ንተመራመርቲ ዘገረመ ሚስጢር ክታበታት

ክታበት ዝወሃባ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ታሪክ ክታበታት፡ ከምዚ ወለዶ እዚ፡ ንክታበት ብሃንቀውታ ዝተጸበየ ወለዶ የለን።

ብዘይ ምንም ጥርጥር፡ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኩልና ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ኢና ንሓስብ ዘለና።

ክሳብ ሕጂ፡ ናይ ዝኾነ ዓይነት ሕማም ክታበት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም 4 ቢሊየን ጥራይ ወይ'ውን ትሕቲኡ ምኾነ ነይሩ ተባሂሉ ይግመት።

ኣብዚ እዋን፡ ቻይና ክታበት ናይቲ ቫይረስ ረኺበ እየ ትብል ኣላ። ሩሲያ'ኳ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢደይ እዩ ካብ እትብል ቀንያ'ላ።

ግን፡ ቻይና "መልዐሊት" እቲ ቫይረስ እያ፤ ሩሲያ ድማ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ንምፍጣር እያ ትጓየ ተባሂለን ስለ ዝንቀፋ፡ 'ንቻይና ኮነ ሩሲያ መን ክኣምነን?' ዝብላ ሃገራት ምዕራብ ኣይተስኣናን።

በቲ በለ በቲ፡ ጉዳይ ክታበት፡ ንዓለም ኣብ ክልተ ገሚዑዋ'ኣሎ።

ኣንጻር ክታበት ዝጉስጉሱ ሰባት፡ እዚ ክታበት ይትረፍኩም ይብሉ ኣለው። "ምኽንያትኩም እንታይ'ዩ?" ተባሂሎም እንትሕተቱ ኸኣ፡ ንቢልጌትስ ሃፍቲ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ዝፈጥሮ ተኣምር የለን በሃልቲ'ዮም።

ክታበት ሕማቕ ድዩ?

እዚ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ክታበት ዝተኻየዱ ብርክት ዝበሉ ሳይንሳዊ ሓቅታት ዘሰነየ'ዩ። ስለ'ዚ፡ ልክዕ ከም ጠብታ ክታበት ነዚ ጽሑፍ ውሕጥ ኣብሉዎ።

ኣብ ጊኒ ቢሳው ሓደ ዘገርም ነገር ይፍጠረልኩም።

ካብታ ሃገር ምስ ቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝገበረ ዴንማርካዊ ተመራማሪ ፒተር ኤቢ እቲ ዝበዝሕ ዕድሚኡ ኣብ ጊኒ ቢሳው እዩ ኣሕሊፉዎ።

ብ1978 ዓ.ም እዩ ናብታ ሃገር ከይዱ። ኣብዛ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክታበት ተኣምራዊ ውጽኢት ከምጽእ ምስ ርኣየ፡ ኣብኡ ምርምር እናካየደ ተውሒጡ ይተርፍ።

ፒተር፡ ብምኽንያት ንፍዮ ብዙሓት ህጻናት ኣብ ዝሃልቁሉ እዋን'ዩ ናብ ጊኒ ቢሳው ከይዱ። ከም ቖጽሊ ረጊፎም ምባል ይቐልል።

ድሕሪኡ ጉጅለ ፒተር ወፍሪ ክታበት ምስ ጀመረ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝንኣድ ለውጢ ይርኣይ።

50 ሚኢታዊት ክታበት ዝወሰዱ ህጻናት ካብቶም ክታበት ዘይወሰዱ ብዝተፈለየ ናይ ምሟት ዕድሎም ብፍርቂ ነክዩ።

እቲ ዝገርም ነገር ግን፡ እቶም ዝተኸተቡ ህጻናት ብኻልእ ሕማም'ውን ናይ ምሟት ዕድሎም ብፍርቂ ነክዩ እዩ።

ድሕሪ'ዚ፡ ከመይ ኢሉ ሞት ህጻናት ክንኪ ክኢሉ? ኢሎም ተመራመርቲ ከጽንዑ ጀሚሮም፤ ጉጅለ ፒተር ማለት'ዩ።

እቲ ንንፍዮ ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ክታበት፡ ህጻናት ብኻልኦት ዘይፍለጡ ሕማማት ከይሞቱ ይከላኸለሎም ከም ዝነበረ ድማ ፈለጡ።

ተመራመርቲ በዚ ተደኒቖም።

ክታበትን መርፍእን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክታበት ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ከመይ ይሰርሕ?

መብዛሕትኡ ግዘ ሓደ ክታበት ንሓደ ዓይነት ሕማም ክከላኸል ተባሂሉ'ዩ ዝወሃብ። ሰብነትና ግን ንክታበታት በዚ መልክዑ ኣይኮነን ዝርድኦም።

ትጽቢት ብዘይተገበረሉ ደረጃ፡ ሓደ ክታበት ብዙሓት ዓይነታት ሕማማት ክከላኸል ይኽእል'ዩ። እዚ ግን ድሕሪ ብዙሕ ግዜ'ዩ ክፍለጥ ክኢሉ።

ኣብ ጊኒ ቢሳው ዝተኻየደ ካልእ ምርምር፡ ክታበት ሕማም በዲዶ ዝወሰዱ ሰባት፡ 80 ሚኢታዊት ብህይወት ናይ ምንባር ዕድል ወሲኹሎም።

እዚ ብዛዕባ እቶም ብምኽንያት በዲዶ ከይሞቱ ዝተረፉ ኣይኮነን። እዚ ዕላማ እቲ ክታበት ስለ ዝኾነ ክገርመና የብሉን፤ እቲ ዝገርም ብኻልእ ሕማም ናይ ምሟት ዕድሎም ምንካዩ'ዩ።

ኣብ ዴንማርክ ተመራምርቲ ክታበት ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝወሰዱ ህጻናት ብኻልእ ተፈጥሮኣዊ ሕማም ናይ ምሟት ዕድሎም ብ42 ሚኢታዊት ክንኪ ርእዮም'ዮም።

እዚ ዋዛ ኣይኮነን፤ እቶም ክታበት ዝወሰዱ ህጻናት፡ ክሳብ 45 ዓመቶም ክትትል ተገይሩሎም ዝተረኸበ ውጽኢት'ዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ፡ ኣብ ኣኽልብቲ ዝተኻየደ ሓደ መጽናዕቲ ተመሳሳሊ ውጽኢት ኣምጺኡ።

ክታበት ዕቡድ ከልቢ ዝወሰዱ ኣኽልብቲ ብኻልእ ሕማም ከይተረፈ ናይ ምሟት ዕድሎም ነክዩ።

እቲ ዘረባ ጥቕልል ከነብሎ እንከለና፡ ክታበት ካብ'ቲ ዝተሰርሐሉ ዕላም ብዝሰገረ የገልግል'ዩ ኢና ንብል ዘለና።

በቃ፡ ዘይተፈለጡ፣ ዘይተሓሰበሎምን ዘይተበጽሓሎምን ሕማማት ይከላኸል። ከመይ? ንዝብል ግን ሕጂ'ውን ተመራመርቲ መልሲ የብሎምን።

ሓደ ሰብ፡ ሓደ ክታበት ወሲዱ ካብ ዘይተሓሰበ ኣለርጂ፣ መንሽሮ፣ ኣልዛይመር ክፍወስ ይኽእል'ዩ።

ነዚ'ዩ ምናልባት ክታበት ዓባይ ሰዓል [ቲቢ] ኮቪድ'ውን ክከላኸል ይኽእል እዩ ተባሂሉ ፈተነ ዝግበር ዘሎ።

ይኹን'ምበር ደቀቕቲ ኣካላት (ማይክሮኦርጋኒዝምስ) ኮቪድ-19ን ዓባይ ሰዓልን ዘመሳስል ነገር የብሎምን፤ ኣይራኸቡን'ውን።

ከመይ እንተኢልኩም፡ እቲ ሓደ ብባክቴሪያ (ዓባይ ሰዓል) እቲ ካልእ ድማ (ኮቪድ-19) ብቫይረስ እዮም ዝመጽኡ።

ብተወሳኺ ብኣፈጣጥርኦም ባዕሉ ብ3 ቢሊየንን መንፈቕን ዓመታት ዝተፈላለዩ'ዮም፤ ዓብዪን ንኡስን'ዮም እንተበልና'ዶ ይቐልል?

ይኹን'ምበር እቲ ክታበት ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ክኣቱ ከሎ ዝኾነ ተኣምር ክፈጥር እዩ ጸኒሑ። ነዚ'ዮም ተመራመርቲ ተስፋ ገይሮምሉ ዘለው።

እቲ ዓብዪ ሕቶ፡ ንሓደ ሕማም ተባሂሉ ዝተመሃዘ ክታበት ብኸመይ ኣብ ካልእ ሕማም ተፈቲኑ እወንታ የርኢ ዝብል'ዩ።

በዚ ዘካትዕ ጉዳይ ንክንረዳዳእ ሕማም ዓባይ ሰዓል ንውሰድ። እዚ ሕማም፡ ካብ ኲናት ንላዕሊ ናይ ዘመናት ጸላኢ ወዲሰብ ኮይኑ ዝጸንሐ'ዩ።

ኣብ ሓደ እዋን ፈረንሳውያን ተመራመርቲ፡ ኣልበርት ካልሜትን ካሚል ጉሪንን ክታበት ረኸብሉ።

ናይ'ዚ ሕማም ክታበት እንተዘይርከብ ነይሩ፡ ሓደ ቢሊየን ህዝቢ'ውን ኣብ ምድሪ ኣይምተረፈን።

ነዚ ሕማም ዘምጽእ ባክቴርያ፡ምስ ወዲሰብ ልፍንቲ ፈጢሩ ማለት ተላሚዱ ን40 ሽሕ ዓመታት ነይሩ። በዚ ምኽንያት ሓደ ሰብ ሕማም ሳምቡእ ከጥቅዖ እንከሎ፡ ዳርጋ ናይ ሞት ፍርዲ'ዩ ዝሕሰብ።

ጥንታውያን ግብጻውያን ኣብ ዘድረቑዎም ሬሳታት ኣብ ሓደ መሰለስ ኣስክሬን፡ ባክቴሪያ ሕማም ሳምቡእ ተረኺቡ'ዩ።

ኣብቲ ዘመን ህዝቢ በዚ ሕማም'ዩ ረፍረፍ ኢሉ። እንታይ ግድኹም . . . ካብ ምድረ ገጽ ከጥፍአና ዝበለ ሕማም እዩ ዝነበረ!

ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ንህዝቢ ዓለም መን'ዶ ወዲኡዎ'ዩ? እዚ ባክቴሪያ እዩ።

ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኤሊኖር ሩዝቬልት፣ ኣፍካ ዘየኽድን ደራሲ ጆርጅ ኦርዌል፣ ፍራንዝ ካፍካን መን ድዩ ቀቲሉዎም?

ዓለም፡ ንነብሲ ናይዞም ክልተ ፈረንሳውያን ተመራመርቲ፡ ኣብ ገነት የንብረልና ኢላ እናመረቐት ትነብር ኣላ፤ ሳልኦም ብቢሊዮናት ዝቑጸር ህይወት ሰባት ድሒኑ።

ከመይ ኢሎም ግን ነቲ ክታበት ረኺቦምዎ'ዶ ኢልኩም? በቲ ግዜ ክታበት ዓባይ ሰዓል ምርካብ ዳርጋ ክታበት ኤችኣይቪ ወይ'ውን ኮቪድ-19 ምርካብ እዩ ዝቑጸር ነይሩ።

ዓባይ ሰዓል ህይወት ሚሊዮናት መንዚዑ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክንደይ ዋጋ ተኸፊሉ ተረኺቡ ይመስለኩም።

እቲ ኽታበት ካብ ላሕሚ (ላም) እዩ ተገንዩ። ተመራመርቲ እቲ ኣብ ውሽጢ ላሕሚ ዝተረኸበ ክታበት ቀስ ብቐስ እናቐየሩ ፈውሲ ረኺቦምሉ።

ብ1921 ዓ.ም ኣብ ሓደ ህጻን ተፈቲኑ፤ ብ1950ታት ውጽኢታዊ ኮነልኩም።

እቲ ክታበት፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ሚኢታዊት ፈውሲ ዝህብ ስለ ዝነበረ፡ ጸገም ተፈትሐ፣ ብዙሓት ድሓኑ፤ ፍስሃ ኮነ።

እቲ ዝገርም ነገር ድማ፡ ንዓባይ ሰዓል ዝወሃብ ዝነበረ 'ቢሲጂ' ዝተባህለ ክታበት፡ ዝተፈላለዩ ሕማማት ክከላኸል ምኽኣሉ'ዩ።

ብዙሓት ህጻናት ምስተወለዱ ይሞቱ ነይሮም፤ እዚ ክታበት ምስ ተረኸበ ግን መን'ዩ ዝመውት? እቲ ምንታይ፡ ንሕማም ዓባይ ሰዓል ጥራሕ ኣይኮነን ዝከላኸል ነይሩ።

ድሕሪ እዚ ክታበት፡ ሞት ህጻናት ብ79 ሚኢታዊት ነክዩ እንተበልናኩም ንምእማን ክትጽገሙ ዲኹም? እቲ ሓቂ ግን ንሱ ስለ ዝኾነ ተቐበልዎ!

ክታበት ዓባይ ሰዓል፡ ሕማማት ጉንፋዕ፣ ሴፕቲሴሜያን ሄርፒስን ከም ዝከላኸል ተመራመርቲ ብመጽናዕቲ በጺሖምሉ'ዮም።

ክሳብ ሕጂ ዘይመለስናዮ ሕቶ ኣሎ ድዩ?

ከመይ ኢሉ'ዩ ንሓደ ሕማም ዝተሰርሐ ክታበት ንኻልኦት ዝፍውስ ወይ ዝከላኸል ዝብል ሕቶ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ሕቶ፡ ናይ ተመራመርቲ'ውን እዩ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ዘለው ግምታዊ መርትዖታት እቲ ሓደ፡ ደቂቕ ኣካላት (ማይክሮኦርጋዝምስ) እቶም ሕማማት ዝተፈላለዩ'ኳ እንተኾኑ፡ ዝኾነ ዓይነት 'ኣንቲጂን' ግን የራኽቦም'ዩ ዝብል'ዩ።

አንቲጂንስ ዝብሃሉ ሞሎኲላት'ዮም። ተፈጥሮኣዊ ናይ ምክልኻል ዓቕምና፡ ሕማም ንምክልኻል፡ ንሞሎኲላት ከም ሰለልቲ ይጥቀመሎም።

ዝኾነ ዘይፍለጥ ነገር፡ ናብ ሰብነትና ክኣቱ እንከሎ፡ ቀልጢፎም ሓበሬታ ዝህቡ ንሳቶም'ዮም፤ ኣንቲጂናት።

ንኣብነት፡ ሓደ ህጻን ክታበት ዓባይ ሰዓል ቢሲጂ ክውጋእ እንከሎ መጀመርታ ይበኪ። ድሓር እቲ ክታበት ናብ ሰብነቱ ይኣቱ።

ጸኒሑ፡ ሰብነቱ ምስ ዝኾነ ሓድሽ ዓይነት ፕሮቲን ይላለ፤ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዝፍጠር ክጠፍአኩም ድዩ?

ሰብነትና፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ክታበት ንዘሎ ፕሮቲን ክፈልጦ ከሎ ንኻልኦት'ውን ከለሊ ኣየጸግመሉን።

ከመይ እንተኢልኩም፤ እቶም ፕሮቲናት ኣብ ዘይፍለጡን ዘይተጸበናዮምን ናይ ባክቴሪያ ኣካላት ዝርከቡ ምዃኖም'ዩ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ሓደ ክታበት ትጽቢት ብዘይተገበረሉ ደረጃ ንኻልእ ባክቴሪያ ወይ ቫይረስ ክከላኸል ይኽእል።

እቲ ኻልኣይ ግምታዊ መርትዖ'ውን ከነምጽኦ።

ሰብነትና ክታበት ክቕበል እንከሎ፡ ልክዕ ሃገር ከይትውረር ወይ ናዕቢ ከይልዓል ፍሉይ ሓይሊ ኣይተርፍ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይልታት ጸጥታትን ኩለመንኦም ጠጠው ዝብል ኩሎም ናይ ምክልኻል ሓይልታት ይነቓቕሑ።

በዚ ምኽንያት ካልኦት ቫይረሳትን ባክቴሪያን ናብ ሰብነትና ክመጽኡ ከለው ከቢድ መጥቃዕቲ ስለ ዝጽበዮም ይውገዱ።

ኣብ ውሽጢ ሰብነትና ክልተ ዓይነት ሕማም ዝከላኸል ሰራዊት'ዩ ዘሎ።

እቲ ሓደ ንዝኾነ ዘይፍለጥ ነገር ኢዱ ዝህብ ኮይኑ፡ ነዚ ተቓሊሱ ክስዓር ከሎ ዝላመድ እዩ። ድሕሪኡ ድላዩ ክታበት እንተተዋህበ ወይከ፤ ኣይቃለስን።

እዚ ንከይላመድ ብዝብል'ዩ ክታበት ክስራሕ እንከሎ እቲ ሕማም ኣዳኺሞም ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝገብሩ።

እቲ ኻልኣይ ግን ተፈጥሮኣዊ ሕማም ዝከላኸል ሰራዊት (innate immune system) እዩ። እዚ እንተሒዙ ኣይሰድድን።

እቲ ዴንማርካዊ ተመራማሪ ከም ዝብሎ፡ ክታበት ቢሲጂ ቅምሶ [ዲኤንኤ] ብሓድሽ መልክዕ ናይ ምውዳብ ሓይሊ ኣለዎ።

እዚ ማለት ሕማም ዓባይ ሰዓል ዝከላኸል ሰራዊት ምድላው ጥራሕ ዘይኮነ ሓድሽ ናይ ምክልኻል ሜላ ዝወረሰ ሰራዊት'ውን ይፈጥር።

"በዚ ምኽንያት ሓደ ክታበት ንገለ ሰባት መንሽሮን ምስ እርጋን ብዝተሓሓዝ ዝመጽእ ጸገም ኣእምሮ (ዲሜንሺያ] ክከላኸለሎም ንዕዘብ ኢና" ይብል ተመራማሪ ፒተር።

ክታበት ዓባይ ሰዓል፡ መንሽሮ ፍሕኛ፡ ኣብ ምፍዋስ'ውን ይውዕል ኣሎ።

ሕሙማት መንሽሮ ፍሕኛ፡ በዚ መድሓኒት እንተሓውዮም ብኣልዛይመር ኣይጥቅዑን፤ እዚ እዩ እቲ ዝገርም ነገር።

ብዝኾነ እዚ ጉዳይ እንተዓጸናዮ እዩ ዝሓይሽ እምበር መወዳእታ የብሉን። ንመእሰሪኡ ድማ ሓደ ከግረምልኩም ዝኽእል ሓቂ ክንነግረኩም።

ተመራማሪ ፒተር ከም ዝብሎ፡ ሓደ ዓይነት ሕማም ንምፍዋስ ሓንቲ ጠብታ ክታበት እኽልቲ'ያ፤ ግን ብብዝሒ ክውሰድ ከሎ ውጽኢቱ ብኡ ልክዕ ይውስኽ።

ከምዚ ክበሃል እንከሎ ግን፡ ጎናዊ ሳዕቤን ክታበት ንግዝኡ ገዲፍና እዩ፤ ምኽንያቱ ሓደ ክታበት ብተደጋጋሚ ክውሰድ ከሎ፡ ጠንቂ ካልኦት ሕማማት ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ካብ ሕማም በዲዶ ዝድሓነ ሰብ፡ ፈጺሙ ዚያዳ በዚ ሕማም ካብ ዘይተጠቕዐ ሰብ ካልኦት ሕማማት ክከላኸል ይኽእል።

ተመራመርቲ ናይዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኢሎም እንተዘይኣቐመጡዎ'ውን፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ወድሰብ ሓደ ግዜ ጸላኢ ርእዩ ምስ ሰንበደ፡ ንዕኡ ተቓሊሱ ብምውዳቕ ጥንካረ ስለ ዝረክብ ቐጻሊ ሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘጥሪ ይሰማምዑ።

እሞኸ ረብሓ ክታበት እንታይ'ዩ?

ኣብ 1980ታት ትካል ጥዕና ዓለም፡ በዲዶ ካብ ዓለም ከም ዝጠፍአ ኣዊጁ። ስለ ዝኾነ፡ ህጻናት ክታበት እዚ ሕማም ምውሳድ ጠጠው ኣቢሎም።

ግን ድማ ይብል ተመራማሪ ፒተር፡ ኣብ ጊኒ ቢሳው ኮነ ዴንማርክ ክታበት በዲዶ ጠጠው ክብል እንከሎ ካልኦት ዘይፍለጡ ግን ድማ በቲ ክታበት ዝሓውዩ ዝነነበሩ ሕማማት ዕሽሽ ተባሂሎም ይብል።

ፖሊዮ'ውን ከም ዝጠፍአ ተኣዊጁ'ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣፍሪቃ'ውን ንሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዝጠፍአ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገለ ናይ ገጠር ዓድታት ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ሓሓሊፉ ከጋጥም ከም ዝኽእል ግን ይግመት።

ክታበት ፖሊዮ ክወሃብ ከሎ ግን፡ ካልኦት ዘይተሓሰቡ ሕማማት ይከላኸል ከም ዝነብረ ኣይተጸንዐን።

ክታበት ፖሊዮ ኣብ ጊኒ ቢሳው ካብ ፖሊዮ ወጻእ፡ 67 ምኢታዊት ሞት ህጻናት ከም ዝነከየ ብ2004 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይጠቅስ።

ተመራመርቲ፡ "ሓደ ክታበት እቲ ዝደለናዮ ሕማም ምስ ኣጥፍአልና ዓብዪ ነገር ዘዐወትና ስለ ዝመስለና፡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክከውን ንገብር። ግን ድማ ሞት ክውስኽ ንገብር ከም ዘለና ክዝንጋዕ የብሉን" ይብሉ።

ግዜ እንተፈቒዱ፡ ብሕጂ ዝርከብ ክታበት ኮቪድ-19 እንታይ ሒዙ ክመጽእ ይኸውን? ሕቶ ህዝቢ ዓለምን ተመራመርትን'ዩ።