ኬንያ፡ ደግሲ ኮሮናቫይረስ የስግኣ

ዓቐን መጠን ሙቐት ሰብነት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ፡ ኣብታ ሃገር ዝውስኽ ዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ናብ ደግሲ እቲ ለበዳ ከምርሓ ይኽእል እዩ ክብል ስግኣቱ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ሙታይ ካግዌ፡ ቅድም ኢሉ ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝውሰዱ ዝነበሩ ስጉምታት ክፎኽሱ ምስተገብረ ቑጽሪ መልከፍቲ ይወስኽ ኣሎ ኢሉ።

እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝነበረ 4 ሚኢታዊት ናብ 12 ሚኢታዊት ዓብዩ'ዩ ዝበለ እቲ ሚኒስትር፡ ብዝሒ ናብ ጽኑዕ ክፍሊ ሕክምና ዝኣትው ሕሙማት'ውን ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።

"ሓድሽ መልከፍቲ ይርኣይ ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። በዚ ናብ ደግሲ እቲ ለብዒ ከምእነምርሕ'ውን ጥርጥር የብሉን" ክብል ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ተዛሪቡ።

ብፍላይ ናብ እንዳ መስተን ናይ ፖለቲካ ጎስጓሳትን ዝኸዱ ሰባት ኣካላዊ ርሕቀት ኣብ ምሕላው ኮነ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ምጥቃም ዕሽሽ ይብሉ ብምህላዎም ቑጽሪ መልከፍቲ ከም ብሓድሽ ክውስኽ ምኽንያት ከም ዝኾነ እቲ ሚኒስትር ገሊጹ።

"ቑጽሪ መልከፍቲ ስቕ ኢሉ ኣይወሰኸን፤ እኳ ድኣ እቶም ብሰብ ሞያ ዝውሃቡ ምኽርታት ምክልኻል ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ስለ ዝተጥሓሱ'ዩ" ክብል እቲ ሚኒስትር ገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኬንያ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 44 ሽሕን 881 ክበጽሕ እንከሎ፡ ሞት 832 ድማ ተመዝጊቡ።

ኮሮና