ፑቲን፡ ሩስያ ዘማዕበለቶ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ከምዝተፈቕደ ተዛሪቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩስያ ኮሮናቫይረስ ዝከላኸል ክታበት ከምዘማዕበለት ፕረዚደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ገሊጹ።
እቲ ብተቖጸጸርቲ ተረጋጊጹ ዝተብሃለ ክታበት፡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ሰባት ከምዝተፈተነን ኩሎም ናይ ቁጽጽር ደረጃታት ከምዝሓለፈን ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ ጓሉ እውን እቲ ክታበት ከምዝወሰደት ገሊጹ።
ብተወሳኪ ሩስያ ካብ ዝመጽእ ጥቅምቲ ጀሚሩ እቲ ክታበት ብብዝሒ ንምፍራይ መደብ ከምዘለዋ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።
ቅልጣፈ ሩስያ ዘይተውሓጠሎም ሰብሞያታት ግን፡ ደረጅኡ ዘይሓለወን ናይ ታህዋኽን ከይኸውን ስክፍታታቶም ይገልጹ።
ኣብ ውሑስነት እቲ መድሓኒት ስግኣት ዝሓደሮ ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዝ ክትበት ንምፍራይ፡ ሩስያ ዓለም ለኻዊ መምርሒታት ክትክተል ከምዝግባኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ እቲ ክታበት ብዛዕባ ዝግምገመሉ ኩነታት ምስ ሰበስልጣን ሩስያ ከምዝተዘራረበ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ ኣሎ፡፡
እቲ ሩስያ ረኺበዮ ዝበለቶ ክታበት፡ ካብቶም ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ብርኪ ሰለስተ ክሊኒካዊ ፈተነ ዝበጽሑን ኣብ ብዙሓት ሰባት ክፍተኑ ትጽቢት ዝግረሎምን ሽዱሽተ ክታበታት ሓደ ኣይኮነን፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ ሰብ ይፍተኑ ዘለዉ ክታበታት ሓዊሱ፡ ብደረጃ ዓለም ኣስታት 100 ክታበታ ኣብ ምምዕባል ይርከቡ፡፡
እንተኾነ ዋላ ጽቡቕ ምዕባለታት ይሃሉ፡ ቅድሚ መፋርቕ 2021 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ብሰፊሑ ክርከብ ዝኽእል ክታበት ኮነ መዳሓኒት ከምዘይህሉ ሰብሞያ ይገልጹ፡፡
ፕረዚደንት ፑቲን ነቲ ኣብ ሞስኮ ብዝርከብ ማእከል ምርምር ጋማለያ ከምዝማዕበለ ዝተገለጸ ክታበት ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዘላቒ ናይ ምክልኻ ዓቕሚዝፈጥር ከምዝኮነ እዩ ተዛሪቡ፡፡
እንተኾነ እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እቲ ፈላማይ፣ ውጽኢታውን ንኹሎም መመዘኒታት ዝሓለፈ ዝበሎ መድሓኒት ዝርዝርሓበሬታ ኣይሃበን፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







