ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ኣቋሪጽዎ ንዝነበረ ፈተነ ክታበት ክጅምሮ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ ብዙሕ ጻዕርታት ዝግበር ዘሎ ኾይኑ፡ ካብኣቶም ሓደ ድማ ዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ዘማዕብሎ ዘሎ ‘ኣስትራዜኒካ’ ዝበሃል ክታበት ልዑል ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ እዩ።
ነዚ ድማ እዩ፡ ብሰሉስ ፈተነ እዚ ክታበት ንግዚኡ ደው ከምዝበለ ምስተገለጸ፡ ንብዙሓት ዘሰምበደ።
ትማሊ ቀዳም ድማ፡ መሊሱ ተስፋ ዝህብ ሓበሬታ ተዋሂቡ’ሎ፤ ፈተነ ናይ’ዚ ክታበት ክቕጽል እዩ።
እቲ ፈተነ ደው ክብል ዝተገበረ፡ ኣብ ብሪጣንያ ነዚ ክታበት ዝተውሃቦ ሓደ ሰብ፡ ኣብ ጥዕንኡ ገለ ጎድናዊ ሳዕቤናት ስለዝተርኣይዎ እዩ ነይሩ።
እቲ ፈተነ ደው ዝበለ ድማ፡ እቲ ጎድናዊ ሳዕቤን ምስ’ዚ ክታበት ዝተሓሓዝ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ንምርግጋጽ እዩ ነይሩ።
ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ፈተነ ናይ’ቲ ክታበት ምቕጻል ውሑስ ከምዝኾነ ዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣብ ዓለምና፡ ኣስተት 180 ናይ ኮሮናቫይረስ ክታበት ፈተነታት ይካየድ ኣለዉ። ካብዚኦም ግን፡ ዋላ ሓደ ‘ክሊኒካል ፈተነተት’ ዝወደአ ከምዘየለ እዩ ትካል ጥዕና ዓለም ዝገልጽ።
እዚ ክታበት፡ ፈላማይን ካልኣይን ምዕራፍ ፈተነታቱ ስለዝተዓወተ፡ ናብ ዕዳጋ ክውዕሉ ከምዝኽእሉ ካብ ዝተገመቱ ክታበታት ሓደ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ክታበት፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሳልሳይ ምዕራፍ ፈተነ ጀሚሩ’ሎ።
ኣብ’ዚ ፈተነ ድማ፡ 30 ሽሕ ወለንታውያን፡ ካብ አሜሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ብራዚል፣ ደቡብ አፍሪቃ ተሳቲፎም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







