ኣብታ ምንጪ ኮሮና-ቫይረስ ዝኾነት ከተማ ዉሃን ዘለዉ ኤርትራውያን ተምሃሮ ደሓን ከም ዘለዉ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብታ ምንጪ ናይቲ ቀታሊ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዘለዉ ኤርትራውያን ተምሃሮ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከም ዝርከቡ፡ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።
ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርሲታት ከተማ ዉሃን ከም ዘለዉ እቲ ሐበሬታ የረድእ። ኣብታ ከተማ ልዕሊ ክልተ ደርዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከም ዘለዋ ይግለጽ።
ምንቅስቓሳቶም ተደሪቱ ከም ዘሎ'ውን እቲ ዜና ይገልጽ። ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ኣብ ውሽጣ ይኹን፡ ካብን ናብን እታ ከተማ ዝግበር መጓዓዝኣታት ተቛሪጹ ይርከብ። ብሰንኪ'ዚ ነበርታ፡ ኣድላዪ ምንቅስቓስ እንተ ዘይኮይኑ፡ ኣብ መንበሪ ኣባይቶም ክጸንሑ ተገዲዶም ኣለዉ።
"እቶም ተምሃሮ፡ ንኩነታቶም ንምክትታል፡ ኣምባሰደር ኤርትራ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ጸጋይ ተስፋጽዮን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ብምንኣድ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንድሕነቶም ንምውሓስ" ዝገበረሎም ደገፍ ኣመስጊኖም ክብል ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሓቢሩ።
እቶም ዝተገብሩ ጻዕርታት እንታይ ምዃኖምን፡ መጻኢ እቶም ተምሃሮ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ኣይተፈልጠን።
እቲ ካብ ከተማ ዉሃን ዝተበገሰን፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ተላቢዑ ዘሎ ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ፡ ዛጊት ኣብ ልዕሊ 70,000 ሰባት ከምዝተራእየን፡ ሂወት ናይ ልዕሊ 2000 ሰባት ቀዚፉ ከም ዘሎን ተፈሊጡ'ሎ።
ፈውሲ ኣለዎዶ?
ናይ ቀደም ፈውሲ ዓሶ ንኮሮና-ቫይረስ ንምፍዋስ ኣድማዒ ኮይኑ ከም ዝረኽበ ሰብመዚ ጥዕና ቻይና ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ 1980ታትን 90ታትን ኣብ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ዝነበረ ክሎሮኪን ዝተባህለ መድሃኒት፡ ንሕማማን ብምውሃብ ኣብ ዝተገብረ ፈተነታት ጽቡቕ ውጽኢት ብምምጽኡ፡ ኣብ ቻይና ኣብጥቕሚ ክውዕል ፍቓድ ረኺቡ'ሎ።
ዛጊት ነቲ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል ክታበት ኣይተረኽበን። እቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣድላዩ ዝኾነ ካልእ ክንክን ከም ዝረኽቡ ብምግባር፡ ዓቕሚ ምክልኻል ኣካላቶም ከም ዝሕይል'ዩ ዝግበር ዘሎ።
ገለ ካብቲ ዝግበረሎም ክንክን፡ ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ከም ዝረኽቡን፡ ግቡእ መግብን ማይን ከም ዝሰትዩን ምግባርን'ዩ።
ክታበት ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ኩባንያታትን ትካላትን ፈተነታት ይግበር ኣሎ።
ገለ ሆስፒታላት ድማ፡ ናይ ካልኦት ዓይነት ቫይረሳት ኣፋውስ ክሕግዝ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ፈተነታት የካይዳ ኣለዋ።
ብኸመይ ንርእስና ክንከላኸል ንኽእል?
ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝህቦም ምኽርታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡
- ኣእዳውኩም ተሓጸቡ- ሳሙናን ናይ ኢድ መሕጸቢ 'ጀል'ን ንቫይረስ ክቐትል ይኽእል'ዩ
- ክትስዑሉ ከለኹም ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ተሸፈኑ- እንተ ተኻኢሉ ብ'ቲሹ' (ሶፍት)- ድሕሪኡ ድማ ነቲ ቫይረስ ንኸይላባዕ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ።
- ዓይንኹም፡ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩም ኣይትሓዙ- በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ነገራት ምስ እትሕዙ ናብ ኣካላትኩም ክሰግር ስለዝኽእል
- ናብ ዝስዕሉ ይኹን ዝህንጥሱ ወይ ድማ ረስኒ ዘለዎም ሰባት ኣይትጸግዑ- እቲ ቫይረስ ከናጥርዎ ስለዝኽእሉ- እንተ ተኻኢሉ ሓደ ሜትሮ ካብኦም ክትርሕቁ ይምረጽ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







