ማይ ኣይወስድን። ግብጺ ግን ማይ ዝወስድ ስለ ዝመስላ፡ ኩሉ ብጥርጣረ ዓይኒ'ያ ትርእዮ። እዚ ነቶም ክካየዱ ዝጸንሑ ዘተታት ክሃስዮ ስለዝጸንሐ፤ እቲ ናይ ሕዚ መድረኽ፡ ኣሜሪካ ዋሕስ ኮይና ክተዛቲ ይሕግዝ እዩ ኢለ ይሓስብ" ይብል ወንድወሰን።

እተን ሃገራት ነንርእሰን፡ ዝሃበኦ እጃም እቲ ማይን፡ እዚ ከይንከየን ዝገብረኦ ቃልስን፤ ሓደ ዕንቅፋት ከምዝኾነ እዩ ወንድወሰን ዘረድእ።

"ነንርእሰን ምትእምማን ዘይፈጠራ ሃገራት፡ ኣብ ግድብ ምምላእን ኦፕሬሽንን ብኸመይ ክስማማዓ ይኽእላ?" ክብል ድማ ይሓትት።

ኢድ ኣእታውነት ኣመሪካ ነዚ ዘይምትእምማን ኣብ ምልጋስ ይረብሕ ይኸውን ዝብል እምነቱ እንተረድእ።

ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ

እንተኾነ፡ ወንድወሰን፡ እቶም ሕዚ ካብ ግብጺ ዝመጽኡ ዘለዉ ሓደሽቲ ሓሳባት፡ ካብቲ ጉዳይ እቲ ግድብን እቲ ማይን ዝዘለለ ከይኸውን ስግኣት ኣለዎ።

"እቲ ሎሚ ሎሚ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ግብጺ እማመ፡ ኣብ ሩባ ኣባይ ካብ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ዝዘለለ እዩ ዝመስል። ምናልባሽ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ መንግስታዊ ለውጥታትን ፖለቲካዊ ዋዕን ስዒቡ ዝመጽአ ከይኸውን" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ክልቲአን ሃገራት፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን መንግስታዊ ለውጢ ተኻይዶም ኣለዉ። ብፍላይ ኣብቲ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ህዝባዊ ናዕቢ ናይ ግብጺ ኢድ ከምዝነበሮ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ዝተሓላለፈ ሰነዳዊ ፊልም ኣመላኺቱ ነይሩ።

"እዚ ኩነታት ብገለ ግብጻውያን ሓደሽቲ እማመታት እናምጻእኻ ተግባራዊ ንምግባር ጸቕጢ ንምፍጣር ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እዩ ዝስመዖም" ይብል ወንድወሰን።