"ንኣል-ሸባብን ኦነግ-ሸኔን እንተጥፊእናዮም ሕብረትና ክድልድል'ዩ" ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኬንያን ኢትዮጵያን ንዕጡቓት ኣኬል-ሸባብን ኦነግ- ሸኔን እንተጠፊኦም ሕብረት እተን ሃገራት ከምዝድልድል ተዛሪቡ። ንሱ፡ ነቲ ኣብ ሞያሌ [ዶብ ዮኢትጵያን ንያን] ዝተሃነጸ መተሓላለፊ መስመር ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ መሪቐም ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን'ዩ ከምኡ ኢሉ።

ዕጡቓት ነጻነት ኦሮሞ ካብ ኦነግ ተነጺሎም ብምውጻእ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያን ነታ ሃገር ምስ ኬንያ ኣብ ዘዳውባ ደቡባዊ ክፋልን ዕጥቃዊ ቃልሲ የካይድ ከምዘሎ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኑ፡ ኣብቲ ዞባ ቁጠባዊ ዕብየት ንምርግጋጽ ናይቲ ከባቢ ድሕነት ምርግጋጽ ኣገዳሲ ከምዝኸውን ተዛሪቡ።

"ናይ ጸጥታ ጸገም እንከሎ ቁጠባዊ ዕብየት ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ "ከም መጠን ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ውሽጥና እናነበሩ ንሰላም ኢትዮጵያ ኮነ ኬንያ ኣብ ዝዘርጉ ሓይልታት ክንሰርሕ ይግባእ" ክብል ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ኣብዪ ኣሕመድ ናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምክያድ ንኬንያ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ንኢትዮጵያን ኬንያን ዘዳውብ ከተማ ሞያሌን ወደብ ላሙን በጺሖም።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ግዝኣት ላሙ ዝተስርሐ ‘ላፕሴት’ እናተብሃለ ዝጽዋዕ ዓብዪ ፕሮጀክት ከምዝዕዘቡ ተገሊጹ። ሎሚ ከኣ ናብ ወደብ ሞምባሳ ክኸዱ እዮም።

ላፕሴት (LAPSSET) ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ፕሮጀክት ወደብ ላሙ - ብፍላይ ንደቡብ ሱዳንን ንኢትዮጵያን ናይ መጓዓዝያ መተሓላለፊ ኣገልግሎት ዝህብ እዩ።

እዚ ዓብዪ ፕሮጀክት፡ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት -ኬንያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኢትዮጵያን- ናይ ሓባር ፕሮጀክት ከምዝኾነ ይግለጽ።

እቲ ፕሮጀክት ንሰለስቲአን ሃገራት ዘራኽብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን የራኽብ።

ፕሮጀክት ላፕሴት ሸውዓተ ናእሽቱ ፕሮጀክታት ዝሓቖፈ ኾይኑ፡ ህንጸት ወደብ፣ ህንጸት መንገዲ ፣ ህንጸት ባቡር ሃዲድ፣ ክልተ መተሓላለፍቲ ነዳዲ ቱቦታት፣ መዕርፎ ነፈርቲን ሪዞርት-ከተማታትን ይርከብዎም።

ላፕሴት

ምንጪ ስእሊ, LAPSET

1. ህንጸት ዋና ጎደናታት

እዚ ፕሮጀክት ነቲ ናይ ኬንያ ወደብ ላሙ፡ ምስ ወደብ ኣልቦ ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪቃ- ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዘራኽብ እዩ።

እቲ መገዲ፡ ካብቲ ወደብ ተልዒሉ ኢሲኦሎ [ኬንያ] ዝበጽሕ ኮይኑ፡ ኢሲኦሎ - ኣዲስ ኣበባ ካብኡ ድማ፡ ካብ ኢሲኡሎ - ጁባ [ደቡብ ሱዳን) የራኽብ።

• ላሙ ወደብ - ዊቱ ጋሪሰን (ኬንያ) 113 ኪ.ሜትር ርሕቐት ኣለዎ።

• ላሙ ወደብ- ጋሪሳ- ኢሲኦሎ (ኬንያ) 530 ኪ.ሜትር • ኢሲኦሎ - ሞያሌ - ሐዋሳ (ኬንያ-ኢትዮጵያ) 505 ኪ.ሜትር እኡ ንውሓቱ።

• ኢሲኦሎ - ሎኪቻር - ናዳፓለ - ቶሪት - ጁባ (ኬንያ-ደቡብ ሱዳን) 700 ኪ.ሜትር'ዩ ርሕቐቱ።

ወደብ ላሙ - ዊቱ ጋሪሰን ህንጸቱ መገዲ 60 ሚኢታዊ ተወዲኡ እዩ። ህንጸት መገዲ ኢሲኦሎ - ሞያሌ - ሐዋሳ ድማ ከምዝተዛዘመ እዩ ዝንገር።

ዲዛይን ህንጸት መገዲ ላሙ ወደብ - ጋሪሳ - ኢሲኦሎ ፡ ብባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ዝተሰርሐ ኾይኑ፡ ኢሲኦሎ - ሎኪቻር - ናዳፓለ - ቶሪት - ጁባ መንገድ ድማ መንግስታት ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ምስ ባንኪ ዓለም ኮይኖም ናይ ኣገዳስነቱ ዳህሳስ ኣካይዶም ኣለዉ።

ባንኪ ዓለም፡ ንህንጸት መገዲ ሎኪቻር - ናዳፓለ 500 ሚሊዮን ዶላር ልቓሕ ፈቒዱ ኣሎ።

2. ዝርገሐ መስመር ባቡር ሃዲድ

እዚ መስመር ባቡር ሃዲድ ንሰለስቲአን ርእሰ ከታመታት ዘራኽብ እዩ። እቲ መስመር ካብ ወደብ ላሙ ኢሲኦሎ፣ ካብ ኢሲኦሎ አዲስ አበባ፣ ካብ ኢሲኦሎ ጁባ ከምኡ ድማ ካብ ኢሲኦሎ ናይሮቢ ይዝርጋሕ።

ናይቲ ባቡር ሃዲድ መስርሒ ወጻኢ ክሳብ 7 ቢልዮን ዶላር ክከምዝኸውን ተገሚቱ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ኬንያን ኢትዮጵያን ዝዝርጋሕ መስመር ባቡር ዲዛይኑ ተሰሪሑ ተወዲኡ እዩ። ክልቲኦም መንግስታት፡ ኣብ ላፕሴት ፕሮጀክት ዝተኻተቱ ፕሮጀክትታት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ኣለዉ።

እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ -ጅቡቲ መስመር ዝሰርሐ ኩባንያ ቻይና ናይዚ ፕሮጀክት ዲዛይን ኣድላይነቱ ዝምልከት መጽናዕትን ሰሪሑ ወዲኡ ኣሎ።

3. መተሓላለፊ መስመር ነዳዲ

ክልተ ዓይነት መተሓላለፊ መስመር ነዳዲ ይስራሕ ኣሎ። ድፍድፍ ነዳዲን ዝተጻረየ ነዳድን መተሓላለፊ ቱቦታት።

እቲ ቀዳማይ ናብቲ መጻረዪ ዝወስድ እንትኸውን እቲ ካልኣዋይ ድማ፡ እቲ ዝተጻረየ ፍርያት ነዳዲ፡ ናብ ዕዳጋ ዝወስድ እዩ።

ናይቲ ድፍድፍ ነዳዲ መተሓላለከፊ ቱቦ፡ ካብ ሎኪቻር -ናብ ላሙ ወደብ (ኬንያ) ዝዝርጋሕ ኮይኑ ብፍላይ እቲ ዝተጻረየ ነዳዲ መተሓላለፊ መስመር ኣብቲ ፕሮመጀክት ላፕሴት ካብ ዝተኻተቱ 7 መደባት ሓደ እዩ።

እንተኾነ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዘተ ምስተኻየደሉ፡ ናይ ሓባር ስምምዕ ከምዝተበጽሐሉ ምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

እቲ ፕሮጀክት ካብ ላሙ ወደብ - ኢሲኦሎ - ሞያሌ - ሐዋሳ - አዲስ አበባ ከምዝዘልቕ ይግለጽ። 790 ኪሎ ሜትር ዝኣክል ድማ ይነውሕ።

እዚ ፕሮጀክት ብመንግስቲ ኬንያ ኣብ 2016 ዝጸደቐ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ድሌት ነዳዲ ከማልእ ተባሂሉ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።

4. ወደብ ላሙ

እዚ ወደብ ኣብ ኬንያ ግዝኣት ላሙ ዝህነጽ ኮይኑ 32 መራኽብ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክዓርፋሉ ከምዝኽእላ ይግለጽ።

ሓፈሻዊ ወጻእታት ህንጸት እቲ ወደብ 5 ቢልዮን ዶላር ይግመት። ህንጸት ሰለስተ ፈላሞት መዕረፊ መራኽብ ድማ ምሉእ ወጻኢኦም ብመንግስቲ ኬንያ ክሽፈን’ዩ ተባሂሉ።

ፈላማይ መዕረፊ መራኽብ ህንጸቱ ተዛዚሙ’ሎ። ክልቲኦም ድማ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክዛዘሙ ትጽቢት ይግበር።

5. ህንጸት መዕርፎ ነፈርቲ

ኣብ ውሽጢ ፕሮጀክት ላፕሴት ካብ ሞንጎ ዝተትሓዙ ስራሕቲ እቲ ካልእ ህንጸት ሰለስተ መዕርፎ ነፈርቲ ይምልከት።

ሰለስቲኦም መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኬንያ ላሙ፣ ቱርካናን ኦሲኦሎን ዝህነጹ እዮም። ብነብሲ ወከፍ ድማ ካብ 143 ክሳብ 188 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ይሓቱ።

6. ህንጸት ናይ “ሪዞርት” ከተማታት

እቲ ካልእ ናይ ላፕሴት ፕሮጀክት መደብ ማእኸላት መዘናግዒ ዝኾና ከተማታት ምህናጽ እዩ። እተን ከተማታት ኣብ ኬንያ ላሙ፣ ኢሲኦሎን ቀላይ ቱርካናን ከምዝህነጹ ተገሊጹ’ሎ።

ንህንጸቶም ድማ ላሙ 970፣ ኢኢኦሎ 200 ቱርካና 42 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ይሓቱ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ናይ ላሙ ሪዞርት ማስተር ፕላን ይዳለዉ ኣሎ።