ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ኣብ ምፍራይ ትመርሕ ዘላ ቻይና ድሮ ንሰራሕተኛታት ትኸትብ ጀሚራ

መድሃኒት ከሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መፈለምታ እዚ ወርሒ ሓላፊ ሓደ ብውልቀ ዝውነን ገዚፍ ኩባንያ ቻይና ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ወርሒ ሕዳር ናብ ዕዳጋ ክቐርብ ትፅቢት ከም ዝግበር ንሰራሕተኛታቱ ገሊጹ።

እዚ ክታበት ዝለመሰ ቑጠባ ዝሓውየሉ ምልክት ገይሩ ከም ዝወርእዮ ብምግላጽ እቲ ትካል ብብዝሒ ክታበት ናይ ምሻጥ ዕድል ከም ዝህልዎ ተዛሪቡ።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ድማ፡ መንግስቲ ቻይና እቲ ተስፋ ዘለዎ ዝመስል ምምዕባል ክታበት ህዝቢ ክፈልጦ ገይሩ።

እቲ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መጀመርታ ኣብ ሓደ ዕዳጋ ቻይና ከም ዝተራእ ይግመት።

ቻይና፡ ነዚ ኣጋጣሚ ናይ ባዕላ ኣሰር ክተንብረሉን፡ ነቲ ኣብ ዓለም ውፅኢታዊ ክታበት ንምምዕባልን ንምክፍፋልን ኣብ ዝግበር ዘሎ ውድደር ክትዕወት ብዘይንሕስያ'ያ ትቃለስ ዘላ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ እቲ ዝምዕብል ዘሎ ክታበት ብሃገራዊ ቴሌቬዥን ብስእሊ ዝተፈነወን፡ ሓንቲ ኽምስ ዝበለት ሰበይቲ ድማ ኣብ ቤተ-ፈተነ ሕላገት እቲ ክታበት ዘለዎ ሳንዱቕ ሒዛ ተራእያ እያ።

ኮርፖሬሽን ቅመማ ኣፋውስ ቻይና ሲኖፍራም'ውን እዚ ክታበት መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዕዳጋ ከም ዝውዕልን ዋግኡ 140 ዳላር ከም ዝኾነን ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።

ወግዓውን ምስጢራውን ፈተነታት

ኣብ ምምካት ኮሮናቫይረስ ቆራጽነት ቻይና ግልጺ'ዩ።

ከም ዝፍለጥ ካብቶም ዛጊት ተስፋ ዝተገበረሎም ሽድሽተ ክታበታት ኮቪድ-19፡ እቶም ፍርቂ ቻይና ዘማዕበለቶም ኮይኖም ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ፈተነ በጺሖም ኣለው።

እዞም ዓለማዊ ፈተነታት ክታበት ድማ ኣገደስቲ እዮም።

ቻይና ኣብ ሃገራ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ብዕውት መገዲ ስለ ዝተቆጻጸረቶ ነቲ ክታበት ኣብ ቻይና ክትፍትኖ ኣይትኽእልን እያ።

ፕሮፌሰር ቤን ኮውሊንግ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ክፍሊ ትምህርቲ 'ፐብሊክ ሀልዝ'፡ ኣፍረይቲ ክታበታት እታ ሃገር ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ክገብሩ (እቲ ክታበት ንኣሽሓት ሰባት ዝወሃበሉ) ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ዝተላብዐሉ ቦታ እዮም ዝደልዩ ዘለዉ" ይብል።

እቲ ፕሮፌሰር፡ በቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቻይና ሓዊሱ ዝምዕብሉ ዘለዉ ክታበታት ትስፉው እዩ።

"እቶም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ፈተነ ዘለዉ ኩሎም ክታበታት፡ ውፅኢታዊ ናይ ምዃን ፅቡቕ ዕድል ዘለዎም ይመስለኒ" ይብል ፕሮፌሰር ቤን ኮውሊንግ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ቻይና ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚራ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ንዝሰርሑ ቀንዲ ሰራሕተኛታት፡ ብሚስጢር ክታበታት ትፍትን ከም ዘላ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣረጋጊጹ እዩ።

ካብ ኮሚሽን ጥዕና ቻይና ዝኾነ ጀንግ ጆንግዌይ፡ ዘይጸደቑ ክታበታት ኣብ ዶባትን ካልኦት ከባብታትን ንዝርከቡ ሰባት ንክኽተቡ ከም ዝተፈቐደ ንሓደ መደብር ቴሌቬዥን እታ ሃገር ሓቢሩ እዩ።

እቲ ቁውም ነገር ፈላማይ ምዃን ዘይኮነስ ምድንፋዕ እዩ ዝብል ፕሮፌሰር ኮውሊንግ ድማ፡ "ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ ውሑዳት ክታበታት ክኾኑ ዝኽእሉ እመስለኒ። ብብዝሒ ይርከቡ'ዶ ዝብል ግና ርግጸኛ ኣይኮንኩን" ኢሉ።

እዚ ምሁር፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 2021፡ መላእ ህዝቢ ዓለም ኣንጻር ኮቪድ-19 ከምዝኽተብ ኣሚቱ።

ኣብ ፈተነ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝተፈላለዩ ምልውዋጣት እኳ እንተለዉ፡ ቻይና ግና ኣብ ሃገራት ኢማራት ዓረብ፣ ፔሩን ኣርጀንቲናን ሓዊሱ፡ ብኣሽሓት ኣብ ዝቑጸሩ ሰባት ምዕቡል ፈተነ ክታበት ኣካይዳ እያ።

እዚ ተኸታታሊ ዝተሰነደ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታትን ትካላት ኣፋውስን ዝተኻየደ እዩ።

ብኣንፃሩ ድማ ዕላዊ ዘይተገበሩ ካልኦት ፈተነታት'ውን ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ ግዘ፡ ብርክት ዝበሉ ቻይናውያን ዓደንቲ፡ ኣስራሒኦም ንፈተነ ክታበት ይጥቀመሎም ምንባሩ ምስ ኣፍለጡ፡ ናብ ፓፓዋ ኒው ጊኒ ምእታው ኣብዮም እዮም።

ኣብቲ ኣብ ደሴት ፓስፊክ ብመንግስቲ ቻይና ብዝውነን ትካል ዝሳለጥ ዕደና ካብ ሞንጎ ዝሰርሑ 48 ዓደንቲ፡ ኣብ መፈለምታ ወርሒ ነሓሰ ከይፈለጡ ክኽተቡ ተገይሩ እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣንዳዕዲዖም እናፈለጡ ነቲ ጉዳይ ብምስጢር ዝሓዝዎ ሰብ መዚ ፓፓዋ ኒው ጊኒ፡ እቶም ኣብ ልዕሊኦም ብዛዕባ ይካየድ ዘሎ ዘይፈልጡ ዓደንቲ ብኮሮናቫይረስ ከይልከፉ ተጨኒቖም ነይሮም።

ፕረዚደንት ቻይና

ምንጪ ስእሊ, EPA

'ዲፕሎማሲ ክታበት' ከም ፕሮፓጋንዳ

ቻይና ነዚ ክታበት ምስ ሓዘት፡ ነቲ መድሃኒት ተጠቒማ እንታይ ክትገብር ከምትኽእል ንፁር ኣይኮነን።

ቻይና፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ከምዝዓገተቶ ዝገልጽ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ "ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ቻይና ምስ ማዕበለን ምስ ተኸፋፈለን ዓለምለኻዊ ምህርቲ ኮይኑ ኣብ ረብሓ ክውዕል እዩ" ይብል።

ቻይና፡ ካብዚ ክታበት ገለ ጎረባብታ ዝኾና ሃገራት ደቡብ ኤሽያን ሃገራት ኣፍሪቃን ተጠቀምቲ ከም ዝኾና ኣፍሊጣ ኣላ።

ውሳነ ቻይና ዘይተወሓጠሎም ገለ ተዓዘብቲ ግና፡ ዲፕሎማስያዊ ሚዛን ሓይሊ ንምሓዝ ዝግበር ፀወታ ከም ዝኾነ እዮም ዝርእይዎ።

ሓደ ላዕለዋይ ኣውሮጳዊ ዲፕሎማት፡ ቻይና ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ እዋን፡ ናብ ሃገራት ሰርቢያን ጣልያንን ናውቲ መከላኸሊ ኮሮናቫይረስ ምልኣኻ፡ ጠገለ ዘይብሉ ፕሮፓጋንዳ ከም ዝኾነን "ናይ ማስክ ዲፕሎማሲ" ከምዝነበረን እዩ ዝገልፅ።

እዚ ናይ ናይ ቻይና "ክታበት ዲፕሎማሲ" ኣዝዩ ጸላዊ ከምዝኾነ ብምግላጽ ድማ የጠንቅቕ።

ፕሮፌሰር ኮውሊንግ፡ "ቻይና ኣብ መጽናዕቲ ክታበት ዘደንቕ ብዙሕ ወፃኢ ኣውፊራ'ያ፤ ትዕወት ከኣ ኣላዋ" ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።

ኮሮና