ምስልታት ሳተላይት፡ ግድብ ህዳሰ ማይ ምዕቛር ከምዝጀመረ ኣርእዮም

ምንጪ ስእሊ, Maxar Technologies via Reuters
ካብ ከባቢ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተወስዱ ምስልታት ሳተላይት፡ እቲ ግድብ ልዕል ዝበለ መጠን ማይ ከምዝሓዘ የመላኽቱ።
እቲ ሓድሽ ምስሊ ዝተወስደ ብዕለት 20 ሰነ 2012ን 5 ሓምለ 2012ን [ብኣቆጻጽራ ግእዝ] እንትኸውን፡ እቶም ተኸታተሊ ምስሊታት፡ እቲ ግድብ ዝሓዞ መጠን ማይ መዓልታዊ እናወሰኸ ምምጽኡ የርእይ ተባሂሉ።
ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ ሓረስቶት ብስልኪ ከምዘረጋገጾ፡ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ጉባ ወረዳ፡ ሓያል ዝናብ ክረምቲ ክወርድ ቀንዩ ኣሎ።
ጋዜጠኛ ቤናጃሚን ስትሪክ፡ ነቶም ምስልታት ብምክትታል ከምዝበሎ ድማ፡ ምናልባሽ ኣብቲ ግድብ ዝተርአየ ማይ ካብቲ ሓያል ዝናብ ዘዕቖረ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝገልጽ።
ጋዜጣ ግብጺ ኣልኣህራም'ውን ካብ ኤውሮጳ ስፔስ ኤጀንሲ ዝተልዓሉ ምስልታት ሳተላይት ጠቒሱ፡ እቲ ግድብ ማይ ምሓዝ ዝጀመረ ኣብቲ ከባቢ ይወቅዕ ካብ ዘሎ ሓያል ዝናብ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ጸብጺቡ።
ተንታኒ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ዊሊያም ዳቪሰን ነቲ ጋዜጣ እዚ ግምቱ ኣረጋጊጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ነቲ ግድብ ማይ ምምላዕ ከም ዝጅምር ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ግብጺ ብወገና፡ ኣብ ሓደ ዕልባት ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክትቁጠብ ኣጠንቂቓ እያ።
ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝጸንሐ ስሉሳዊ ዘተ፡ ዛጊድ ኣብ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ዶክተር ስለሺ በቀለ ኣብ ትዊተሩ ኣስፊሩ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ዘተ ምምሕያሻት ከምዝተርአየን ናይቲ ዘተ ውጽኢት ንመራሕቲ ሃገራት ከምዝቐርብን እቲ ሚኒስተር ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ግድብ ማይ ዝምለአሉ ኣግባብ እናዘራረበ እንትኸውን፡ ብፍላይ ግብጺ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጣልቃ ክኣቱ ምጥራዓ ዝዝከር እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







