ጥዕና፡ ኣካላዊ ርሕቐት ንጉንፋዕ ከጥፍኦ'ዶ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ምዕራብ ብራዚል ኣብ መሳጥሕ ኣማዞን ዝነብሩ ደቂ'ባት ሓደ ነገድ ኣለው።
እዚኦም ነገድ ሳፓናዋ ተባሂሎም ይጽውዑ። ብኣነባብርኦምን ታሪኾም ካብ ህዝቢ ዓለም ፍልይ ዝበሉ'ዮም።
እቲ ዝነብርሉ ከባቢ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ክትጥምቶ ከለኻ ኣብ መሬት ዘሎ ገነተ-ሰማይ'ዩ ዝመስል'ዶ ክንብለኩም?
ኣብዚ መሽሎዂ እግሪ ዘይርከቦ ጽዑቕ ጫካ፡ ንዓይንኻ ዝስሕብ መንጫዕጫዕታ፣ ወሓዝቲ ሩባታትን ቮልካኖን ኣለው።
ተወሰኽቲ ግርማ እቲ ከባቢ ከይኮኑ ኣይተርፉን፡ ገዘፍቲ ኣርማዲሎስ ዝብሃሉ እንስሳ፣ ታፒር (ሓሸማ ዝመስላ እንስሳ) ሰፊሮምሉ ይርከብ።
ነገድ ሳፓናዋ፡ ፍልይ ዘብሎም ግን እዚ ጥራሕ ኣይኮነን። እኳ ድኣስ ንኣስታት 32 ሽሕ ዓመታት ብሕማም ተለኺፎም ዘይፈልጡ ምዃኖም'ዩ።
ግንከ፡ ከምዚኣ ኢሎም'ዶ ይዝለቑዋ? ፈጺሙ!
2014 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ፈረንጂ) ነዞም ቀቢላ ጽቡቕ ጸጋ ሒዛትሎም ብዘይምምጽኣ፡ እዚ ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣነባብርኦም ሓቚናቶ።
ብርክት ዝበሉ ኣባላት ቀቢላት ሳፓናዋ፡ ዶብ ፔሩ ሰጊሮም ካብ ዝመጽኡ ሓይልታት ዕስለ ካብ ዝፍጸመሎም ዝነበረ መጥቃዕቲ ክሃድሙ ክብሉ'ዩ ዘይፈልጡዎ ነገር ተኸሲቱ፤ ምስቲ ንሕና እንነብሮ ንሳቶም ዘይፈልጡዎ ዘመናዊ ዓለም ከኣ ተላለዩ።
ቅድሚኡ፡ ምስ ዝኾነ ተራኺቦም ዘይፈልጡ ሕብረተሰብ እዮም።
እቶም ዕስለ ንዓዲ እዞም ነገድን ቅድሚ 10 ዓመት ምስ ዘመናዊ ስልጣነ ሌላ ንዝነበሮም ካልእ ቀቢላን ወሪሮም።
ድሕሪ'ዚ፡ ሳፓናውያን ደቂ'ባት 'ፉናይ' ኣብ ዝተባህለ ደቂ'ባት ዝሕሉ ኩባኒያ ንሰለስተ ሰሙን ተዓቊቦም ጸኒሖም።
እዞም ኣማዞናውያን ደቂ'ባት ብዝተፈላለየ መልክዑ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ዓለም ዘመሳስል የብሎምን።
ሳሕቲ ብውሑዳት ዝፍለጥ ጥንታዊ ቋንቋ ዝዛረቡ ኮይኖም፡ ገሊኦም ንቑጽሪ'ውን ቃላትን ሕብርን ዘይብሉ ቋንቋ እዮም ዝዛረቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ውሽጢ ንማዕርነታዊ ኣተሓሳስባ ቓልሲ እትገብር ዓለም ኮይኖም፡ ማዕርነታውን ዝኾኑ ሕብረተሰብ እዮም።
መዓዝ እዚ ጥራሕ፤ ሳፓናዋ፡ ንሃለዋት ደቂ ሰባት ብዘስግኡ ለበዳታት ተለኺፎም ዘይፈልጡ ሕብረሰተብ እዮም።
ካብዚኦም ብሰዓል ወይ ጉንፋዕ ሓሚሙ ዝፈልጥ የለን፤ ኣብ ዓለም ስግኣት ህልውና'ዮም ካብ ዝተባህሉ ሕማማት ንፍዮ'ውን ነዞም ህዝቢ ኣይፈልጦምን።
እንተኾነ እዚ ኹሉ፡ በታ ሰንካም መዓልቲ ወራር እቶም ዕስለ ከም ዝተሰመመ እዩ ዝንገር።
ብሓንቲ ኣጋጣሚ ኣነባብርኦም ኩሉ ፈሪሱ፤ ጥዕንኦም ተናጊዑ።
ኣብ ውሽጢ መዓልታት፡ ብዙሓት ጥዕና ስኢኖም፤ ኢንፍሉዌንዛ ክኸውን'ዩ ተባሂሉ ብዝግመት ተመሓላለፊ ሕማም ስርዓተ ምትንፋስ ተጠቒዖም።
እዞም ቀቢላ ብጉንፋዕ ክሓሙ ከለው፡ ቑጽሪ ሞት ኣዝዩ ልዑል ኮይኑ።
ንዝተወሰኑ መዓልታት ክውሸቡን ኣካላዊ ርሕቀቶም ክሕልውን ብምግባር ግን ድሒኖም ናብ መረበቶም ተመሊሶም።
በታ ቕጽበት፡ እቲ ዝተኸሰተ ጉንፋዕ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ጠፊኡ። ናይ መወዳእታ ለበዳ ጉንፋዕ ኮይኑ።
በዚ ምኽንያት፡ ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ካብ ጉንፋዕ ናጻ ዝኾኑ ሕብረተሰብ ኣለው ክትሰምዕ ከለኻ፡ ዓለም መሊኣ ቫይረሳት ከተጥፍእ ትኽእል እያ ማለት ድዩ? ዝብል ሕቶ ከተልዕል ይደፋፍአካ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ግን (ማለት 2020) ኣውስትራሊያ 6962 ብጉንፋዕ ዝተትሓዙ ሰባት ነይሮምዋ።
ኣብቲ ግዜ፡ ኮቪድ-19 ዝተባህለ ሓድሽ ቫይረስ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ክርአ ጀሚሩ ነይሩ እዩ።
እዚ ኣብ ሓደ ዕዳጋ ቻይና ዝተበገሰ ከም ዝኾነ ዝእመን ቻይረስ፡ "ኣገራሚ ኮሮናቫይረስ" እናተባህለ ብዘሕ ተወጊዕሉ።
እዚ ቫይረስ፡ ካብ ኣንታርቲካ ወጻእ ኣብ መላእ ዓለም በጺሑ ንቐዳማይ ሚኒስትር ብሪጣኒያ፣ ፕሬዝደንት ኣመሪካ፣ ፕሬዝደንት ብራዚል ሓዊሱ ልዕሊ 37 ሚሊዮን ህዝቢ ዓለም ለኺፉ።
ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዕጽዋ ክእወጅ፣ ምንቅስቓስ ካብን ናብን ክድረት፣ ምሕጻብ ኢድን ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኩሉ ህዝቢ ዝትግብሮ ክኸውን (ዋላ'ኳ ብብዝሒ ኤዥያውያን ዝተቐበሉዎን ብኣግባቡ ዘተግበሩዎን እንተኾነ) ተገይሩ።
ብነሓሰ ድማ ብዝሒ እቶም ኣብ ኣውስትራሊያ ብጉንፋዕ ዝሓሙ ሰባት ነክዩ። ብሓፈሻ፡ ኣብ 2019 ካብ ዝተርኣዩ ትሕቲ 10 ረኽሲታት ነይሮም።
እዚ ብምኽንያት እቲ ዝግበር ዝነበረ ሰፊሕ መርመራን ውሸባን ከምኡ'ውን ኣካላዊ ርሕቐት ምሕላው ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
እዚ ኣብ ካልእ ሃገር'ውን ዝተራእየ'ዩ።
ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ደቡብ ኣፍሪቃ "ኣብዚ ዓመት ጉንፋዕ የብልናን" ክብል ንሲቢኤስ ኒውስ ክሕብር እንከሎ፡ ዶኳትር ኒውዝላንድ ዓመታዊ ናይ መርመራ ስርሖም ከካይዱ ከለው ዋላ ሓደ ብጉንፋዕ ዝሓመመ ሰብ ኣይረኸቡን።
ካብ ትሮፒካል ኣፍሪቃ ክሳብ ካሪቢያን ካብቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ንታሕቲ ብምንባሩ፡ ብመስከረም ትካል ጥዕና ዓለም ምጥፋእ መልከፍቲ ጉንፋዕ ዓለምለኻዊ ክስተት'ዩ ክብል ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ቀዳማይ ሰሙን እዚ ወርሒ፡ መልከፍቲ ጉንፋዕ ዝቆጻጸር 'ፍሉማርት' ኣብ መላእ ዓለም ብቤተ ፈተነ ዝተረጋገጸ መልከፍቲ ጉንፋዕ 12 ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ፣ ኒውዝላንድ፣ ደቡብ ኣመሪካን ሆንግ ኮንግን ንርእዮ ዘለና ጉንፋዕ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ዘጥቅዑ ተመሳሳሊ ቫይረሳት (ኣርኤስቪ) ዝዳኸሙሉ ወቕቲ ከም ዝኾነ'ዩ" ትብል ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ዶክተር ሳራ ኮቤይ።
"ብልክዕ ናይዚ ምኽንያት ክንርድኦ እንተዘይክኣልና'ውን፡ ሰባት ንሓድሕዶም ብዛዕባ ዝህልዎም ኣቀራርባ ውሱን ለውጢ ምምጽኦም'ዩ። እዚ ንመጻኢ'ውን ክቕጽል ተክእሎ ኣሎ" ይብል ክኢላ ቫይረሳት መተንፋሲ ኣካላትን ማይክሮባዮሎጂስትን ፒተር ፓሊስ።
ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዩኒቨርሲቲ ቺካጎ ሳራ ኮቤይ ከም እትብሎ፡ ቑጽሪ ብጉንፋዕ ዝተሓዙ ሰባት ምንካይ ዘርኣየ፡ ምናልባት ናብ ሆስፒታል ንምኻድ ስለ ዝፈርሑን ምስ ኮሮናቫይረስ ከይመሳሰሎም ስለ ዝሰግኡን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ይኹን'ምበር ቑጽሩ ብጉንፋዕ ዝተሓዙ ሰባት ምስቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ብምንጽጻር ኣይነከየን ማለት ኣይኮነን ትብል።
ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብምኽንያት ለውጢ ኩነታት ኣየር ብጉንፋዕ ይትሓዙ ነይሮም፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ፈጺሙ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ምርካብ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ብዙሓት ሕቶታት የልዕል ኣሎ።
ኣብዚ ዓመት፡ ብዝሒ መልከፍቲ ጉንፋዕ ዝነከየሉ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ክህሉ ይኽእል'ዩ።
ብዙሓት ሰብ ሞያ ግን፡ ኣካላዊ ርሕቐት ይሕሎ ብምህላዩን ኣብ ምሕጻብ ኢድ ምምሕያሽ ስለ ዝመጽአን'ዩ ብዝብል ይሰማምዑ።
ንምዃኑ፡ ጉንፋዕ ጠቕሊሉ ክጠፍእ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?
ጉንፋዕ ዘይምህላው ነቲ ቫይረስ ከመይ የጥቅዖ ኣሎ? በዚ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ቫይረሳት ዝበጽሐ ጸቕጢ ኣሎ ድዩ? ዝብሉ ገሊኦም'ዮም።
ቀደሙ'ውን እኮ፡ ፍጥረት ሰብ ኩል ግዜ ምስ ጉንፋዕ ኣይነበረን።
እንታይ ደኣ፡ ቅድሚ 10 ሽሕ ዓመት ሰባት ካብ ሃደን ናብ ሕርሻ ለውጢ ክገብሩ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን ንፈለማ እዋን ካብ ዑፍ ብዝተመሓላለፈ ጉንፋዕ ተለኺፎም።
ጉንፋዕ ኣጸጋሚ ዝገብሮ ኩል ግዜ ዓርሱ ዝለዋውጥ ምዃኑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ሓደ ሰብ ብቫይረስ ጉንፋዕ ምስ ተትሓዘ ድሕሪኡ ሕማማት ናይ ምክልኻል ስርዓት ሰብነቱ ስለ ዝሃንጽ ዳግም ክትሕዞ ኣይክእልን።
እንተኾነ እቲ ቫይረስ ቁሩብ ንርእሱ ቅይር ኣቢሉ ንሰብነትና ስለ ዘዐሹዎ ከጥቅዐና ይኽእል እዩ።
ነዚ'ዩ ዓመታዊ ካብ 7 ቢሊየን ህዝቢ ዓለም እቲ 10 ሚኢታዊት ብጉንፋዕ ዝሓምም።
ወድ ሰብ ሕጂ ብዝኸዶ ዘሎ ኣገባብ እንተቐጺሉ እሞ ጉንፋዕ ከጥፍእ እንተኽኢሉ'ውን፡ ሓደ ሰብ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ብጉንፋዕ ምሕማሙ ኣይተርፍን።
እዚ ድማ ብቐሊሉ እቲ ሕማም ናብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ ይገብር።
ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር ከነትሕዘኩም።
ኣብ ኣመሪካ ዝተላዕለ ጉንፋዕ ኣብ ኣፍሪቃ ክበጽሕ ከሎ ካልእ ዓይነት ቫይረስ እዩ ዝኸውን።
ካብ ኣውስትራሊያ ዝመጽአ ቫይረስ ቻይና ክኣቱ እንከሎ ሕጂ'ውን ካልእ ባህሪ ብምሓዝ ዝተፈለየ ይኸውን።
ነዚ'ዩ፡ ቫይረስ ጉንፋዕ ክሳብ ሕጂ ካብ ዓለም ክጠፍእ ዘይክኣለ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋላ'ኳ ጉንፋዕ ብቐሊሉን ኣብ ሓጽር ግዜን ዘይጠፍእ እንተኾነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዕብየት እቲ ቫይረስን ዝርግሐን ኣዝዩ ጎዲሉ እዩ።
ኣካላዊ ርሕቐት ንርእሱ ጉንፋዕ ጠቕሊሉ ከጥፍኦ'ዩ ምባል ከቢድ'ዩ።
"ብደረጃ ዓለም ክንሓስ ኣለብ፤ ኩሎም ብሪጣናውያን፣ ኣመሪካውያንን ቻይናውያንን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ እንተኽኢሎም'ውን እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ዓለም ከምኡ ክገብር እዩ ምባል ኣይክኣልን። ከምቲ እንርእዮ ድማ ኣመሪካውያን ኩሎም ማስክ ኣይጥቀሙን" ይብል ፓልስ።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዚ ዓመት ዋላ'ውን ዝተሓተ መልከፍቲ ጉንፋዕ እንተተመዝገበ፡ እቲ ቫይረስ ከም ውሁብ ነገር ወሲዶም ዘመሓላልፉ ሰባት ክህልው ከም ዝኽእሉ ክዝንጋዕ የብሉን።
ሙሁራት፡ እቲ ቫይረስ ካብተን ዝማዕበላ ሃገራት ከነጥፍኦ እንተኽኢልና'ውን፡ ናይ ነዊሕ እዋን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ስለ ዘለየሎ ተመሊሱ ምምጽኡ ኣይተርፎን ይብሉ።
"ደቂ ሰባት ልክዕ ከም ቫይረሳት ጉንፋዕ ክዝርግሐሉ ዝኽእል ተዘርጊሖም'ዮም፤ ስለዝኾነ ድማ እቶም ቫይረሳት ከይጠፍኡ ምስ ሰባት ተለጢፎም ምንባሮም ኣይተርፍን" ትብል ዶክተር ኮቤይ።
እቲ ምኽንያት እዚ ጥራሕ ኣይኮነን።
ብምኽንያት እቲ ጉንፋዕ ዝኽሰተሉ ፍጥነት፡ እቶም ሕጂ ዘለው ክታበታት ሰባት ንኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ'ዮም ክከላኸሉዎም ዝኽእሉ።
እዚ ምስ ኩነታት ኣየርን ወቕትን ዝተኣሳሰር እዩ። ነዚ ዕድል ተጠቒሙ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዘጥቅዐሉ ወቕትን ግዜን ይፈላለ።
ንኣብነት፡ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ ክቢ ዝውሃብ ክታበት ኣብ ወርሒ ለካቲት ክኸውን፤ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ድማ እቲ ክታበት ኣብ መስከረም ክኸውን ዘግብር ኣፈላላይ ክፈጥር ስለ ዝኽእል፡ እዚ ካብ ኮነ፡ ምስቲ ቫይረስ ክዛመድ ዝኽእል ሓድሽ ክታበት ዓመታዊ ክፈሪ ኣለዎ ማለት'ዩ።
ካብዚ ወጻእ፡ ንኹሎም ዓይነታት ጉንፋዕ ዝከላኸል ሓደ ዓይነት ክታበት ኣብ ሓደ ግዜ ክወሃብ ክኽእል ኣለዎ ("ኩለ መዳያዊ ክታበት ጉንፋዕ")።
ኣብዚ ሕጂ ዓለምለኻዊ ተመራመርቲ ነዚ ሸቶ ከሳኽዑ ይጓየዩ ኣለው። ንዓሰርታት ዓመታት ድሕሪ ዝተካየደ መጽናዕቲ ድማ ናብኡ ዝተጸጋዕና ንመስል።

ምንጪ ስእሊ, Hana Zeratsyon
ብ1980ታት፡ ፓሌስን ነዓይ ሞያ መሓዙቱን ኣብ ዙርያ ባህርያት ጉንፋዕ መጽናዕቲ ኣካይዶም'ዮም።
እቲ ቀንዲ ውራይ ድማ፡ ሓደ ዓይነት ቫይረስ ጉንፋዕ ዘይምህላው ምዃኑ ድማ ኣረጋጊጾም።
በብዓመቱ ዝመሓላለፍ ዓይነት ጉንፋዕ፡ እቶም ክልተ ኣብ ኢንፍሉዌንዛ ኤ ዝምደቡ ኮይኖም፡ እዚ ኣብ እንስሳ ዝርከብ እዩ።
እቶም ክልተ ድማ ኣብ ጉጅለ ኢንፍሉዌንዛ ቢ ዝምደቡ ኮይኖም ኣብ ደቂ ሰባትን ዓሳ ዝምገብ እንስሳ ባሕርን ዝርከብ እዩ።
ብዘገርም ኩነታት እቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዘይርከብ ቻይረስ ጉንፋዕ ብተደጋጋሚ ከጥቅዐና ይስትውዓል።
ንኣብነት ብ1918ን 2009 ዝነበረ ለበዳ ካብ ሓሸማ ዝነቐለ እዩ።
"ኩለ መዳያዊ ክታበት ንጉንፋዕ ቢ እምበር ጉንፋዕ ኤ ከጥፍኢ ኣይኽእልን" ዝብል ፓሌስ፡ ኩሎም ምስ ደቂ ሰባት ዝርከቡ ጉጅለ ጉንፋዕ ኤ ከነጥፍኦም ኢና እንተበልና'ውን ሓድሽ ዘርኢ እቲ ጉንፋዕ ኣብ እንስሳ በረኻን እንስሳ ዘቤትን ምዕባዩ ኣይተርፍን ይብል።
"ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኢንፍሉዌንዛ ኤ ከነጥፍእ እንተደሊና ኩል ግዜ ብተኸታታሊ መላእ ህዝቢ ክንኸትቦ ኣለና፤ ግን ከኣ ዝክኣል ኣይኮነን። ከምኡ እንተዘይጌርና ድማ ኣብ ከም ሓሸማ፣ ፈረስ፣ ደርሁ ዝበሉ እንስሳ ጸኒሑ ናብ ሰባት ምሕላፉ ኣየቋርጽን" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ይኹን'ምበር ካልእ መማረጺ ከኣ ኣሎ።
ብደረጃ ዓለም፡ ብዝሒ መልከፍቲ ጉንፋዕ ክጎድል ዝገበረ ኣካላዊ ርሕቐት ምዃኑ ኣይንፈልጥን።
እዚ ማለት፡ ምናልባት ኣብ ዝቕጽል ዓመት ጉዳይ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተግባራውነቱ ደው ከብል እንከሎ፡ እቲ መልከፍቲ ክውስኽ ይኽእል እዩ።
"ምትሕልላፍ ሕማማት መተንፈሲ ኣካላት እንተዘይሃልዩ፡ ሰባት ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ይሃንጹ ኣለው ማለት'ዩ። ግን ከኣ ሓደ ዘጨንቐኒ ጉዳይ ክታበት ኮቪድ-19 ምስተረኸበ ዕጫ እዞም ሰበብ ሕማም ዝኾኑ እንታይ ክኸውን'ዩ ዝብል'ዩ"ትብል ክኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኮቤይ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ ኩሉ ዓቕምና ክታበት ጥራሕ ኣብ ምፍራይ ካብ ዝኸውን፡ ሰበብ ሕማም መተንፈሲ ኣካላት ዝኾኑ ቫይረሳት ንምክልኻል ኣብ ዝውሰዱ ስጉምታት ዘድሃበ ክኸውን ኣለዎ ትብል።
እዚ ማለት፡ ጽርየትካ ምሕላውን ቀረብ መሐገዚ መተንፈሲ መሳርሕን ኢላ።
ብኻልእ ወገን ፓሌስ ኩሉ ሰብ ክታበት ጉንፋዕ ክወስድ ኣብ ምግባር ከነድህብ ይግባእ ይብል።
ክሳብ ሕጂ ግን ተመራመርቲ ብዛዕባ ሓደ ነገር ኣይፈለጡን ዘለው።
ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ብኮቪድ-19ን ጉንፋዕን ዝተጠቕዐ ሰብ እንታይ ይኸውን?
"እዚ ስለ ዘይፈለጥናዮ ከኣ፡ ሞት ክውስኽ ይክእል'ዶ ኢለ እየ ዝሰግእ" ኢሉ ፓሌስ።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







