ኣብ ዶባት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ ሓረስቶት እንታይ ይብሉ?

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምዕራብ ጎንደር፡ ብፍላይ ኣብ መተማን ምዕራብ ኣርማጭሆን፡ ወተሃደራት ሱዳን ናብ’ቲ ከባቢ ብምእታው ኣብ ሕርሻታት ሃስያ ከምዘውረዱን ሰባት ድማ ከምዝተመዛበሉን ናይ’ቲ ከባቢ ሰብመዝን ነበርትን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣመሓዳሪ ምዕራብ ጎንደር ደሳለኝ ጣሰው፡ ኣስታት 200 ሓረስቶት ንብረት ከምዝዓነዎምን ልዕሊ 1700 ሰባት ድማ ከምዝተመዛበሉን ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ሱዳን ፋይሳል ሳሊህ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብሓረስቶት ኢትዮጵያ ተታሒዙ ንዝጸንሐ መሬት ከምዝተቖጻጸሩ ብቀዳም ምግላጹ ወኪል ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ብሰንኪ’ዚ ዶባዊ ምስሕሓብ፡ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ዝገልጹ ሓረስቶት ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም’ለዉ።
ኣይተ ከሰተ ውበቱ፡ ኣብ ወረዳ መተማ ኣስታት 400 ሄክታር መሬት ብሕርሻ ከልምዕ ምጽንሑ ይዛረብ። ኣብ’ቲ ከባቢ ንልዕሊ 12 ዓመታት ከምዝሓረሰ ድማ ይገልጽ።
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 2010 ጀሚሩ ግን “ወተሃደራት ሱዳን ናብ ከባብታት እቲ ናተይ ሕርሻ እናመጹ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ነይሮም” ዝብል ኣይተ ከሰተ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ንዝተወሰነ እዋን ሕርሻ ገዲፉ ምንባሩ ይዛረብ።
እንተኾነ፡ ብጻውዒት ምምሕዳር ናይ’ቲ ከባቢ ናብ ሕርሻኡ ከምዝተመለሰ ይገልጽ። ይኹን’ምበር፡ ወተሃደራት ሱዳን ‘ሸቃሎ እናሰጎጉ ስለዘጸገምዎ’ ኣብ’ቲ ከባቢ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዕስክር ተገይሩ ይብል።
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ጥቅምት 29/2013 ንጉሆ ግን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ከባቢ ገዲፉ ስለዝወጸ፡ ወተሃደራት ሱዳን ምእታዎም ይዛረብ።
“ብትሸዓተ መካይን ተጻዒኖም እዮም መጺኦም” ዝብል እቲ ሓረስታይ፤ ነተን ‘መትረየስ ዝጸዓና መካይን’ ስዒቦም ዝመጹ ሱዳናውያን ናይ’ቲ ከባቢ ነበርቲ ድማ፡ ነቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ከምዝሓዙ ይዛረብ።
ኣይተ ከሰተ ኣብ ግራቱ ዝነበረ ክሕፈስ ዝቐረበ ኣዝርእቲ “ዝኸኣልዎ ጽዒኖም ወሲዶም፡ ዝተረፈ ድማ ኣቃጺሎምዎ” ይብል።
“ኣብ ግራትና እናሰራሕና እንከለና እናተኮሱ መጺኦምና። ቁሩብ ክንከላኸል ፈቲንና ዓቕሚ ስለዝሰኣንና ኩሉ ገዲፍናዮ ወጺእና” ኢሉ።
ነቲ ናይ ሕርሻ ስርሑ ገንዘብ ተለቂሑ የካይዶ ምንባሩ ዝገልጽ እቲ ሓረስታይ “ሕጂ ኣይኮነንዶ ከስብስ ልቓሕ እውን ክመልስ ተጸጊመ’ለኹ” ይብል።
ኣይተ ይበይን ድማ ካልእ ኣብ ወረዳ መተማ፡ ደለሎ ኣብ ዝበሃል ቦታ ሕርሻ ዝነበሮ ሰብ እዩ።
“ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ከባቢ ገዲፉ ናብ ትግራይ ምስከደ፡ ሰራዊት ደዳን ኣትዩ” ይብል።
ወተሃደራት ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ ተኹሲ ከምዝነበረን ክልተ ምስኡ ዝሰርሑ ሸቃሎ ከምዝተቐትሉን ክልተ ድማ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘጋጠሞምን ይዛረብ።
ኣይተ ይበይን’ውን ሰራዊት ሱዳን ንብረት ከምዘዕነዉን ምህርቲ ጽዒኖም ከምዝወሰዱን እዩ ዝኸስስ።
ኣይተ ሙላት ነጋሽ ድማ፡ ምድረ ገነት ኣብ እትበሃል ኣብ ዶብ ሱዳን ኢትዮጵያ እትርከብ ቦታ ዝነብር ኮይኑ፡ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ሕርሻ ከምዝሰርሐ ይዛረብ። ሕጂ ግን፡ ካብ ሕርሽኡ ከምዝተመዛበለ ይገልጽ።
“መብዛሕትኡ ኣብ’ዚ ከባቢ ሕርሻ ዝነበሮ ሰብ ሕጂ ስራሕ የብሉን። ነቲ መሸላ ኸኣ እናጸዓኑ ይወስድዎ’ለዉ። ኣብ ምዕራብ ኣርማጭሆ ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ፣ ኣብ መተማ ድማ ብንጹር እኳ እንተዘይፈለጥኩዎ ኣስታት 50 ሓረስቶት ተመዛቢሎም እዮም። ኣብ ናይ ኢንቨስትመንት ቦታታት መካይንን ናይ ሕርሻ መሰርሕታትን ዝተወሰዶም ኣለዉ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ካልእ ነባሪ ናይ’ቲ ከባቢ ኣይተ ፋሲል አሻግሬ ድማ፡ ሱዳናውያን ዓብዪ ናይ ዓጺድ ማሽን ሒዞም ብምእታው ምህርትታት እናጸዓኑ ወሲዶም ይብል።
“ስቕ ኢልና ኮፍ ኢልና ኣለና። ኢድናን እግርናን ተኣሲሩ እሞ እንታይ ክንገብር? እንታይ ዓቕሚ’ለና? ንመንግስቲ ምህርትና ተዘሚቱ ከይተወደአ ብጽሑልና ኢልና፡ ሰማዒ የለን” ክብል መረረቱ ገሊጹ።
ሚኒስተር ሓበሬታ ሱዳን ፋይሳል ሳሊሕ፡ ኣብ ከባብታት ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብሓረስቶት ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ ሱዳን መሬት፡ ካብ 60 ክሳብ 70 ምኢታዊት ብወተሃደራት ሱዳን ከምዝተመልሰ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
እቲ ሚኒስተር ወሲኹ “ዝኾነ ጸገም ብልዝብ ክፍታሕ እዩ ኢልና ንኣምን” ኢሉ።
ውሃቢ ቃል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ’ውን እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ቅልውላው ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝተጀመረ ጻዕሪ ከምዝቕጽል እዩ ተዛሪቡ።
ነዚ ንነዊሕ እዋን ንኽልቲአን ሃገራት ዘሰሓሕብ ጉዳይ ንምፍታሕ፡ ሓደ ኮሚሽን ቆይሙ ኣብ ካርቱምን ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘተታት ዝተገብረ’ኳ እንተኾነ፡ ውጽኢት ግን ኣየምጸአን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







