ሰራሕተኛታት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንምንታይ ኣዲሞም?

ምንጪ ስእሊ, MOFA
ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ጣልያናዊ ተኾናታሪ ሳሊኒ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ክንረኽቦ ዝግበአና ጥቕማ ጥቕሚ ኣይረኸብናን፡ ብዝብል፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ንኣርባዕተ መዓልታት ኣዲሞም። እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ጥቕማ ጥቕሚ ብዝዘለለ ኣብ ልዕሊኦም ግህሰት መሰል ከምዝፍፀም እውን ይገልፁ።
ኣብ ትሕቲ ተኾናታሪ ሳሊኒ ዝሰርሑ ኣስታት 17 ሽሕ ሰራሕተኛታት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ በቲ ተኾናታሪ ክንረኽቦ ዝግበኣና ረብሓ ኣይረኸብናን ብዝብል ንኣርባዕተ መዓልታት ስራሕ ደው ከምዘበሉ ገለ ካብቶም ሰራሕተኛታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ንሽድሽተ ዓመታት ኣብቲ ግድብ ዝሰርሐ ደሳለኝ በቀለ፡ ወርሓዊ መሃያ ካብ ምውሳኽ ብተወሳኺ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ መዓረ ክፍሊት ከምዘይኽፈሎምን፡ መሰሎም ሓቲቶም ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ምላሽ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ድማ፡ ንክእድሙ ከምዝተገደዱ ይዛረብ።
''መሃያና ንክውሱኽና ሓቲትና መልሲ ክወሃበና ኣይከኣለን። እዚ ኣድማ ክበሃል ኣይከኣልን መሰልና ኢና ሓቲትና '' ዝብል ኣይተ ደሳለኝ፡ ኣብቲ ግድብ ኣብ ትሕቲ ተኾናታሪ ሳሊኒ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት በብወርሑ ንቀለብ ዝወሃቦም ክፍሊት እውን ዘይምዕሩይ ምዃኑ ይገልፅ።፡
እዚ ኣብ ሞንጎ ሰራሕተኛታት ዝረአይ ኣፈላላይ ንክፍታሕ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል ሓቲቶም ሰማዒ ከምዝሰኣኑን እዚ ነቲ ሰራሕተኛ ከምዘቖጥዐን ንቢቢሲ ትግርኛ ተዛሪቡ።
''ንወርሓዊ ቀለብ ዝኽፈለና ክፍሊት ውሑድ እዩ። ንካልኦት ምሳና ዝሰርሑን ንዓና ዝኽፈለናን ዝተፈላለየ እዩ። ሕዚ 4500 ብር ንክኽፈለና ኢና ሓቲትና። ምኽንያቱ፡ ንካልኦት 4500 ብር እናተኸፈሎም ንዓና ግና ክልተ ሽሕ ብር ጥራሕ እዩ ዝኽፈለና" ይብል።
እዚ ፀገም ገና ክቑፀሩ እንከለዉ ኣትሒዙ ከምዝዘነበረ ዝገልፅ ኣይተ ደሳለኝ፡ ኣብቲ ግድብ ናይ ዝሰርሑ ደረጃ ትምህርቲ መለክዒ ክኸውን ኣይግባእን በሃላይ እዩ።
"ኣብቲ ቦታ ዘሎ ዝተምሃረን ዘይተምሃረን ሓይሊ ሰብ ሓደ ዓይነት ምግቢ ስለዝምገብ ሓደ ዓይነት ናይ ቀለብ ክፍሊት ክኽፈል ይግባእ''።
ኣብ ፆታ ዝተደረኸ በደል
ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትሕቲ ኮርፖሬሽን ኢንጅነሪንግ ሓፂን መፂን (ሜቴክ) ትሰርሕ ኢንጂነር ብሩክታዊት እሸቱ ድማ፡ ንሳሊኒ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ፆታ መሰረት ዝገበረ በደል እንትፍፀም ተዓዚበ እየ ትብል።
'' ንደቂ ኣንስትዮኣብ ዘይጥዕመን ዘፈር ስራሕ እዮም ዝምድብወን። ነዚ ድማ እዩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ይበፅሐና ኣሎ ኢሎም ብምቅዋም ስራሕ ደው ዘበሉ'' ብምባል ካልእ ምኽንያት እቲ ኣድማ ስራሕ ገሊፃ።
እዞም ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ በደል እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ይብሉ።
ንሳሊኒ ወኪሎም ዘስርሕዎም መስራሕቶም መሰል ሰራሕተኛታት ዝግህስ ተግባር ከምዝፍፅሙን ዘይግቡእ ክፍሊት መንበሪ ገዛ ከምዘኽፍልዎምን ኣይተ ደሳለኝ ተዛሪቡ።
'' ዋላ ሓደ ክንክን ስለዘይገብሩልና ኢና ሆ ኢልና ወፂና ዘለና። ፀዓዱ ከስርሑና እንከለዉ እናፀረፉ እዮም ዘስርሑና ዝብል እውን ኣሎ። እቲ ካልእ ጥሕሰት ድማ፡ እቲ ትካል ንመንበሪ ሰራሕተኛታት ዝሰርሖ ገዛ ካብ መሃያና ወርሓዊ 600 ብር ዝቖርፅ ምዃኑ እዩ" ኢሉ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ፤ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይተ ምስክር ነጋሽ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ፆታ መሰረት ዝገበረ በደል ይፍፀም እዩ ዝብል፡ ዝበፅሖም ሓበሬታ ከምዘየለን፡ እዚ ተግባር ኣብ ባይታ እንተድኣ ሃልዩ፡ ብምፅራይ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስዱ ሓቢሮም።
''ድሕሪ ሞት ኢንጂነር ስመኘው ኩሉ ዛሕቲሉ...''
እዞም ሰራሕተኛታት ኣልዒለሞም ዘለዉ ሕቶታትን ኣድማ ስራሕን ኣብ መዓልታዊ ስራሕ እቲ ግድብ እንታይ ፅልዋ ፈጢሩ? ድሕሪ ሞት ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ዘሎ ህንፀት እቲ ግድብ'ኸ እንታይ ይመስል? ቢቢሲ ዘልዓሎ ሕቶ እዩ።
"ኢንጂነር ስመኘው ካብ ዝመውት ንደሓር፡ ብዙሕ ናይ ስራሕ ወነ የለን። እቲ ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ እውን ብደምቢ ኣይፈለጥናዮን። እቲ ስራሕ ይስራሕ ዋላ እኳ እንተሃለወ፡ ብጣዕሚ ዛሕቲሉ እዩ ዘሎ" ኢላትና ኢንጂነር ብሩክታዊት።
ኣይተ ደሳለኝ በቀለ ድማ፡ ካብዘን ናይ ኣድማ መዓልታት ወፃኢ፡ ልሙድ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ይዛረብ።
''ካብዘን ሰለስተ ኣርባዕተ መዓልታት ወፃኢ፡ እቲ ሰራሕተኛ፡ ብዝነበሮ ወነ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ሕቶና እንተድኣ ተመሊሱልና ኮይኑ፡ እቲ ዝተተሓዘ ዕላማ ኣብ ሽቱኡ ንምብፃሕ ኩሉ ክሰርሕ እዩ"።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ፤ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ፡ ኣይተ ምስክር ነጋሽ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓቲትናዮም። እቲ ዝበዝሕ ሰራሕተኛ ኣብ መኣዲ ስርሑ ከምዝርከብን መዓልታዊ ስራሕ እቲ ግድብ ከመዘይተቋረፀ ሓቢሮም።
''ስራሕቲ ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ከምዘይተቋረፀ ክፍለጥ ይግባእ። ናይ ስቪል ስራሕ ዝሰርሑ ውሱናት ናይ ሳሊኒ ሰራሕተኛታት ግና ሕቶ ጥቕማ ጥቕሚ ኣልዒሎም እዮም። እዚ ድማ ምፍታሕ ከምዝከኣል፡ ስራሕ መካየዲ ተኾናታሪ ሳሊኒ ኣዘራሪብዎም ኣሎ።
ስራሕ ደው ዘበሉ ሰራሕተኛታት፡ ዘቕረብዎ ሕቶ ጥቕማ ጥቕሚ፡ ብመሰረት ውዕሎም ክፈትሐሎም እዩ። ናብ ምስምማዕ ገፅ እናበሉ እዮም" ብምባል ነቲ ኩነታት የብርሁ።
''ሜቴክ ስርሑ ኣየቋረፀን''
አይተ ምስክር ነጋሽ ናይቲ ግድብ ስራሕ ከምዘይተቋረፀ ዝገልፅሉ ተወሳኺ ምኽንያት ኣለዎም፡
''ናይ ሃይድሮሊክ ስቲል ስትራክቸርን ኤሌክትሮ መካኒካል ስራሕን ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ሓፂን መፂን ኢትዮጵያ እዩ ዝሰርሖ ዘሎ። ናሃቱ ሰራሕተኛታት ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ስራሕ እዮም ስለዝርከቡ ። ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ስለዝርከቡ፡ ስራሕ ተቛሪፁ ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ሓቂ እዚ እዩ" ኢሎምና።
ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ካብ ዘልዐልዎ ሕቶ ብተዛማዲ፡ ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ሓፂነ መፂን ኢትዮጵያ (ሜቴክ) ኩንትራቱ የቋርፅ ኣሎ ዝብል፡ ካልእ ስግኣት እቲ ግድብ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልፁ ። ኣይተ ምስክር ነዚ እንትምልሱ፡
"እቲ ግድብ ን24 ሰዓታት እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ህንፀት እቲ ግድብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 68 ሚእታዊት ተፈፂሙ እዩ። ወሰንቲ ዝበሃሉ ስራሕቲ ስለዝተሰርሑ፡ ነቲ ዝተዓለመ ብርኪ ዘዕውት እዩ" ይብል።
"ስለዝኾነ ድማ ሃገር በቆል ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ሓፂን መፂን ኢትዮጵያ ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ፍልጠትን ቴክኖለጂን ስግግር ዓብይ ኣበርክቶ ዘለዎ ትካል እዩ። ሜጋ ፕሮጀክታት ብናይ በዓልና ዓቕሚን ሰብ ሞያን ክንሰርሕ ከምንኽእል ዘመስከረ እዩ።"
"ሕዚ እውን ኣካል ህንፀት እቲ ግድብ እዩ" ብምባል ህላወ ኮርፖሬሽን ኢንጂነሪንግ ሓፂነ መፂን ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዕዙዝ ግደ ከምዘበርከተ ይዛረቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







